2013-09-17 15:28:43

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ካዛኪህስታን


RealAudioMP3 ምጽናዕ ኣብ እምነት ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእመናን ካዛኪህስታን ንምርግጋጽ ናይ ምስራቕ ሥርዓት ዝኽታላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ካዛኪህስታን ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉ ክምልከት እንከሎ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምትብባዕን ሰላምታን ኣብ እምነት ምጽናዕን ንምቕራብ ዝሃቀነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ካዛኪህስታን ካብ ዕለት 13 መስከረም 2013 ዓ.ም. ዝጀመረ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝሃውቦ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ካሳኪህስታን ምስ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ምእመናንን ካህናትን ከምእተራኸቡን ኣብ ኣስታና ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝባረኹን፣ ቀጺሎም ኣብ ካራጋንዳ ምስ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከምእትረኸቡ እውን ሓቢሮም፣ ኣብ ኣስታና ምስታ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን እውን ተራኾቢምን ኣብ ካራጋንዳ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቴድራል እውን በጺሖም ምስ ካህናትን ብፁዕ ጳጳስን ከምእተራኸቡን እቲ ርክብ ብሓቂ ኣድማዒ ኔሩ ምስ በሉ ምስ ናይ ኣስታና መስጊድ ኢማምን ምስ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣስታና ጳጳስ እውን ተራኺቦምን ብሓፈሻኡ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን መራሕቲ ዘካየድዎ ርክብ ዓሚይቕ ከምዝነበረ ገሊጾም።
ኣብ ካዛህኪስታን ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን ነጻነት ከምዘሎን ኣብ ምክብባርን ናይ ሓባር ዘተን ዝቖመ ርክብ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እውን ከምዘሎን ስለዚህ ናይ ካሳኪህስታን ቅዋም ሃገር ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን መሰልን ክብርን ዘረጋግጽ እዩ። ብሓፈሻኡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ዘሎ ርክባት ሰላማውን ሱታፌኣውን እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ቅርበቶምን ሰላምታኦምን ጸሎቶምን ከምኡ እውን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ቡራኬኦም ከብጽሕ ዝሃቡኒ ሓላፍነት መሠረት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ርክባት ኣብጺሖምን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴታት እውን ኣብ ወንጌል ዝተመስረተ ኣገዳስነትን ሕጹጽነትን ሕዳሴ ኣቢያተ ክርስቲያን እዚ ድማ እቲ ኣብ ወግኔል ዝቖመ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ማእከልነትን ወንጌል ዝብል ምዃኑ ከምዝገለጹን ከምኡ እውን ነታ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ጽዋዕ ከምዘቕረቡ ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ብፍላይ ድማ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሶሪያ ኩሉ ክጽልይ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣብ ዘካይድዎ ርክባት ኩሉ ብምቕራብ ምእንቲ ሰላም ጸሎት ከምዝዓረገ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.