2013-09-17 15:14:16

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዝመርሕን ዘመሓድርን ፍቕሪ ሕዝብን ትሕትናን ዝብል ብሉጽ ጠባይ ክህልዎ ይግባእ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 16 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጎሆ ሰዓት ሽውዓት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍቕርን ትሕትናን ንዝመርሑን ንዘመሓድሩን ኣዚዮም ኣገደስቲ ክተርፉ ዘይግብኦም ጠባያት እያቶም ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ቅዱስነቶም እዞም ፍቕሪ ሕዝብን ትሕትናን ዝብሉ ክልተ ክቡራትን ብሉጻትን ጠባያት ዘመሓድሩን ዝመረሑን መንግሥታት ሃገርን ክህልዎም ከምዝግባእን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ናይ ዝተፈወሰ ኣገልጋሊ ሓደ ሓለቓ ሚእትን ከምኡ እውን ካልኣይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞተዎስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ንመንግሥታትን መራሕትን ጸልዩ ዝብሎ ቃል ኣመርኵይዞም ኣብ ናይ መንግሥትን መራሕነትን ኣገልግሎትን እንከስተንትኑ፣ ከፍቅር ዘይክእል ኣካል ክመርሕን ከመሓድርን ዘይከኣሎ እዩ። ዘየፍቅር መንግስቲ ወይ ድማ መርሕነት ብመቕጻዕቲ ዝመጽእ ሥነ ሥርዓት ጥራሕ ከረጋግጽ እንተዘይኮይኑ ከመሓድር ኣይክእልን እዩ። ስለዚህ ምሕደራ ፍቅርን ትሕትናን ይሓትት ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ገሊጾም፦ ሕዝብኻ ከየፍቀርካ ምምሕዳር ዘይከኣል እዩ፣ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ናይ መንግስቲ ሓላፍንት ዝቕበል ቅድም ቀዳድም ሕዝበይ የፍቅር ድየ፣ ብዝበለጸ ንኸገልግሎ ድማ የፍቅር ድየ? ትሕትና ማለት ዝበለጸ መገዲ ንምልላይ ካብ ናተይ ዝተፈልየ ናይ ካልኦት ርእይቶን ኣተሓሳስባን ምኽርን ይቕበል ድየ? ዝብሉ ሕቶታት ከቕርብ ይግብኦም፣ ንገዛእ ርእሱ ነዞም ሕቶ ዘየቕርብ ሰናይ መንግስቲ ክኸውን ኣይክእልን፣ ዝመርሕን ዘመሓድርን ተባዕታይ ይኹን ጓለንስተይቲ ሕዝቡ ዘፍቅርን ትሑትን ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፦ ንሳቶም እዮም ዝመርሑ ኣነ ወይ ድማ ንሕና ዘእትወና ነገር የሎን፣ ክንብል ኣይግባእን፣ ኣነ እውን ነቲ ናቶም መርሕነትን መንግስትን ሓላፍነት ኣሎኒ፣ ብግብኡ ክመርሑ መታን ኣነ እውን ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊ መዳይን ብዝበለጽ ክሳተፍን ግደይ ከበርክት ይግባእ፣ ስለዚህ ሓላፍነት ኣሎና፣ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ትምህርቲ ሕብረተሰብኣዊ ከምዘስተምህሮ፣ ፖለቲካ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘገልግል ብምዃኑ እቲ ዝዓበየ ልዑል ናይ ፍቅሪ ምልከት እዩ፣ እንክብል ይገልጾ፣ ስለዚህ ኣነ ኣየእትወንን እዩ ቢልና ኢንድና ክንሓጽብ ዘይኮነስ ግቡእና ክንፍጽም ይግባእ” ከምዝበሉ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ መወዳእታ ስብከቶም፦ ንፉዕ ካቶሊካዊ ምእመን ካብ ፖለቲካ ዝሃድም ዘይኮነስ ኣብ ፖለቲካ ዝዋሳእ ብዛዕባ ፖለቲካ ዝግደስ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ዝመርሕ መታን ብግብኡ ክመርሕ ካቶሊካዊ ምእመን ናይ ገዛእ ርእሱ ብሉጽ ሱታፌ ከቕርብ ይግባእ። ንመንግስትን ንዘመሓድሩና ከነወፍዮ እንኽእሎን ዝግብኣናንን ብሉጽ ተግባር እንታይ እዩ? ቅድም ቀዳድም ጸሎት ምእንታኦም ምጽላይ፣ እቲ ዝመርሕ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ብግቡእ ዘየመሓድርን ርጉምን ጨካንን ይኹን ምእንታኡ ምጽላይ ይግባእ፣ ናብ ገሃነም የንቆልቁል ዘይኮነስ፣ ምእንታኡ ምጽላይ፣ ብጽቡቕን ብግብኡን መታን ክመርሕን ሕዝቡ መታን ከፍቅርን ትሕትና መታን ክህልዎን ምእንታኡ ምጽላይ፣ ንመራሕቱን መንግስትን ዘይጽልይ ክርስቲያን ንፉዕ ክርስቲያን ኣይኮነን፣ ጠባይ ናይ መንግስቲ ብዘየገድስ መታን ክልወጥ ምጽላይ የድሊ፣ እዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እዩ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.