2013-09-17 15:43:17

ሩዋንዳ፦ ሕዝባዊ ምርጫ


RealAudioMP3 ናይ ሩዋንዳ ህዝባዊ ባይቶን ቤት ምኽርን ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ሕግን ንምሕዳስ ልዕሊ 5.9 ሚሊዮን ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ዜጋ ድምጺ ይህብ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ዕለት 16 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታት ሩዋንዳ ከምዘድመጹ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ሩዋንዳ ኒው ቲምስ እተሰምየ ምንጭ ዜና ጠቒሱ እንከመልክት ብዝሒ ስደተይና ሕዝቢ ሩዋንዳ 31 ሺሕ 514 ክኸውን እንከሎ መብዛሕቲኡ ኣብ ህንድን በልጅምን ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን ኡጋንዳን ዝቕመጥ ምዃኑ ዝሓበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግልቶ ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ዕለት 25 መስከረም 2013 ዓ.ም. ብወግዒ ክግለጽ ምዃኑን ነቲ ሕዝባዊ ምርጫ ካብ ውሽጥን ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ልዕሊ 1,600 ሺሕ ተዓዘብቲ ኣካላት ብቕረባ ከምእተኸታተልዎን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ካብ ዕለት 26 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ብዉዕዉዕ ፖለቲካዊ ስሚዒት ከምእተኻየደ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መውዳእታ ሰዓታት ኣብ ኪጋሊ 22 ዜጋታት ንናይ መቁሰልቲ ሓደጋ ዘቃልዑ ክልተ ናይ ቦምቢ ሓደጋ ከምእተኸስተ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.