2013-09-17 15:36:27

ምልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ድቡብ ኮሪያ ናብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 እቶም ዕለት 6 ግንቦት 1984 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል ሴውል ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ዕለት 16 መስከረም 1846 ዓ.ም. ኣብ ኮሪያ ቀዳማይ ካህን ኣባ ኣንድረያ ኪም ዳኤ ጉን ምስ 103 ማመናን ናይ ደም ሰምዕትነት ዝተቐበሉላ ዕለት 16 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኮሪያ 20 ዲያቆናት ካብ ኢድ ናይ ሴኡል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ የኦም ሶ ዡንግ ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉ እንክምልከት፣ ብፁዕ ኣቡነ የኦም ሶ ዡንግ ማዕርገ ክህነት እንክህቡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናይ እቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ኣብነት ብምስዓብ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዓለም ከይኮንኩም ንዓለም ኣገልግሎት እንክብል ዝሃቦ ትምህርቲ ብተግባርን ቃልን ክነብሩ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸንግ ዢን ሱክን ኣብ ደቡብ ኮሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኦስቫልዶ ፓዲላ ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ካቴድራል ምየኦንግ ዶንግ ዝዓረገ ኰይኑ ብፁዕ ኣቡነ የኦም ሶ ዡንግ ኣብ ሃገሮም ጸጋ ጸዋዕታ ይጥጥዕ ምህላዉ እውን ጠቒሶም ንዝጽውዕ ጐይታ ኣመስጊኖም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጎስ መልእኽቲ ኣንቢቦም ናይታ ሃገር ኣባላት ውሉደ ክህነትን ብፍላይ ድማ እቶም ሓደስቲ ካህናት ብሓጎስን ለጋስነትን ንክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ከገልግሉን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.