2013-09-07 16:31:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ሰላም ብመጋበርያ ሰላም


RealAudioMP3 ሎሚ ዕለት 7 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭትን ዓመጽን መታን ክውገድ፣ ምእንቲ ሰላም ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ሰብ ጽቡቕ ድላይን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክፍጽሙ ዘቕረብዎ መንፍሳዊ መደብ ጻውዒት ሰላም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ልክዕ ካብ ሰዓት ሸውዓተን ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ከምእተፈጸመ ክምልከት እንከሎ፣ እቶም ኣብቲ መንፈሳዊ መደብ ዝተሳተፉ ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ካብ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓንን ጀሚሮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተረኽቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭትን ውግእን ደው ዝብል ብኻልእ ውግእ ዘይኮነስ ብመገዲ ናይ ሰላም ዘተን መጋበርያ ሰላምን ጥራሕ ከምዝኾነን፣ ቤተ ክርስቲያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ ዘቕረበቶ መንፈሳዊ መደብ መጸውዒ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያናትን ቁምስናታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ከምእተፈጸመን፣ ነዚ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝቐረበ ኣዋጅ መጸውዒ ሰላም መንፈሳዊ መደብ ጾምን ጸሎትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ተቐባልነት ረኺቡ ከምእተፈጸመ ክምልከት እንከሎ፣ እዚ መደብ መጸውዒ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ክፍጸም ምራኣዩ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት ሓደ መስከረም 2013 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ውግእ ከቶ ከይህሉ፣ ኣክንዲ ውግእ ሰላም ይባራዕ ባርዕ ሰላም እምበር ባራዕ ውግእ ከቶ ከይህሉ፣ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ምስቲ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጻውዒት ሰላም መንፈሳዊ መደብ ጾምን ጸሎትን እቲ ጥንታዊ ንዘመናትን ኣሽሓት ዓመታትን ሎም ኢውን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ፍጥረት ሰብ ብሰላምን ኣብ ሰላም ክነብር ዝዝየምን ዝደግሞን ሰላምካ ዓድለና እቲ ነቕ ዘይብል ዘይሰዓር መርሕነትካ ካብ ክፍኣት ይኸውለናን ይዓቅበናን ዝብል ጸሎት ዘጠቓልለ ነዓ ፈጣሪ እተሰምየ ጸሎትን ከምኡ ኣውን ብናይ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዘ መንፈሳዊ ቃላት ዝተሰነየ ጸሎት መቁጸርያ ክፍጸም ቅዱስነቶም ብዝሃብዎ ውሳኔ ተሰንዩ ከምእተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።
ኣብ ፍጻሜ እቲ ናይ ጸሎት መደብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝተፈጸመ ኣስተንትኖን ስግደትን ስልጣናዊ ቃለ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ዕለት 6 መሰከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ብዝርከብ @Pontifex እተሰምየ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዝተፈተኹም መንእሰያት ኣብቲ ሎሚ ዝተፈጸመ መጸውዒ ሰላም መንፈሳዊ መደብ ጾምን ጸሎትን ክሳተፉ ቅድም ክብል ኣብ ዓለም ሰላም መታን ክረጋገጽ ምሳይ ሓቢርኩም ሓደራኹም ምእንቲ ሰላም ጸልዩ፣ ምእንቲ ሰላም ኣጻልዩኒ ብዝብል ትሑት ቃላቶም ኣቢሎም ዓዲሞምን ሰላም ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሰናይ ሃብቲ እዩ፣ ስለምታይሲ ኩሉ ዓይነት ፈላላይ መንደቕ ዝኣልይ ልዕሊ ኩሉ ክቡራት ዋጋታት ስለ ዝኾነ እዩ ድማ እንክብሉ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ዕለት 6 መስከረም 2013 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እውን ደጊሞም እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣብ ናይ ውልቃዊ ጥቕማ ጥቕምታቶም ከይዕጽዉ ሓደራ ቢሎም፣ ኣስዒቦም ናይ ሕሱር ዋጋ ክርስትና የሎን ኢየሱስ ምስዓብ ማለት ነቲ ቅቡልን ልሙድን እናኾነ ዝኸይድ ዓይነት መንፈስ ክፍኣትን ንኣይነትን ምኽሓድ ማለት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.