2013-09-06 18:20:59

ሰንበት ዘጳጉሜን (ዘመብረቕ) 2005 ዓ.ም. ጳጉሜ 3 2005 ዓ.ም. (9/8/2013)


መዝሙር፡ ከመ እንተ መብረቕ. . . . ።
ንባባት፡ ቆላስ 3፡1-11፥ 2ጴጥ 3፡7-9፥ ግ.ሓ. 26፡1-17፥ ሉቃ 12፡13-21
ምስባክ፡ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ፥ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ። “እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ አምላኽና ሱቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ”።
መዝሙር፡ በርቂ ካብ ምብራቕ ካሳብ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፡ ምስ ኩሎም አእላፋት መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ምጽአቱ ከማኡ ክኸውን እዩ፡ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት’ እናበለ ንሓዲስ ዓመት ከምቲ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ገርና ክንጽበዮ ይዕድመና።
እዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ስርዓት ባኅሪሓሳብ ጳጉሜን እዩ፥ ጸያቒ አዋርሕ እውን ይብሃል። አብ ዘመነ ዮሓንስ 6 መዓልታት አብቶም ካልኦት ግን ሓምሽተ መዓልታት እዩ። ከም መሰጋገሪ ናይ ሓዲስ ዓመት ተራእዩ ዝተፈላለየ ባህሊ በዚ እዋን ይግበር። ሓደ ካብቲ ኩሉ ዝግበር ለይቲ ተንሲእካ አብ ሩባ ከድካ ማጨሎት ምሕጻብ እዩ እዚ ኸአ ብነፍስን ብስጋን ነጺሕካ ንሓዲስ ዓመት ምእታው እዩ። አብ ሕይወትና ክነጽሕ እንከሎና ጥራሕ ኢና ምስ አምላኽ አሎና ክንብል እንኽእል። ንሓዲስ ዓመት ምስ ሓዲስ መንፈስን ጥዕናን ክንአትዎ ብማለት አብ ሩባ ወሪድና ንሕጸብ፥ በዚ እዋን ምድሪ ተስፍአ ሂባ ኩሉ አብ መስዋትን ምውንጫፍን በጺሑ አዕዋፍ ሰማይ ድምጸን ከስምዓ ጠለበግዕ ከብቲ ኩለን ሰቢሔን ክዕንድራ ዝረአያሉ እዋን እዩ። ብሓምሊ ተዋሪዱ ዝነበረ ሸዊትን ከምኡ ተስፋ ዘራእቲ ዝርአየሉ ጊዜ ስለ ስኾነ ኩሉ ሰሚሩ ዝሕጎሰሉ ግዜ እዩ። ነዚ ኹሉ ዝሃበ አምላኽ ተመስገን ክንብሎ እሞ ምሉእ ሓጎስ ክገብረልና ብፍሉይ ክንልምኖ ይግብአና።
ምስ እዚ ሰንበት ተደሪቡ ዝብዕል ብዓል ሩፋኤል መልአኽ እዩ፥ አደታት ብሓንሳብ ዘብዕልኦ ብዓል እዩ። ሩፋኤል ብዕብራይስጢ “እግዚአብሔር የሕዊ” ማለት እዩ። አብ መጽሓፈ ጦቢት ብዙሕ ብዛዕብኡ ዝንገሮ መልአኽ እዩ። ንሱ ንጦቢያ መሪሑ ዝወሰዶ እዩ (ጦቢት 5፡12)። ንመርዓ ጦብያን ሳርን ዝሓገዘ እዩ፥ ንሳር ብሰንኪ ጋኒን ምስ ካልኦት ከይትምርዖ ጸጊምዋ ዝነበረ ብሓገዝ ሩፋኤል ናብ ጦብያ ተመርዕያ። ንጦቢት ካብ ዑሮቱ ከምዝሓዊ ገርዎ። አብ ጦቢት 12፡15 ከም እነንብቦ “አነ ኻብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉ አብ ቅድሚ ግርማ እግዚአብሔር ኬገልግሉ ደው ዚብሉን ሾውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልአኽ እየ” እናበለ ንሱ መን ምዃኑን ስርሑን ገሊጹ። አብ ሓዲስ ኪዳን ተጠቒሱ አይንረኽቦን በቲ አብ ባህሊ አይሁድን አብ ብሉይ ኪዳን ብእንረኽቦ ሩፋኤል መልአኽ ዘሕውን ካብ አጋንንቲ ነጻ ዝገብር ምዃኑ ይንገረሉ። ንሱ ሓደ ካብቶም መላእኽቲ ብቤተ ክርስትያን ዝኸብር እዩ ምስ ሚካኤልን ገብርኤልን ይዝከር። ፍሉይ መፍለጢኡ ዘምሕር፥ ዘሕዊ ምዃኑ እዩ። አብ ባህሊ ክርስትያን ሓለቓ ሓለውቲ መላእኽቲ፥ መልአኽ ፍልጠትን መልአኽ ሳይንስ እዩ ዝፍለጥ። አብ ባህሊ አይሁድ ሓደ ካብቶም ንአብርሃም ቅድሚ ጥፍአት ሰዶምን ገሞራን ዝበጽሑ ሰለስተ መላእክቲ እዩ ይብሉ (ዘፍጥ 18፡2)።
መላእኽቲ ረቀቕቲ ፍጥረት እዮም፥ ንሶም ንድለት እግዚአብሔር ዘብጽሑ እዮም። መልአኽ ዝብል ንሰብ እውን ከስምዕ ንርእዮ (ኢሳ 18፡2፥ 33፡7፥ ማቴ 11፡10 ንዮውሓንስ መጥምቕ ብዝርኢ)። ቅ. አጎስጢኖስ ከምዝብሎ መልአኽ ዝብል ናይ ስርሖም መጸውዒ እዩ እምበር ባህሮም ዝገልጽ አይኮነን ይብል። ባህሮም ክንፈልጥ እንተ ኾና “መንፈስ” እዮም። ንሶም አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ እዮም ዝነብሩ (ዳን 7፡9 10፥ መዝ. 96፡7፥ ኢሳ 6)። መላእኽቲ መልእኽቲ አምላኽ ዘጠንቅቕ፥ ዘበራትዕ፥ ዝሕግዝ፥ ዝቐጽዕ፥ ዝምህር. . . የብጽሑ። አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ቀንዲ መራኸብቲ ኮይኖም ይዓዩ። አብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ሓደ ዓይነት ተልእኮ ክገብሩ ይርአዩ።
ሩፋኤል መልአኽ ሎሚ ክንዝክሮ ከሎና ከምቲ ንጦቢትን ጦብያን ሳራን አብ ሕይወቶም ዝሓገዞም ሎሚ እውን ክሕግዘና አብ ሕይወትና ዝገጥመና ፈተና ክንስዕር ከሰንየና እሞ ድለት አምላኽ ክገልጸልና ንለምኖ። እግዚአብሔር መላእኽቱ ሰዲዱ ሎሚ እውን አብ መንጎናን አብ ዓለምናን ድላይ አምላኽ ክነግስ ክሕግዘና ንለምኖ።
መጨራሻ ሰንበት ናይ 2005 ዓ.ም. ኢና ዘኪርና ዘሎና። እዚ ዝሓለፈ ዓመት ከም ክርስትያን ከመይ ሓሊፈዮ አብ እንታይ ደኺመ? አብ እንታይ ንአምላኸይ አጉህየዮ ኢልና ምስ ሕልናና እንዛረበሉ ሰንበት እዩ። ሓደ ርእዩ ነገር አብዚ ዓመት ዝረአናዮ እንተሎ አምላኽ ብጸግኡ ሸሊሙኒ አብዚ ሎሚ ዘለኽዎ ዘብጽሓኒ ምስክረይ እዩ። አብዚ ዓመት ብዙሓት ንሰማይ ዝተጸውዑ አለዉ ብዙሓት ዝተፈላለየ ጸገማት ዝተጓነፎም አለዉ፥ ዘይተጸበይዎ ነገራት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝረኸቡ አለዉ? ካብ ግላዊ ሕይወትና ጀሚርና ክሳብ ሓበራዊ ናብራ ከም ህዝቢ ከም ቍምስና ዝሓለፍናዮ አሎ ርኢና ክንክእል እሞ ገምጋም ሕይወትና ክንገብር። ዝሓለፍናዮ ሕይወት ገምጊምና ምስ ከአልና ጥራሕ ኢና ንዝእቶ ዘሎ ዓመት ብብሩህ ተስፋ ክንጅምሮ እንኽእል።
ንሎሚ ዝተነበ ቃል አምላኽ ብዛዕባ ግዙፍ ነገራት አብ ሕይወትና አድላዪ ኢልና እንርእዮን እንሓስቦን ብዝርኢ እዩ። አጥቕልል አቢልና ክንርእዮ እንተ ኾና ንሕና ካብቲ እንውንኖ ነገራት አዚና ዝኸበርና ኢና።
ወንጌል ብዛዕባ ሓደ ሰብአይ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ መንጎኛ ኮይኑ ምስ ሓዉ ዘለዎ ጸገም ክፈትሓሉ ዝሓተተ ይነግረና። አብ ስርዓት አይሁድ አብ መንጎ ሰባት ንዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ አብ (ጭቃታቶም) ራቢታቶም ከምጽኡ ልሙድ እዩ ነሩ። ኢየሱስ ግን እዚ ነገራት ካብቲ ተልእክኡ ምቅርራብ ስለ ዘይብሉ ዋጋ አይሃቦን። “ሕይወት ሰብ ብብዝኂ ገንዘብ አይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ ካብ ኩሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ” ኢልዎም። እዚ ሰብአይ ዘቕረቦ ሕቶ ምስ ምኽታል ኢየሱስ ሓንቲ ርክብ የብሉን፥ እንተ ኾነ ብዙሓት ስድራታት ብዛዕባ አብ መንጎ ዝርከብ ጸገማት ክንደይ ስድራ ቤታት አብ ከቢድ ጸገም ይርከባ አለዋ። ገንዘብ ንብዙሓት ጠንቂ ባእሶም እዩ። አብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ገንዘብ ጠንቂ ጽልእን ምፍልላይን ኮይኑ ንረኽቦ።
ብዙሓት ዝአክል ገንዘብ እንተ ረኸቡ ኩሉ ጸገማቶም ከምዝተፈትሐ ጌሮም ይሓስቡ። ገዛ፥ ናይ ትምህርቲ መዕበያ፥ ማኪናን ካእል ዝድለ ኩሉ ዝረኸቡ ኮይኑ ይርአዮም። ገንዘብ ከም ናይ ዓወት ምልክት ገሮም ይርእይዎ እገለ ተዓዊቱ እናተባህለ ይዝረበሉ ወላ እኳ እቲ ምንጪ ዓወት አበይ ምዃኑ አይፈለጥ እምበር። ገንዘብ እንተሎካ ክብሪ ደረጃ ይውሃበካ። ጽብቕቲ ማኪና ምሓዝ፥ አብ ክቡር ሆተል ምእታው ከምኡ አብ ክቡር ድኳናትን ክቡር ክዳውንት ምኽዳን፥ ምስ ገለ ሃብታማት ምዝራብ እዝን ካልእን ከም መለክዒ ተወሲዱ ብመጠኑ ሰብ ይልካዕ።
ብሓቂ እንተ ረአናዮ ንብዙሓት ክርስትያን እዚ ዝተጠቕሰ ነገራት አብ ሕይወትና ቀዳምነት ተዋሂብዎ ይርከብ። መንእሰያት መጀመርያ ዝደለይዎ ክገብሩ ንብረት ሃብቲ ዘድሊ ነገራት መጀመርያ ክሕዙ ድሕሪኡ ጥዑያት ክርስትያን ክኾኑ ይደልዩ። ሎሚ ጊዜ የብለይን ክጎዪ አሎኒ ምስ ደኸምኩ ምስ ሃብተምኩ አርከበሉ ንአምላኽ ዝብሉ ኮይኑ ይስምዓካ።
ናይ ሎሚ ንባባትና ካልእ ከመገዲ ከምዘሎ ይሕብሩና። ኢየሱስ ንአይ ክትክተሉ እንተኾንኩም ንኹሉ ነገር ሓዲግኩም ብሕማቕ ነበሩ አይበለን። ኢየሱስ ዘቕርበልና ዘሎ ዝያዳ ሓጎስን ዋሕስን ዘለዎ መገዲ ክንክተል እዩ። ነቶም ብስሳዐ ተዋሒጦም ዝነብሩ ዘለዉ አንጻሩ ዝኾነ አማራጺ ይሕብሮም፥ ካብቲ ዘለዎም ንካልኦት ከካፍሉ።
አብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ሰብአይ ከምኡ ዓይነት ሕይወት ዘሎና ክንደይ አሎና። እዚ ሰብ ካብ ግራቱ ጽቡቕ እቶት ስለ ዝረኸበ ዝተዓወተ መሲልዎ። ነቲ ዝነበሮ ቆፋፉ ሰቢሩ ካልእ ዓበይቲ ክሰርሕ ወሲኑ። ድሕሪኡ ንነፍሱ “ኦ ነፍሰይ ንብዙሕ ዓመታት ዚአክል ብዙኅ ዝተደለበ ሃብቲ አሎኪ እሞ አእዕርፊ ብልዒ፥ ስተዪ፥ተሓጎሲ ኢልዋ”። ብዙሕ ሰሪሑ እዚ እዩ ዓስቡ።
አብቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ምሳሌ ካእ ሰብ ወይ ቤተ ሰቡ ወይ ዝኾነ አይጥቀስን፥ ንሱ ጥራሕ እዩ፥ ንርእሱ ማእከሉ ኩሉ ገሩ አነ ንአይ ጥራሕ እዩ ዝብል። ንአኡ ወላ ሓደ ነገር ወይ እውን ወላ ሓደ ሰብ አይግድሶን እዩ። ዓለምን ኩሉ አብአ ዝርከብን ንአኡ ጥራሕ እዩ። ኩሉ ስለ ዘለዎ ተሪፉ ዘሎ ሓጎስ ጥራሕ እዩ።
“አታ ዓሻ በዛ ለይቲ እዚአ ንነፍስኻ ካባኻ ክወስድዋ እዮም እዚ ዝደለብካዮ ድአ ነመን ክኸውን እዩ”?
ሓደ ሚሊዮነር ምስ ሞተ ክንደይ ሓዲጉ መይቱ ኢሉ ተሓቲቱ ይብሃል። ኩሉ እቲ ቀይሕ ገንዘብ ይብሃል። አብ መጽሓፍ መኽብብ “ናይ ኮንቱ ኸንቱ ኵሉ ኸንቱ እዩ፥ ሰብ ካብቲ ምሉእ ሕይወቱ ዝጽዕረሉን ዚደኸመሉን እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ. . . ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ሓደ ነገር ከተጥሪ ትጽዕር ግናኸ ንዘይደኸሙሉ ሰብ ኢኻ እተውርሶ፥ ሰብ በቲ አብ ዓለም ዝጸዓሮን ዝደኸሞን እንታይ እዩ ረብሕኡ፥ ዅለን መዓልትታቱ ስቓይ እየን ዕዮኡ ጓሂ እዩ፥ ለይቲ እኳ ልቡ አይዓርፍን እዚውን ከንቱ እዩ (መክብብ 1፡2፥ 2፡21-23) ዝብል ነንብብ።
ኢየሱስ ትምህርቱ ብምቕጻል “እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዚእክብ አብ ቅድሚ አምላኽ ግና ሃብታም ዘይኮነ ኸምኡ እዩ” ኡብል። ኢየሱስ ሃብታም ምዃን አይኮነን ዝቋወም ዘሎ፥ ማዕርነት አብዘይብሉ ሓቀኛ ሃብቲ አብኡ አይርከብን እዩ። Haward Hughes ዝተባህለ ሃብታም ክልተ ቢልዮን ገዲፉ መይቱ። ቅድሚ ሞቱ ዝነበረ ሕይወት ፍርሕን ጽምዋን ዝመልኦ ሕማቕ ሕይወት አሕሊፉ፥ ምስ እዚ ኹሉ ሃብቱ እንከሎ ሞት አይነሓፈቶን መይቱ። አብ ቅድሚ ሞት ካብቲ ሓደ ብድኽነት ዝሳቐ አይፍለን እዩ።
ማህትማ ጋንዲ ዝተባህለ መንእሰይ እንከሎ ሕጊ አጽኒዑ ጽቡቕን ዕዉትን ሕይወት ይመርሕ ነሩ እንተ ኾነ አብ ሓደ እዋን ንኹሉ ዝውንኖ ሓዲጉ ሓንቲ ዘይብሉ ኮይኑ ክነብር ጀሚሩ ንህዝቡን ንዓለምን ዝሃንጽ ሕይወት ሓዲጉ አብነታዊ ሰብ ኮይኑ አብ ታሪኽ ይዝከር አሎ። መን አሎ ንHaward Hughes አዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ዝነበሮ አብዚ እዋን ዝዝክሮ? ድሕሪ ሃብቱ ንደቂ ሰባት መዘከሪ ዝኸውን ወይ ዝነብሩሉ አብነት እንታይ ሓዲጉ ሞይቱ?
ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ቆላስያስ ዝጸሓፋ ዝበለጸ መገዲ ይሕብረና። “ቀልብኹም አብቲ አብ ሰማይ ዘሎ ነገራት አብቲ ክርስቶስ አብ የማን አምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ፥ አእምሮኹም ናብቲ አብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ ናብቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቕልቡ” (ቆላ 3፡1-2) ይብል። አብዚ ጳውሎስ ዝብለና ዘሎ አብቲ ዘይጠቅም ነገራት ዓይንና ዓሚትና ሓቂ ዘይብሉ ነገራት ንዝበለጸ ናብ ሰማይ እናጠመትና ዘይኮነስ ርድኢትና ብዛዕባ ሕይወት፥ ምስ አምላኽ ዘሎና ዝምድና ብቃልን ሕይወትን ኢየሱስ ዝተመሓላለፈልና ክንርዳእ እዩ።
“ነቲ አባኹም ዝርከብ ሥጋዊ ስምዒትኩም ቅተልዎ” ይብል ጳውሎስ። ነዚ ክዝርዝር እንከሎ ምንዝርና፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ሥጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ አምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስሳዐ ይጠቅስ። “ነቲ አረጊት ሰብነት ምስ ኩሉ ግብሩ ቐንጥጥዎ”። ብክርስቶስ ሓዲስ ሕይወት ለቢስና ኢና፥ እዚ ኸአ ሓደ ዝኾነ አተሓሳስባን ሓደ ዝኸነ አረዳድአና አብ ሓደ ዓላማ ዝዓለመ ሕይወት ብምራሕ ኢና እንለብሶ። ነዚ ክንለብሶ አብ ሓቀኛ ፍልጠት ክህልወና ይግባእ፥ እዚ ኸአ አብ ናይ ዩኒቨርሲታት ዝርከብ ፍልጠት ዘይኮነ አብ ዓሚቕ አፍልጦ ዝተመርኮሰ ሕይወት እንታይ ምዃኑ ብምርዳእ፥ ነቲ ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ምፍጣርና ብምሕዳስ ናይ እዚ ሓቀኛ አብነትና ኢየሱስ እዩ። ከምቲ ኢየሱስ አብ አምሳል አምላኽ ምዃኑ ኩሉ ጊዜ እናዓበየ ዝኸይድ ንሕና እውን ኩሉ ጊዜ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክነዕብዮ አሎና።
ዋሕስ ሕይዋትና ሎቶሪ ብምዕዋት አይኮነን ዝመጽእ፥ ዋሕስና ዝመጽእ ከም አባላት ክርስቶስ አብ ነነድሕድና ዘሎና ርክብን ሓልዮትን እዩ ዘምጽኦ። እዚ ወላ አብታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን አይንርእዮን ኢና ግን ኩሉ ጊዜ ጉዕዞና እናቐጸልና እንተ ኸድና ኢና እንዕወት። ብምሉእ ንክርስቶስ ክንለብሶ ክንቃለስ አሎና። ንኹሉ ካብ ክርስቶስን ካብ ማሕበር ክርስቶስ ዝፈልየና ነገራት ክንአልዮ አሎና። “አብ መንጎና ብዓለት ብወገን ብንብረት ወይ እውን ብዝኾነ ነገር ዝፈላሊ ክህሉ አይግባእን። ንሕና ናይ ሓደ ክርስቶስ ኢና፥ ንሱ ጥራሕ እዩ ዘሎ፥ ንሱ ኩሉ ነገር እዩ፥ አብ ኩሉ ነገር ከአ አሎ።
አብዚ እዩ እቲ ወዲ ሰብ ዝደልዮ ዋሕስ ዝርከብ። ሓቀኛ ዋሕስ አብ መጻኢ አይኮነን ዝርከብ። ሓቀኛን እሙንን ዋሕስ አብዝን ሕጅን እዩ ዝርከብ። እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ዋሕስ ኩልና እንምነዮ ሃብቲ። ሃብትን ንዋታዊ ነገራት ብብዝሒ ይሃልወና ዋሕስ አይኮነናን እዩ። እዚ ዋሕስ እዚ ኩልና እንሓቶ እዩ እንተኾነ አይንርእዮን ኢና። ብኻልእ አዘራርባ ናይ እዚ ዓለም ሃባቲ ዕግበት አይህብን እዩ ኩሉ ጊዜ ክውስኽ ክንብል ከይረኸብናዮ ሞት ተርክበና።
አምላኽ አብዚ ምድሪ ነቲ ሓቀኛን ዋሕስ ዝኾነና ሃብቲ ርኢና ክንክእል ክሕገዘና ንለምኖ። አብዚ ዝሓለፈ ዓመት ንሃብቲ አምላክ ክንርኢ አጸጊሙና እንተኾነ ተነሲሕና ነዚ ሓዲስ እንአትዎ ዓመት ክንርኢ ዓይንና አብርሃልና ንበሎ።
ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ አብ እንርከበሉ ዘሎና ህሞት አብ ልብና አቲና ንፍቕሪ ንሕውነት ንሰላም ንልበሳ። ኦ አምላኽ ኩሉ ናትካ እዩ ኩሉ እትህብ ንስኻ ኢኻ እሞ ክነምስግነካ ነቲ ዝሃብካና ርኢና ክንክእል ሓግዘና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.