2013-09-03 17:27:55

ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዂሉ ቐታል ነፍሲ እዩ።


ንብጻይና ብመልሓስና ፈጺምና ክንጐድ እ የብልናን፣
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ነቲ አብዘን ዝሓለፋ ክልተ አዋርሕ አቋሪጾሞ ዝነበሩ ንግሆ ንግሆ ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ቤተ ክርስትያን አብ ቅድስት ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንደገና ትማሊ ከምዝጀምርዎን ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ከአ “እግዚአብሔር አብ ዘለዎ ጽልኢ ቅንኢ ቅርሕቲ የሎን፣ እቲ ንብጻይና እንጐድ አሉን እንቀትለሉን ሕሜታን በለካ ለኽዓካን የሎን” እንክብሉ ብመልሓስና ገርና ንሓውና ካብ ምጽላም ምጕዳእ ኮታስ ብኻል እ አዘራርባ ንብጻይና ካብ ምቅታል ፈጺምና ክንርሕቅ አዘኻኺሮም፣
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ደቂ ዓዱ ዝኾኑ ነበርቲ ናዝሬት ዝተራኸበሉ ፍጻሜ ዘዘንቱ ክፍሊ ናይ ወንጌል ሉቃስ አብቲ ዕለቱ ዝተነበ ኮይኑ፣ ኢየሱስ ነቢይ አብ ዓዱ ከምዘይከብር እንክገልጽ እቶም ደቂ ዓዱ ከአ ብቅን እን ጽል እን ሕሜታን እምብዛ ክሒኖም ስለዝነበሩ በቲ ጸድፊ ናይ ዓዶም ከጽድፍዎ ደፋፊኦም ከምዝወሰድዎ ኢየሱስ ከአ ንሓሳቦም ምስ ፈለጠ ብማ እከሎም ጸሊቁ ከምዝሃደመ የዘንቱ፣ እቶም ናዝራውያን አብ መጀመርያ ብሓቂ የድንቅዎ ከምቲ አብ ካል እ ከባቢታት አብ ስብከተ ወንጌሉ ዝገብርዎ ዝነበረ ተአምራታት ክገብረሎም ሃረር ይብሉ፣ ከምድላዮም ስለዝይኮነ ከአ ነዚ ናይ ምቅታል ተንኰል ይአልሙ፣
“ኮይኑ ግን ተመልከቱ እሞ እቲ ኩነታት ከመይ ቢሉ ከምዝተለወጠ! መጀመርያ ብጽቡቅ ይጅምር! የድንቅዎ አብ መወዳእታ ግን ንኢየሱስ ክቀትልዎ ብምድላዮም ብዓመጽ ይዛዘም፣ እዚ ልቦም ብቅንኢ ተሓሚሱ ስለዝነበረ ኢዩ፣ እዚ ፍጻሜ እዚ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ተፈጺሙ ጠጠው ዝበለ አይኮነን፣ ዕለት ዕለት አብ ልባትና አብ ማኅበረሰብና እናተገብረ ንር እዮ አሎና፣ አብ ሓደ ማኅበረሰብ አታ ክንደይ ይጽብቅ! ዕድለኛታት ኢና ነዚ ዝረኸብና እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ አብ መንጎና ክህሉ ብሓቂ ተዓዲልና! ዝብል ይስማዕ፣ አብ መጀመርያ መዓልቲ ጽቡቅ ክዝረብ ንሰምዕ! አብ ካልአይ መዓልቲ እምብዛ አይኮነን አብ ሳልሳይ መዓልቲ ግን ሕሜታ ይጅምር በዚ ከአ እቲ ክንደይ ይነፍዕ ተዓዲሉ ንሕናውን ተዓዲልና ቢልካ ትዛረበሉ ዝነበርካ ሰብ በብቍሩብ ስሙ ከተኽፍ እ ከተጸልሞ አብ ጽልእን ቅርሕትን ተእትዎ በዚ አቢሉ ከአ አብ መወዳእታ ቈርበቱ ትቀልጦ፣ በዚ ከምዚ ከአ እቶም ናዝራውያን ን ኢየሱስ ክቀትዎ ዝደለዩን ዝወሰኑን፣
“ስለዝኾነ ከአ እቶም አብ ማኅበረሰብ አሕዋቶም ክሓምዩ ዝው ዕሉ አባላት ማሕበረሰብ ክሓምዩ ዝው ዕሉ ክቀትሉ ይደልዩ! በዚ ከአ ቅዱስ ዮሓንስ አብ ቀዳማይ መል እኽቱ 3፤15 “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዂሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዂሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም።” ይብለና፣ ንሕናኸ ክንደይ ጊዜ አብ በለካ ለኽ ዓካን ሕሜታን ልማድ አቲና ንርከብ፣ ሕስብ እሞ አብልዎ አብ ማኅበረሰና አብ ስድራ ቤትናን በዚ ብመልሓስካ ሓውትኻ ወይ ናይ ሓውኻ ምቅታል ዓመጽ እዚ አብ ገሃነመ እሳት ንነብር፣ በዚ ናይ ዲያብሎስ ዘር ኢ ዝኾነ ቅን እን ሕሜታን ክንደይ ማኅበረሰብ ክንደይ ስድራ ይ ዓኑ፣ ርግጽ ነዚ አብ ልብና ዝዘር እ ዲያብሎስ ኢዩ፣ ልብና ነዚ ዘር ኢ እዚ ምስ ረኸበ ብዛዕባ ብጻዩ ሕማቅ ክዛረብ ይጅምር፣ በዚ ኸአ የዕንዎ ይቀትሎ፣ አብዚ ዕለታት እዚ ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ንዛረብ አሎና፣ ብናይ ውግ እ መጋበሪ ጠበናጁን መሰልቶምን ክንደይ ሞትን ጉድ አትን ንምልከት፣ እስኪ ናባና ምልስ ንበል፣ ዕለታዊ ናይ ውግ እ መጋበሪና ወይ አጽዋርና ንመልከት ምናዳ መልሓስና ክንደይ ሕሜታ ክንደይ ዕላል እሞ ኩሉ ከአ ዘዕኑን ዝቀትልን፤ ካብዚ ከድሕነና ዝኽ እል እንኮ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ማኅበረሰብ አብ ሰማይ ምስ እግዚአብሔር ከምዝነብር ክኸውን አለዎ፣ “አብ ሓደ ማኅበረሰብ አብ ሥድራቤት አብ ሓደ ዓዲ ኮታስ አብ መላእ ዓለም ሰላም እንተደአ ክነግሥ ኮይኑ ምስ ጐይታ ምዃን ክንጅምር አሎና፣ ጐይታ አብ ዘለዎ ቅንኢ የሎን፤ ጐይታ አብ ዘለዎ ዓመጽ ጽል ኢ ጸለመ የለን፣ ጐይታ አብ ዘለዎ ወትሩ ሕውነት አሎ፣ ንጐይታ ነዚአ ንለምኖ! ንሓውና ብመልሓስና ካብ ምቅታል ሰውረና ንበሎ፣ ንብጻይና ብመልሓስና ከይንቀትል ሓደራ፤ ከምቲ አብ ሰማይ ምስ ጐይታ ክንከውን ሓደራ ከማኡ ከአ ይግበረልና፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውግእ ዝበሃል ክጠፍእ አለዎ ሰላም ኢና እንደሊናይ ሰላም ዓለም ኢና እንደሊ፤ ናይ ሰላም ሰብ ኡትን አንስትን ኢና ክንከውን እንደሊ እንክብሉ በቲ ናይ ዘመንና ናይ መራኸቢ ብዙሓን ትዊተር ዝበሃል ክልተ ሓጸርቲ መል እኽታት ጽሒፎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.