2013-09-02 12:17:10

ጉባኤ ተቅውማት ሃይማኖት ኢትዮጵያ


RealAudioMP3 አብ ኢትዮጵያ አብ ሕብረት አፍሪቃ አዳራሽ ንሳልስቲ ጉባኤ ተቅዋማት ሃይማኖት ከም ዝተኻየደ ክምልከት ከሎ ወከልቲ ሸውዓተ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ አብታ ሀገር አብ ዝሐለፉ ዓመታት አብ ሃይማኖት ምስልምና ዝተመርኮሰ አኽራርነት ብዚምልከት ጉዳይ ከም ዝዘተዩ ተፍሊጡ አሎ።
እዚ አብ አዳራሽ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ጉባኤ”ዚ ናይ ፌደራል ጉዳይ ሚኒስተርን ካልኦት ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ዘሳተፈ ከም ዝነበረ ይምልከት።እዚ ጉባኤ”ዚ ሀገር ሐቆፍ ሰላም ንምርግጋጽ አብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስትሪ ጉዳይ ፈደራል ምስ ተቅዋማት ሃይማኖት ብምትሕብባር ዝተዳለው ጉባኤ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ፡ እዚ ጉባኤ”ዚ ሃይማኖታት ሐቢርካ ናይ ምንባር ክብሪ ብምምዕባል ብመንግስቲ ዝተሐንጸጹ ሕግታት ብምኽባር ጉዕዞ ተሐድሶ ኢትዮጵያ እውን ንምግባር ክንረባረብ ኢና ዝተሰየመ መሪሕ ቃል ሒዙ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ አሎ ።አብዚ ጉባኤ”ዚ ዝትረኽቡ ናይ ፌደራል ጉዳይ ሚኒስተር ሽፈራው ተክልማርያም ካብ ዝሐለፉ ዓመታት ጀሚሩ አብ ኢትዮጵያ ዝርኤ ዘሎ አኽራርነትን ፋሉልነትን ምስልምና ሽግር እናፈጠረ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ነዚ ሰላማዊን ነባሪን ፍታሕ ምእንቲ ክርከበሉ ጻዕሪ መንግስቲ ጥራሕ እኹል ስለዘይኮነ ምስ ተቅዋማት እምነታት ብሐባር ፍታሕ ክርከበሉ ተስፋ ከምክ ዘለዎም ገሊጾም። አኽራርነት ምስልምና አብ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያዊ መበቆል ከም ዘይብሉን ብዓለም ለኸ ደረጃ ዚካየደ ዘሎ ከም ዝኾነ ክአ ከም ዘምለከቱ ተነነጊሩ ።
አብ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ሃይማኖት ላዕላዋይ ሐላፊ መንፈሳዊ መልኽቲ ሕደ ዓይነት ከም ዝኾነን ሐደ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ሃይማኖት የኽብር ዝብል ትእዛዛዝ ፈጣሪ አሎ ድሐር ክአ ሃይማኖት ብጥበብ እምበር ብሐይሊ ክትሰፋፍሕ ፍጹም አይክአልን ብማለት ቤት ምኽሪ ሐፈሻዊ ጉዳይ ምስልምና ምኽትል ሊቀ መንበር ሼክ ኸድር መሐመድ ከም ዝግለጹ ይፍለጥ ።ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶድክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ መጽሐፍ ቅዱስ ናይ ሀገርኩም ሰላም አኽብሩ ከም ዝብል ጠቂሶም ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኾነት ጠቂሶም ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ምዕባሌን ዝፈታተኑ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተጻራሪን ጐዳእቲን ኢዮም ብማለት ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ ።አብ ሃይማኖት ምስልምና ዝአምኑ ኢትዮጵያውያን ድምጽና ይሰማዕ ዝብል ጭርሖ ተሐንጊጦም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ክዝከር ከሎ ፡ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሃይማኖት ተቅዋማት ጉባኤ ብዲስኩር አብ ዝኸፈትሉ ግዜ መንግስቲ አብ ሕጊ መንግስቲ ተመርኲሱ አብ ልዕሊ አኽራርነትን ፋሉልነትን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይቁጠብ ከም ዘገንዘቡ ይምልከት ።ጉባኤ ተቅዋማት ሃይማኖት ጽባሕ ባሕቲ መስከረም አብ አዲስ አበባ ቅርዓት መስቀል አዳባባይ ሃይማኖታዊ አኽራርነትን ጽንፈኝነትን ዝውግዝ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸኢዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ላዕላዋይ ቤት ጽሕፈት አውራ ሐላፊ አባ ሐጎስ ሐዪሽ ትሕዝቶ ጉባኤ ተቅዋምት ሃይማኖት ከብርሁልና ተወኪስናዮም ኔርና ፡ የቀንየልና አባ ሐጎስ ሐዪ`ሽ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.