2013-09-02 12:34:56

\ሰንበት ዘጎሓ ጽባሕ (ዘደሰያት) 2005 ዓ.ም. (ነሓሰ 26 2005 ዓ.ም. 9/1/2013)


ጸሎት ምሃረና
መዝሙር፡ ይሁበነ ዝናመ . . . . ።
ንባባት፡ ቆላ 2፡12-24፥ ያዕ 2፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡1-10፥ ሉቃ 11፡1-13።
ምስባክ፡ ዓይነ ኵሉ ነፍሰ ይሴፎ ኪያከ፥ አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮም በጊዜሁ ትሰፍሕ፥ የማነከ ወታጸግብ ለኩሉ እንስሳ ዘበመርዔትከ። “ፍጡራን ኵሎም ብተስፋ ንአኻ ይጽበዩ፥ ንስኻ እውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም፥ ኢድካ ብልግሲ ትዝርግሕ እሞ ንፍጡር ዘበለ ኹሉ ብበረኸት ተጽግቦ”። መዝ 145፡15-16።
መዝሙር፡ ብግዚኡ ዝናም ይህበና ብግዚኡ እኽሊ በረኸት ይህበና። ክረምቲ ይኸፍት ምሕረት ይገብር ዝናም በረኸት ይህብ። ዓይኑ ከፊቱ የማናይ ኢዱ ዘርጊሑ ምሕረቱ የውርድ በቶም ዝፈለጥዎ ኸአ ይምስገን፥ ሰንበት ንሰብ ዕረፍቲ ክትከውን ሰርዐ፥ ኃጢአት ክሓድግ ተፈቒድሉ እዩ፥ፍጡራን ኩሎም ብተስፋ ንአኻ ይጽበዩ፥ ንስኻ በብግዚኡ ምግቦም ትህቦም” ይብል።
እግዚአብሔር በብግዚኡ በረኸቱ ይህበና፥ኩሉ ግብሪ አምላኽ ንጥቕምና እዩ ዝውሃበና፥ ነቲ አምላኽ ዝሃበና በረኸት ርኢና ክንክእል አሎና። ነቲ አብዚ እዋን እንርእዮ ዘሎና በረኸት አመስጊና ክኢልና ንመጻኢ ሕይወትና ዝኸውን ክንሰናዶ ዝሕግዘና እዋን እዩ።
አብ ልማድ አይሁድ መማህራን ኩሎም ነርድእቶም ኩሉ ጊዜ ዝደግምዎ ጸሎት ከምህሩ ልሙድ እዩ ነሩ። አርድእቲ ኢየሱስ እውን ተመሳሳላይ ሕቶ ንመምህሮም ሓቲቶሞ “ጸሎት ምሃረና”። ከምቲ ዮውሓንስ ነርድእቱ ዝመሃሮም ምሃረና ኢሎሞ፥ ዮውሃንስ እንታይ ኢሉ ከምዘስተምሃረ እንፈልጦ የለን፥ ብዝኾነ ጸሎት ክምሃሩ ሓቲቶም። (ሉቃስ ብዛዕባ ዮውሓንስ ዝገብሮ ዝነበረ ይነግረና ይሳብኽ ነሩ 3፡18፥ ይጸውም ነሩ 7፡33፥ ሓዋርያቱ ይጾሙን ይጽልዩን ነሮም 5፡33)።
ኢየሱስ ልዕሊት ዝሓተትዎ መሊስሎም አብቲ ዝመሃሮም ምእንቲ እንታይ ክጽልዩ ከምዘለዎም፥ ከመይ ኢሎም ክጽልዩ ከምዘለዎም፥ ካብ ዝጸለይዎ እንታይ ክጽበዩ ከምዘለዎም ነጊርዎም። ሓዋርያት ከመይ ኢሎም ከምዝጽልዩ እምበር ዝድገም ጸሎት አይኮኑን ሓቲቶም። ሕትኦም ክምልስ እንከሎ “ከምዚ እናበልኩም ጸልዩ. . . . ድሕርዚ አቦና አብ ሰማይ እትነብር ዝብለ ጸሎት ምሂርዎም። ናይ ሎሚ ካብ ወንጌል ሉቃስ እተወስደት ዝሓጸረት ቅዳሕ ካብታ ናይ ማቴዎስ (6፡9-13) ኢና አንቢብና። እዛ ናይ ሉቃስ ቀዳመይቲ ቅዳሕ ምናልባት ምስቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ዝቐረበት ክትከውን ትኽእል እያ። (ወንጌል ማቴዎስን ሉቃስን መብዝሕትኡ ምንጪ ጽሑፎም ካብ ናይ ሓባር ምንጪ እዩ መጺኡ ምስቲ ንሶም ዝደልይዎ አወሃሂዶም ከአ አቕሪቦምልና)። ክልቲኡ ቅዳሕ ናይ ጸሎት ጎይታና ዘስተምሃሮ ክንርእዮ ከሎና ቅርጹን ትሕዝትኡን መሰረታዊ ምምስሳል አለዎ። ክልቲኡ በቶም ባህልታት ናይ ከባቢኦም ዝተጸልወ እዩ። ናይ ማቴዎስ ንስርዓተ ሉጥርግያ ክጥቀሙሉ ዝተሰርዐ እዩ ክሳብ አባና እውን አብ ስርዓተ አምላኾ እንደግሞ እዩ። ናይ ሉቃስ ዝሓጸረ ግን ምስቲ መጀመርያ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ዝያዳ ምቅርራብ ዘልኦ እዩ። እዚ ጸሎት አብ ጽሑፋት ቀዳሞት ክርስትያን አብ ድድስቅልያ 8፡2 እውን ንረኽቦ ኢና። ማቴ አብ ሸውዓተ ክፍሊ ክርእዮ ንኽእል ናይ ሉቃስ አብ ሓምሽተ ክፍሊ፥ ድድስቅልያን ማቴ አብ መጨረሻ ብdoxology ይዓጽውዎ።
አብ ጸሎትና ብዙሕ ጊዜ ነቲ አብ ማቴ ዘሎ ኢና እንደግም። አብ ኩሉ ጸሎታትና አብ ቅዳሴ ከምኡ አብ ካልእ ንደግሞ። ከምዘሎ ክንርእዮ ከሎና ነፍሲወከፍ ሓሳብ አብቲ ጸሎት ዘሎ ርእሱ ዝኸአለ ጸሎት እዩ። ብኸምዚ ዝስዕብ ገርና ትሕዝቶ እቲ ጸሎት ክንርእዮ ንኽእል።
አቦና
ንእግዚአብሔር አቦ ኢልና ጸሎት ንጅምር። ጎይታ ወይ ፈራዳይ ወይ መምህር ኢልና አይንጽውዖን ኢና። ወላ እውን መንጪ ናይ ኩሉ ፍጡር፥ ፈጣሪ ኢልና አይንጽውዖን ኢና፥ ብዝበለጸ ግላዊ ስም ገርና አቦ ንብሎ። ቅ. ጳውሎስ እዚ አቦ ኢልና እንጽውዖ ዝያዳ ምቅርራብን ዝያዳ ናይ ፍቕሪ አጸዋውዓ እዩ ይብለና። ንእግዚአብሔር አባ አቦ ኢልና ክንጽውዖ ይነግረና እዚ ኸአ ቆልዑት አብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ነቦታቶም ከም መጸውዒ ዝጥቀሙሉ እዩ።
ኩልና ብሓባር “አቦ” ኢልና ክንጽውዖ ከሎና ዝያዳ ትርጉም አለዎ ንሱ ኸአ ኩልና ደቁ ኢና በዚ ምኽንያት አብ ነነድሕድና አሕዋት ኢና፥ ናይ ሓንቲ ዓባይ ስድራ አባላት ኢና። እዚ ሱቕ ኢልካ ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓቂ እዩ። እዚ ከም ሓቂ ገርና እንተ ዘይወሰድናዮ ንእግዚአብሔር አቦ ኢልና ክንጽውዖ አይንኽእልን ኢና። ንሱ ኩሉ ጊዜ አቦና እዩ እምበር አቦይ ጥራሕ አይኮነን። አቦና ዝብል ንኹል ዝጥርንፍ ንሓደ እኳ ዘይገድፍ ወይ ዘይንጽል ማለት እዩ። ክንርእዮ ከምዝኾና እዚ ጸሎት እዚ ካብ ናይ ልመና ጸሎት ንላዕሊ እዩ። እዚ ጸሎት እዚ ንሕና መን ምዃናን እንታይ ምዃናን ዝገልጽ ስነሓሳብ እዩ። እዚ ኸአ ንአምላኽን አብ ነነድሕድናን እዩ። ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም ከሎና ወይ ንርእስና ከምኡ ከምዝኾና ንገልጽ ወይ ከምኡ ከምዘይኮና ኢና እንገልጽ።
ስምካ ይቀደስ፡
አብ ርድኢት አይሁድ ስም ንአኻ ካብ ካልኦት ዝፈሊ መጸውዒ ጥራሕ ምዃኑ አይኮነን ዝገልጽ። ንሓደ ሰብ ብምሉእ መን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ሙሴ አብ ደብረ ሲና አብቲ ዝነድድ ዝነበረ ቍጥቋጥ ምስ እግዚአብሔር ክዛረብ እንከሎ ስም እግዚአብሔር መን ምዃኑ ክፈልጥ ሓቲቱ። ልክዕ አብዚ ንሕና እውን እንጽልዮ እግዚአብሔር ብርእሱ ክኸብር እምበር ስሙ ክንጽውዕ ጥራሕ ኢልና አይኮናን። እዚ ንሰባት ስም እግዚአብሔር ብኾንቱ ከይጽውዑ ጥራሕ ኢሉ አይኮነን። ብኻልእ አዘራርባ መንእዩ ንስም እግዚአብሔር ወይ እግዚአብሔር ብርእሱ ክቅድሶ ዝኽእል? ብዝኾነ መገዲ ቅድስና አምላኽ ብአና አይውሰንን እዩ። አብዚ ንሕና እንልምኖ ዘሎና ናይ አምላኽ ቅድስና ብአና ምእንቲ ክፍለጥ እዚ ኸአ ብቃልና ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ንሕና እንነብሮ መገዲ። ብኻልእ አዘራርባ እዚ ጸሎት እዚ ናይ እግዚአብሔር ቅድስና አብ ኩልናን አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሰብ ሕይወት ከንጸባርቕ ምእንቲ እዩ።
መንግስትኻ ትምጻእ፡
መንግስቲ እግዚአብሔር ክንብል እንከሎና ብጌጋ ተረዲእና ኩሉ እቲ አብ ሕይወት ሰባት ንእግዚአብሔር ዝውክል ነገራት ከምዝስምዕ ገርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፥ እዚ ክንብል ከሎና አብ ፍቕሪ፥ ሓልዮት፥ ርትዒ፥ ነጻነት፥ ሰብአዊ መንነት፥ ሰላም ዝተመርኮሰት ዓለም ዘስምዕ እዩ። ብርግጽ ድላይ አምላኽ እዩ ከምዚ ዝበለት ዓለም ኩሉ ብሓባር ንኹሉ ዝካፈላ ክትከውን እንተኾነ እዚ ኹሉ አብ ግብሪ ክርአ ናታትና መልስን ምትሕብባርን ምስ አምላኽ ዓቢ ተራ አልኦ። አብ ብዙሓት ክፍላት ዓለማት ናይ መንግስቲ አምላኽ ነገራት ክህልወን ይክአል እዩ እንተኾነ አብ መብዝሕትኡ መንስቲ አምላኽ ጌና አይበጽሖምን እዩ ዘሎ እዚ ኸአ ንሕና ስለ ዘይተሓባበርና ንሕና ስለ ዘይተለአኽና እዩ። አብዚ ጸሎት እዚ እምብአር ናይ አምላኽ ሓገዝ ጥራሕ አይኮናን እንጽውዕ ዘሎና ንሕና እውን ምስ አምላኽ ክንዓዪ እሞ ንመንግስቲ አምላኽ ሕያው ክንገብራ።
ናይ ዕለት እንገራና አብ ጸጽባሕ ሃበና፡
አብ ፍርቂ ናይ እዚ ኢየሱስ ዘምሃሮ ጸሎት ብቐጥታ ምእንቲ ዕለታዊ ነገራት ንልምኖ። አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ምእንቲ ሎሚ ዘድልየና መግቢ እንጌራን ዘድልየና ነገራትን ንልምኖ። አብ ሓቂ ግን እዚ ድዩ ጸሎትና ወይስ ክንልምን ከሎና ንጽባሕ ንመጻኢ ዘድልየና ኢና እንልምን። ከምዚ ኢልና ክንጽሊ እንከሎና እምነትና አብ ሓላዪ አምላኽ ገርና ኢና እንጽሊ። እዚ ክንጽሊ ከሎና ማዕሪኡ ክንዝክሮ ዘሎና ኩሎም ሰባት ዘድልዮም ከማና ክርኽቡ ክንሓስብ አሎና። ብዛዕባ መጻኢ ክንጭነቕ የብልናን ሎሚ ኩልና ብዘይ አፈላላይ ናይ ዕለት መግብና ክንረክብ እዩ ድላይ አምላኽ።
ንሕና ንዝበደሉና ኹሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ኃጢአትና ይቕረ በለልና፡
አብዚ ብንስሓ ንዝሓለፈ ኃጢአትና ክንምሓር ንልምን እንተ ኾነ ጸሎትና ቅድመ ኩነት አልኦ ምስቶም ኩሎም አብ ከባቢና ዘለዉ የራኽበና። እግዚአብሔር ንኹሉ እቲ ጌጋ ዝገበርናዮ ክምሕረና ንጽሊ ምኽንያቱ ድሮ ንሕና ንኹሎም እቶም ዝበደሉና ስለ ዝመሓርና። እንደገና እዚ ጸሎት እዚ አብ ርእስና ክንአቱ ይሕግዘና፥ አብቲ ዝበለጸ ናይ አምላኽ ነገር ከም እንካፈል ይገብረና፥ ተሰናዲናሉ ዘሎና ሸውዓተ ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነ ስብዓ ሸውዓተ ጊዜ ክንምሕር እዩ፥ እዚ ማለት ክአ ኩሉ ጊዜ ክንምሕር ፍቓደኛታት ምዃን ማለት እዩ።
ናብ ፈተና አይተእትወና፡
አብ መወዳእታ እንጽልዮ አብ ፈተና ከይንአቱ እሞ ከይንወድቕ ምእንቲ ክሕግዘና እዩ። ፈተናታት መጺኡና ንአምላኽና ከይንሓድጎ ክሕግዘና ንልምኖ። አብዚ አምላክ ተግባራት ሰባት ከምዝቆጻጸር ይእምት (1ቆሮ 10፡13)። አብ ሉቃ 22፡40, 46 “ናብ ፈተና ከይትአትዉ ጸልዩ” “ስለመንታይ ትድቅሱ ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ተንሥኡ ጸልዩ” ዝብል ንረክብ።
ነዚ ኢየሱስ ዘስተምሃረና ጸሎት ክንድግም ከሎና ብዙሕ ጊዜ ርትዒ ንገብር ኢና። እዚ ምስ አምላኽ ከም እንራኸብ ጥራሕ አይኮነን ዝገብረና ምስ ርእስና ከምእንራኸብ እውን ይገብረና እዩ። ነዚ ጸሎት ክንደግም እንከሎና ቀስ ኢልና እና አስተንተና ክንደግሞ ብፍላይ ሓንቲ ንአና ብፍሉይ እትምልከት ክትከውን እንከላ ብዝያዳ ጊዜ ክንህቦ እሞ ክንጽሊ። ቀስ ኢልካ ክትጽሊ እንከሎኻ ዓቢ ጥቕሚ አልኦ።
ክልተ ነጥብታት፡
ኢየሱስ ንአርድእቱ ከመይ ገሮም ከም ዝጽልዩ ብምምሃሮም ደው አይበለን። ክልተ ነገር ነጊርዎም። መጀምርያ ብምሳሌ ገሩ ብዛዕባ ሓደ ሰብአይ ብፈረቓ ለይቲ አብ ዓርኩ መጺኡ እንገራ ክውሃቦ ዝሓተተ ነጊርዎም። ብሓፈሻዊ አረአእያ እቲ ዓርኪ ተንሲኡ ክህቦ እዩ ኢልካ ኢኻ እትሕስብ እንተኾነ ደቂሰ አሎኹ ደቀይ ምሳይ ደቂሶም አለዉ እናበለ ምኽንያት ክገብር ንሰምዖ። እቲ ሓታታይ ቀጺሉ ስለ ዝለመነ እቲ ዓርኩ ከይፈተወ ዓርኩ ስለ ዝኾነ ተንሲኡ ነቲ ዘድልዮ ኩሉ ሂብዎ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ንሕና ካብ አምላኽ ሓደ ነገር ክንደሊ እንከሎና ደጋጊምና ክንልምን አሎና። “ለምኑ ክውሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም ማዕጾ እውን ኳሕኳሕ አብሉ ክኽፈተልኩም እዩ፥ እብለኩም አሎኹ፥ ምኽንያቱ ዝልምን ዘበለ ይቕበል እዩ፥ ዝደሊ ድማ ይረክብ እዩ፥ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዜብልውን ይኽፈተሉ እዩ”።
ካልአይ ምስ ፍብቃርን ሕያዋይን አቦ ከም ዝዛረቡ ዘለዉ ከዘኻኽሮም ይደሊ። ወላ ምድራውያን አቦታት እውን ደቆም እንጌራ እንተ ለመንዎም እምኒ ወይ ዓሣ እንተ ለመንዎም ተመን አይህብዎምን እዮም። ስለዚ አምላኽና ሓላዪ ንዝልምኖ ወሃን ሰማዕን እዩ።
አብዚ ዝገራጮ ዝመስል አሎ። ሰማያዊ አቦና ብአና ዝግደስ እንተ ድአ ኮይኑ ስለምንታይ ደጋጊምና ክንልምኖ ዝደሊ? ክንጽሊ ይግብአና ግን ንአምላኽ ዘድልየና ክነዘኻኽሮ ኢልና አይኮናን። አብ ካልእ አጋጣሚ “ከም አረማውያን ዘረባ አይተብዝሑ” ይብለና ኢየሱስ። እንደልዮ ክህበና ምዝኽኻር ወይ ካልእ አገባብ ክንገብር የብልናን። ብርግጽ ኩሉ ጊዜ እንደልዮ አይህበናን እዩ ምኽንያቱ ርድኢትናን ድለታትናን ድሩትን አብ ጥቕሚ ርእስና ጥራሕ ዝተደረተ እዩ። አጸላልያናን እንልምኖን ንሕና እንታይ ምዃናን ርክብና ምስ አምላኽ ምስ ሰባትን ምስ እንነብሮ ከባብን አብ ከመይ ዝበለ ከም ዘሎና ክገልጽ ይኽእል። ቀጺልካ ምጽላይ ብዛዕባ እንልምኖ ዝያዳ አፍልጦ ክህልወና ይሕግዘና። ጸሎትና አጽሪና ክንገብር፥ እንደልዮን እንትስፈዎን አነጺርና ክንፈልጥ፥ ዝጠቕምና ነገራት ጥራሕ ክንልምን ይሕግዘና። ነቶም እግዚአብሔር ክህበና ዝደሊ ነገራት ጥራሕ ክንቅበል ከም እንኽእል ይገብረና።
ጸሎትና ልባዊ ኮይኑ ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ ክንልምን ክንኵሕኵሕ ይግብአና። ጸልዩ ክትረኽቡ ኢሉና አሎ እሞ ብዘይምቁራጽ ንጸሊ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.