2013-08-16 19:11:57

፪ ሰንበት ዘፍልሰታ 2005 ዓ.ም. ነሓሰ 12 2005 ዓ.ም. (08/18/2013)


መን እዩ ብጻየይ?
መዝሙር፡ ዛቲ ይኢቲ. .ማርያም ማኅደረ መለኮት . . . . .
ንባባት፡ ቆላስ 1፡15-20፥ 2ዮሓ 1፡1-7፥ ግ.ሓ.27፡39-ፍ፥ ሉቃ 10፡25-37።
ምስባክ፡ አዋልደ ነግሥት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወሑብርት። ናይ ነገስታት ውሉድ ንኽብርኺ እዮም፥ ብናይ ወርቂ ልብሲ ተጎናጺፋን ተሰሊማን፥ እታ ንግስቲ አብ የማንካ ትቐውም” መዝ. 45፡9።
ኩልና አብ የማን አምላኽ ክንቀውም ዝተሓረና ኢና። ማርያም ንሰማይ መሪሓ ክተእትወና ምእንቲ ነዚ ሰንበት ብፍሉይ ክነስተንትን ንዕደም አሎና። እዋናት ፍልሰታ ብማርያም መገዲ ሰማይ ክንደሊ እሞ ጉዕዞና ምስአ ክንገብሮ ንምህለል። ምስጢር ምህልላና ኵልና ደቃ ብሓደ አብ አምላኽ ክተብጽሓና እዩ።
መዝሙር፡ እዚአ እያ ማርያም መኅደር መለኮት ሰንበት ክርስትያን ዝተሰምየት። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ አዒንተይ አብ ልዕሊ ነዋሕቲ አድባርት ገጸይ ጠመትኩ እዚአ ቅድስቲ ድንግል እያ ካብ ኩሎም ፍጥረት እትበልጽ ናይ መለኮት እሳት ዘይአውዓያ ይብል። ንማርያም ምፍላጥ ማለት ንግብሪ አምላኽ ምፍላጥ እዩ፥ አብአ ተግባር እግዚአብሔር ንርእዮ። ማኅደር ልዑል ንብላ ምኽንያቱ አብአ ካልአይ አካል ቅድስቲ ስላሴ ኃዲሩ ካብአ ባህርና ስለ ዝወሰደ። ማርያም ውሃቢት አምላኽ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ነዚ ዕሞቕ ምስጢር አምላኽን ማርያምን ክንርዳእ ንማርያም ምሃርና ክንብላ ይግብአና።
ማርያም ንኹልና ደቀ አዳም አደ እያ በዚ አደ ቤተ ክርስትያን ንብላ። ካብአ ዝተወልደ ክርስቶስ ንኹልና ከድሕን እዩ መጺኡ፥ ደቂ ማርያም ስለ ዝኾና ብሓደ ዓይኒ ትርእየና ብሓደ ከአ አብ መንግስተ ሰማይ ክንአቱ ትደልየና። ኩልና ደቂ ማርያም ስለ ዝኾና አሕዋት ኢና፥ ወዳ ምእንቲ ኩልና ተሰዊኡ አብኡ ሌላ ጉለላ የለን። መንዩ ብጻየይ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ አብ ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ ወሳኒ እዩ
ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ሉቃስ ሕመርት እምነት ክርስትናና እንታይ ምዃኑ አነጺሩ ይነግረና ንሱ ኸአ፡

እዚ ክልቲኡ ብሓንሳብ እዩ ዝጉዓዝ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ክኸውን አይክእልን እዩ። ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ አብ መልእክቱ ዝብሎ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ።
ገለ ሰባት አብ ጉዕዞ እምነቶም ብዛዕባ ዓምድ እምነት ጥራሕ ብዝያዳ የተኩሩ ማለት ኹሉ ምስ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ተሰማሚዑ ክኸይድ ይደልይዎ፥ እንተ ኾነ ቅኑዕ እምነት ክህልወና ነቲ ዘይቅኑዕ ነገራት ክንፈልጦ አሎና። ከምቲ አብ ወንጌል ዘሎ አብነት ፈሪሳውያን ናይ እዚ ጽቡቕ አብነት እዮም። እምነት ብዘይ ፍቕሪ ፈሪሳውነት እያ። ካብቲ እንደግሞ ጸሎት ክርስቶስ ዝመሃረና አቦና አብ ሰማይ ዝብል ምውጻእ ማለት እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓደ ካብቲ ውሩይ ክፍሊ ወንጌል ብሕያዋይ ሳምራዊ ብዝፍለጥ ኢና አንቢብና፥ አብቲ ታሪኽ አርባዕተ ሰባት እዮም ዝጥቀሱ፡

አብ ከምዚ ኩነት ንዘሎ መልሲ ናይ ወንጌል ንጹር እዩ፡
አብ መንጎ ህዝቢ ዘሎካ ደረጃ ወይ መዝነት ብዘየገድስ፥ ሰባት እንታይ ክብሉኒ እዮም ዝብል ስምዒት ብዘየገድስ፥ ብግልኻ ዝስምዓካ ፍርሕን ስምዒትን አብ ርእስኻ ከምእትምለስ ዝገብረካ ብምውጋን፥ ሃይማኖታዊ ግቡእካ አወጊንካ ንግፉዕ ንውጹዕ ክንሕግዝ ከምዘሎና ይነግረና።
እቲ ካህንን ሌዋውን አብ ቤተ መቕደስ ገጾም እዮም ዝኸዱ ዝነበሩ ስለዚ ነቲ አብ መገዲ ወዲቑ ዝነበረ ሰብ ምሕጋዝ አይመፍርሖምን ነሩ፥ ብርግጽ አብ ባህሊ አይሁድ አብ ስርዓት አምላኾ ክፍፍሙ ክኸዱ እንከለዉ ደም ክሕዙ ወይ ክትንክፉ አይፍቀድን እዩ፥ ምኽንያቱ ደም ናይ ዘይምንጻሕ ምልክት እዩ ስለዚ እዮም ከአ እቶም ክልተ ካህናት ነቲ ሰብ ክትንክፍዎ ዘይደለዩ፥ እዚ ግን ምስ እምነት ርክብ የብሉን። እቶም ካህናት ብርግጽ ቀዳምነት ክህብዎ ዘለዎም ከም ርድኢቶም ንጹር እዩ። አብዚ እዋን ሓደ ሰብ ንቤተ ክርስትያን ተሃዊኹ እናኸደ እንከሎ ሓደ ሰብ ሓድጋ ረኺቡ እናረኤኻ ምናልባት አይድስ ይህልዎ ይኸውን ኢልካ ሓንቲ ከይሓገዝካ ቅዳሴ ክትሰምዕ ምጉያይ ከም ማለት እዩ። ቅዳሴ እንተ ዘይሰማዕኩ ዓቢ ኃጢአት ስለ ዝኾነ ቀዳምነት ንቅዳሴ ሂብካ ነቲ ዝመውት ዘሎ ከይሓገዝካ ምኻድ እዩ ዘስምዕ። አብ ዓሰርተ ትእዛዛት ንሓደጋ ዝረኸቡ ሓግዝ የለን ዝብል አገላልጻ ከም ማለት እዩ።
ወንጌል ነቲ ሞራላዊ ኩናታት እቲ ገንሸል ዝኾነ ሰብ ክንርስዖ ይነግረና ማለት እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝነበረ ክንፈልጥ አድላዪ አይኮነን። እቲ ሰብ ከመይ ኢሉ አብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ምፍላጥ አድላይ አይኮነን። ምናልባት እቲ ሰብ አብቲ ክፉእ ናይ ሓደጋ ቦታ ገንዘብ ሒዙ ክኸይድ አይነበሮ ንብል ንኸውን እቲ ቁምነገር ግን ነዚ ሰብ ምሕጋዝ እምበር እቲ ምኽንያት አብ ጸገም ዘውደቖ አይኮነን ዘድሊ። ምስ ዘመና ክንርእዮ እንተ ኾና ሓደ ሰብ ብመስተ ተኻኢሉ እንከሎ ከም ምዝዋር እዩ። ሰትዩ ስለ ዝነበረ ባዕሉ ይፈልጥ ክንብል አይንኽእልን ኢና።
አብ ቅድሚ ኢየሱስ ዘቕረብና ምኽንያት እንተ አቕረብና ሓንቲ ዋጋ የብሉን። አብዚ ወንጌል እዚ ሓደጋ ዝገጠሞ ሰብ ጨሪሹ ጓና ዝኾነ ካብቲ ነዞም ሰለስተ አድላዪ ኮይኑ ዝተራእዮም ነገር ዝለዓለ ቀዳምነት ተዋሂብዎ። እቶም ቀዳሞት ክልተ አብ ቤተ መቕደስ ስርዓት አምልኾ ክፍጽሙ እዮም ዝህወኹ ነሮም። ዝዘንግዕዎ ሓደ ወዲ አምላኽ ሓዎም አብ አፍደገ ሞት ኮይኑ ደም ብብዝሒ እናፈሰሶ እናረአዩ ጎስዮሞ፥ ረጊጾሞ ሓሊፎም። እንተኾነ ነዚ ጽጉም ሰብ ሓጊዞሞ እንተ ዝኾኑ አብዚ እዩ ነሩ አምላኾ አምላኽ። ኢየሱስ ነዚ ክገልጽ ኢሉ ንሓደ ካብዞም ንአሽቱ አሕዋተይን ሓተይን ዝገበርክምሎም ንአይ ከምዝገበርኩም እዩ ይብለና።
ሓደ ካብቶም ሰለስተ ጓና ዘይወዲ ዓዲ ነቲ ነገር ርእዩ ሓጊዙ። ንሱ ካብቶም ካልኦት እናተሃወኸ ዝጉዓዝ ዝነበረ እዩ፥ ንሱ እውን እቲ ቦታ ቦታ ከተርትን ሸፋቱን ምዃኑ ይፈልጥ ነሩ ይኸውን እዩ። ከምኡ እቲ ሓደጋ ዝወረዶ አይሁዳዊ ዘይወዲ ዓዱ ነሩ ክከውን ይኽእል እዩ። እቲ ደንገጸሉ ዝብል ቃል ስምዒት ናይ እቲ ሳምራዊ ክገልጽ ዝተጠቕመሉ ምስቲ ኢየሱስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ከም አባግዕ ጓሳ ዘይብለን ኮይነን ዝተራእይዎ እሞ ደንገጸሎም ምስ ዝብል ቃል ሓደ ዓይነት ቃል ይጥቀም። አብዚ ምድንጋጽ ክብል እንከሎ ከም ምርሕራሕ ጥራሕ ማለት አይኮነን ነቲ ድንጉት ሰብ ካብ ዝለዓለ ቦታ ኮንካ ምጥማቱ እዩ ዘስምዕ። አብ ስቓይ ናይ እቲ ድንጉት ሰብ ምክፋል፥ ምድንጋጽ፥ መስኪን ጥራሕ ምባል ዘይኮነ ምስኡ ኮንካ ምስቓይ ነቲ ጸገሙ ምክፋል እዩ ዘድሊ።
እቲ ታሪኽ መልሲ ናይ እቲ ዝተሓተ ሕቶ እዩ። መን እዩ ብጻየይ ዝብል ሕቶ። ከምቲ ምሁር ሕጊ አይሁዳዊ ዝበሎ እቲ ብጻዩ ዝብሃል እቲ ምሕረት/ ሠናይ ዝገበረ እዩ። እቲ/እታ አብ ጎረበት ዝቕመጥ ማለት አይኮነን፥ ወዲ ዓዱ/ወገኑ ማለት አይኮነን፥ ወይ ካቶሊካዊ ወዲ ሃይማኖቱ ጥራሕ ማለት አይኮነን፥ ንሱ እቲ ፍቕሩ ንሓዉ/ንሓፍቱ ብዘይ ገደብ ዘርአየ እዩ። ናይ ብሓቂ ሓዊ/ጎረበት ዝብሃል ብቋንቋ ወንጌል ንዝኾነ ሰብ ብዘይ አፈላላይ ምሉእ ፍቕሪ ዘርኢ ንኹሉ ሓገዝ ዘድልዮ ዝሕግዝ፥ ብዘይ ሌላ ጉለላ ብዘይ ሞራላዊ አፈላላይ ማለት በቲ ዝገብሮ ክፉእ ወይ ጽቡቅ ተደሪትካ ዘይምሕጋዝ ዘይኮነ፥ ጥዑይ ይኹን ሕሙም ብሓደ ዓይኒ ምርአይ እዩ ናይ ሓደ ክርስትያን ጸዋዕታ።
አብ ሕማቕ ግብሪ ስለ ዝነበርካ እንቋዕ ኮንካ ይግብአካ እዩ ኢድካ እዩ ዝብል ናይ ሓደ ብጻይ ወይ ሓው/ሓፍቲ ዝህቦ መልሲ አይኮነን። ደቂ ዓድኻ ወገንካ ዘይሕግዙኻ ዝብል ናይ ሓደ ክርስትያን መልሲ አይኮነን። ንደቂ ዓደይ ንስድራይ ንወገነይ ጥራሕ ዝኸውን ጊዜ እዩ ዘሎኒ ዝብል ክርስትያናዊ ዘረባ ወይ መንፈስ አይኮነን።
ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅር ዝብል ናይ ሓደ ማእከላይ ዝኾነ ሓይሊ ትእዛዝ እዩ። መን እዩ ብጻየይ ዝብል ሕቶ ነቲ ትእዛዝ ክንፍጽም ከቢድ ዝገብሮ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ብሕልና ነዚ ሕቶ ንርእስና ክንሓትት አሎና። ብኻልእ ዓይነት ክንቕርቦ እንተ ኾና መን እዩ አነ አብ ሕይወተይ ክሕግዞ ዝደልን ክሕግዞ ዘይደልን? ንሓደ ሰብ ክሕግዝ ዘቕርቦ መለክዒታት እንታይ እዩ? አብ ፍርደይ ዘመድ፥ ዓርኪ፥ ዓለት፥ ሃይማኖት፥ ጥዑይ ጠባይ፥ ገበነኛ ታሪኽ ዘለዎ ዝብል አተሓሳስባ ገረ ድየ ዝቐርብ? ብዛዕባ እቶም ዝጸልኡኒ ሰባት ዘሎኒ ርኢቶኸ? ብዛዕባ እቶም ሰኽራማት፥ ዝሩጋት፥ ሕሙማት ኤይድስ፥ ብኹሉ ውዱቓትከ፥ ከምኡ ብፖሎቲካ ይኹን ብኻልእ አረአእያ ካባይ ዝተፈለ ርድኢት ዘልኦም ከመይ እዩ ርኢቶይ?
እዚ ምሳሌ ንኹሉ ሕይወትና ብዕምቆት ይትንክፎ። ብገርህን ብሓቅን ነቲ መን እዩ ብጻየይ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ እንተ ኾና፥ ብዛዕባ ርእስና ዓቢ ትምህርቲ መጀመርታ ንምሃር እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃና እንታይ ዓይነት ጎረበት/ብጻይ ምዃና ንርኢ። ሎሚ ንአይ ብጻየይ መን እዩ ኢልና ሓቲትና አብ ቅድሚ ክርስቶስ መልሲ ንሃበሉ ሽዑ ሓቂ ክንሕዝ ኢና።
ኦማርያም አደና ኩልና በቲ ካባኺ ዝተወልደ ዝደሓና ደቅኺ አሕዋት ክርስቶስ ወድኺ ኢና እሞ ብሓደ ልብን መንፈስን ክነብር ሓግዝና አብ ዝደኸምናሉ ክንምለስ ብርሃንኪ ልአኽልና ወድኺ ዝደልዮ ጥራሕ ክንገብር ለምንልና ንበላ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.