2013-08-13 19:32:28

ኵነታት ስደተኛታት አብ ካታንያ:


ኵነታት ስደተኛታት አብ ካታንያ አታሓሳሳቢ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ናይ ካታንያ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፐረጎ አተሓሳሲቦም፣ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ዝሓለፈ ወርኂ አብ ላምፐዱሳ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዝገበሩሉ እዋን ንዝኽሪ እቶም አብ ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያን ዝሃለቁ ል ዕሊ ክልተ ሺሕ ዝኾኑ መን እሰያት ንምዝካር ቅድሚ ዝ አገረ ጸሎት ብምግባር ሕቋፍ ዕንባባ ናብቲ ባሕሪ ዘውደቁ ምዃኖም እንክዝከር ገና እቲ ሞትን ዋሕዚ ስደኛታትን አየቋረጸን፣ መንግሥቲ ጣልያን ዝተኻእሎ እኳ ይገብር እንተሎ እቲ ሓላፍነት ናይ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ምዃኑ ብሕልፊ ከአ ዓለም ለኺ ኅብረተሰብ ነዙይ ብዝምልከት ፖሎቲካዊ አቋዋሙ ክቅ ይር ከምዘለዎ ናይ ካታንያ ፓጳስ ብፁዕ አቡነ ፐረጎ አመልኪቶም፣ ነዙ ጉዳይ ናይ ካታንያ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ብ ዓቢ ሳህሮ ይከታተልዎ ከምዘለው ናይ ቅድስት መንበር ናይ ኅትመትን ዜናን ክፍሊ ሓላፍን ዋና አመሓዳሪ ራድዮ ቫቲካንን አብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እውን ትማሊ ንኦሰርቫቶረ ሮማኖ ዝበሃል ጋዜጣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ዝሃብዎ ቃል አመልኪቶም፣
ቅዱስነቶም ነቲ ከባቢ ንምትብባዕን ምጽንናዕን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብ ዝገበሩሉ ወርሒ አብ ዘይመል እ ጊዜ ዋሕዚ ስደኛታት ከምዝነሃረን ምሳኡ ከአ ሓደጋ ሞትን መቍሰልትን ከምዝዛየደን ተመልኪቱ፣ እዞም ስደተኛታት እዚኦም ካብ ሰሜን አፍሪቃ ጥራይ ዝመጹ አይኮኑን ካብ ማእከላይ ምሥራቅ እውን ማለት ምናዳ ካብ ሲርያን ግብጽን እውን ይመጹ አለው አብ ዚመጽ እ ግዝያት ከአ ብዙሓት ክመጹ ከምዚከአል ይግመት፣
ከምቲ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ላምፐዱሳ እንክበጽሑ ዝበልዎ ናይዞም አሕዋትን አሕትን ደም ተሓታቲ መን ኢዩ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ናይ ካታንያ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፐረጎ ብርግጽ ዓለምለኸ ማኅበረሰብ ኢዩ፤ ከመይ እዚ ኩሉ ኩነታት ናይ ጭቆናን ሁከትን እናኾነ ከሎ ርእዩ ከምዘይረአየ ብምምሳል ንመብዛሕትኦም ናይ ውግእ አጽዋር ክሸይጥ ተረኺቡ ኢዩ፣ ኅብረት ኤውሮጳ እውን ሽሕኳ ካብ 2015 ተግባራዊ ዝኸውን ኤውሮጳዊ ምሕታት ዑቍባ ከተአታቱ እንተኾነ ክሳብ አብዚ ጊዜ እዚ እንበጽሕ ግን ክንደይ ሰብ ይሓልቅ አሎ፣ አብ ደሴታት ዓዲ ጣልያን በጺሑ እውን ካብቲ ዝነበሮ ናብራ ዝገድድ ናይ ድኽነትን ጭንቅን ሥቃይን መከራን ሕይወት የሕልፍ አሎ፣ ዓዲ ጣልያን ሽሕኳ እኳ ንድሕነት ናይዞም ስደኛታት ዝተኻእሎ ይገብር እንተሎ አብ መባእ ናይ ሾመንቲ ካብ ሺሕ ዚብል ኢዩ ዚምርኰስ፣ ሽሕኳ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ላምፐዱሳ አብ ዝበጽሁሉ እዋን እዘን ናይ ተስፋ ጀላቡ አብ ናይ ሞት ጀላቡ ከይቅየራ ሓደራ እንተበሉ እቲ ኩነታት ግን ገና አይቀየረን እንክብሉ ሃገራት ኤውሮጳ እንተወሓደ ከምቲ ዓዲ ጣልያን ዝገብሮ ዘሎ ሓላፍነቶም ክገብሩ አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.