2013-08-11 19:41:26

1 ሰንበት ዘፍልሰታ 2005 ዓ.ም 1 ነሓሰ 2005 ዓ.ም. (7/11/2013 ዓ.ም)


ተልእኮና ሰላም አብ ኩሉ ምብጻሕ እዩ
መዝሙር፡ ወይቤሉ ኩሎሙ. (ሰንበት 5 ነሐሰ እንተ ወዓለ ሰንበት ዘሓዋርያት ተባሂሉ እዚ መዝሙር ይዝመር)።
ንባባት፡ገላትያ 6፡14-18፥ 1ጴጥ 2፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 15፡1-12፥ ሉቃ 10፡1-9
ምስባክ፡እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” “አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ” መዝ. 87፡5።
መዝሙር፡ በዚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙር ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥ ኩሎም ሓዋርያት ጎይታና ማርያም አደና ለምንልና። ሓራ እትውጽኢ ለምንልና ማርያም፥ አደ ጎይታ ማሕደር መለኮት ዝኾንኪ ልምንልና፥ ቅድስት አደ ክፍአት ዘይብላ፥ንጽሕቲ ቤተ መቕደስ ዓንቀጽ ድሕነት፥ ሰለሞን ጽብቕቲ ርግበይ ዝበላ፥ ጳውሎስ ምልእቲ ድንኳን ዝብላ፥ ኢሳያስ እውን ሓዳስ ጣዕዋ ይብላ።
ካብ 1-16 ነሓሰ ዘሎ ጊዜ ብፍሉይ ዝኽሪ ማርያም ብጸሎት ምህልላን ጾምን ነሕልፎ። ጾመ ፍልሰታ ወይ ጾመ አርድእት እውን ይብሃል እዩ። ምእንቲ ክብሪ ማርያም ብጾምን ብምህልላን ናብ ብዓል ፍልሰታ ንምስንዳው እንገብሮ ክልተ ሳብዕቲ እዩ። ድንግል ማርያም ከም ወዳ ብሥግአ እውን ካብ ሙታን ከም ዝተንስኤት እሞ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰት ዘኪርና ነብዕሎ።
አብ ልምዲ ዓድና ነዚ ጾም ዝጀመሩ ገዳማውያን ባሕታውያን እዮም ይብሃል። ጾም ክብሃል እንከሎ ካብ ጥልላት ምኽልካል ጥራሕ ዘይኮነ እኽለ ማይ ከይለኸፍካ ብአፍካ ጾምካ ክሳብ ስዓት ሰለስተ ድ.ቀ. ምጽናሕ እውን እዩ። ከም ልምዲ አብ ካቶሊካውያን ጾመ ፍልሰታ አብ ዓድና ይጽወም እዩ።
እዚ እዋን ብኹሉ ንማርያም መሲልና ንአምላኽ ክንቀርቦ ክንሰምዖ ክንእዘዞ ክንልምና ዝሕግዘና እዋና እዩ። ዝጸውም ንስጋዊ ነገራት መሊኹ ናይ መንፈስ ነገራት አቐዲሙ ክኽእል እዩ። አብ ጾም ክንጽመድ ከሎና እምብአር ምስ ነፍስና ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት ንምሕሳብ እዩ። አብ ሕይወትና አቲና ጉድለትና ድኻምና ኃጢአትና ርኢና ክንክእል እዩ። ሥጋና ስምዒትና ባህርና ክነሸንፎ ካብ ዝሕጉዙና ነገራት ሓደ ጾም እዩ። ንርእስና መሊኽና ምስ ክአልና ጥራሕ ኢና ንኢየሱስ ክንስዕቦን ክንምስክሮን እንኽእል።
ሰብ በዚእዋን ክለብሶ ብዝያዳ ዝሕተት ዘሎ ምስ ርእሱ ምስ ብጻዩ ምስ አምላኽ ሰላም ክገብር። ሰላም ዝዓበየ ህያብ አምላኽ እዩ። ሰብ ሰላም ክስእን እንከሎ ኩሉ እዩ ዝሕርብቶ። ሎሚ ኩሉ ጸቢብዎ ኦሰላም አበይ ትርከቢ ዝብል ውሑድ አይኮነን። ንሰላም ብማዕዶ ጥራሕ ክትርእያ ክትምነያ ዕግበት ስለ ዘይህብ ክርስቶስ ሎሚ ትርጉም ሰላም ብሓዋርያቱ ከም ዝንገር ገሊጹልና። አብ ኩሉ ሰላም ከብጽሑ ተላኢኾም። አብ ዝአቶኹምዎ ሰላም በሉ ሰላምኩም ከአ አብኡ ይሕደር ኢልዎም።
ሰላም ክንብል እንከሎና አብ መዝገበ ቃላት እንተ ረኤና ብብዙሕ ክግለጽ ይክአል እዩ። ምልአት፥ ጉድለት ዘይብሉ፥ ኩሉ ዝርከቦ፥ ቅሳነት፥ ጸጥታ ዘልኦ፥ ህዱእ. . . ዝአመሰሉ ክንጠቅስ ንኽእል።
ሰላም ካብ ሓቂ እያ እትውለድ፥ ውሉድ ጥራሕ ዘይኮነት ናይ መጀመርያ ውሉድ ሓቂ እያ። አብ ልቢ ሰብ ሓቂ እንተ ድአ ነጊሱ፥ ንሓቂ እንተ ድአ ደልዩ፥ ሓቂ እንተ ድአ አፍቂሩ አብ ሓቂ ይጽጋዕ እሞ አብ ሓቂ ይነብር ሽዑ ሰላም አሎ። ሓቂ እንተ ዘየሎ፥ ግን ሓሶትን ምጥፍፋእን ጥራሕ እንተ አሎ ሰላም የለን። ብዘይ ሓቂ ሰላም ክህሉ አይክእልን እዩ። ሰብ ሎሚ ንሓቂ ቐቢሩ ንሰላም ስኢንዋ አነ እየ ሓቀኛ እናበለ ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ ዝነብር ውሑድ አይኮነን።
ሓቂ እንተሎ ቀዳማይ ዝመጽእ ፍረ ሓጎስ እዩ። እዚ ኩልና አብ ሕይወትና እንፈልጦ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ሰላም ዝመልኦ ልቢ ዝዓበየ አምባሳደር ሓቂን ዝበለጸ ስሓብን ምስክርን ዝኸውን። ሓጎስ አብ ሓቂ ክምስረት እንከሎ እቶም ልቦም ዘትረሩ እንተ ዘይኮይኑ ክትዓግቶ ዘይክአል እዩ።
ካልእ ካብ ሰላም ዝመጽእ ከአ ስምምዕ “Harmony” እዩ። ክልቲኡ ይመሳሰል እዩ አብ ገለ እዋን ንሓዋውሶ ኢና። አብ ልቢ ሰላም እንተሎ ኹሉ ዝገብር ርክባት ስምምዕ ውህደት አልኦ ምስ ካልኦት ክወሃሃድ ዝኾነ ጸገም አይገብረሉን ።
ሓቂ ሰላም፥ ሓጎስ፥ ስምምዕ ኩሉ ምስ ሓቂ እዩ ዝጅምር። ንፍቕሪ ንሰላም ቀዳመይቲ ቀታሊታ ሓሶት እያ። ሓሶት ፍልልይ ጽልኢ አብ ልቢ ፈጢሩ ዝኸፍአ ርክብ አብ መንጎ ሰባት የምጽእ። አብዚ ዓለም እንነብሮ ኢና ንሰማይ ሒዝና እንኸይድ። አብዚ ዝሰነቕናዮ አብ ሰማይ ሒዝናዮ ክንከይድ ኢና። እሞ ሕይወትና እንታይ ነስንቓ አሎና። መንግስተ ሰማይ አብ ምድሪ ይጅምር ገሃነም እሳት ከአ አብ ምድሪ ይጅምር።
ኢየሱስ አብ ዝአቶናዮ ዘራእቲ ሰላም አውጅቲ ሰላም ክንከውን ይደልየና። ነርድእቱ አብ ዝአቶኽምዎ ሰላም ነዚ ቤት በሉ ኢልኩም ሰላም ሒዝክምሎም እተዉ ኢልዎም። አሰር ሓዋርያት ዝተኸተለት ቤተ ክርስትያን ንኽልተ ሽሕ ዓመት ነዚ ሰላም ሰቢኻ። ከምቲ ኢየሱስ አብ መጨረሽታ ድራር ምስ ሓዋርያቱ ከሎ ዝበሎ ሰላመይ እህበኩም አሎኹ ዝበሎ (ዮሓ 14፡27) ሎሚ እውን ነዚ ሓለገት እዩ ዝህባ። ድሕሪ ትንሣኤኡ መጀመርያ ቃል ዝበሎም ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ዝብል እዩ።
እቲ ኢየሱስ ዝህቦ ሰላም አብቲ ንሱ ዝበሎ ሓቂ ዝተመስረተ እዩ። በዚ ምኽንያት ከአ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ሓጎስን ስምምዕን ይህብ። አብ ቅዳሴና ደጋጊሙ ካህን ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ይብል። ቅዳሴ ብአዋጅ ሰላም ጀሚርና ብአዋጅ ሰላም ንዓጽዎ። ቅድሚ አኮቴት ቍርባን ምጅማሩ አብ ነነድሕድና ሰላም ክህልወና ሰላም ንብህሃል ምኽንያቱ ሰላም ክርስቶስ አባን እንተሎ ጥራሕ ኢና ጸጋ ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል እንኽእል።
አብ ሕይወታ ምሉእ ሰላም ዘስተማቐረት ማርያም እያ። ንሳ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ አብ ከርሣ ምስ ሓደረ ምሉእ ሰላም ረኺባ። ምሉእ ሰላም አብ አምላኽ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ቅ. አጎስጢኖስ ልብና እተዕርፍ ሰላም እትረክብ ምሳኻ ክትራኽብ እንከላ ጥራሕ እያ ይብል። ሎሚ እምብአር ኦ ማርያም አደና ሰላም ክንረክብ መገዲ ሰላም ሓብርና ንበላ።
ሰአሊ ለነ ክንብል እንከሎና ሰላም ምሕረት ፍቕሪ ክተውርደልና ኢልና ኢና። አብ ገዛና አብ ሕይወትና አብ ስድራና አብ ሃገርና ምሉእ ሰላም ክንረክብ ብሓደ ልቢ ንንግስተ ሰላም ንለምና። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት መገዲ ሰላም ትሕብረና አላ እሞ ሎሚ ክንሰምዕ ክንጽሊ ፍቓደኛታት ንኹን።
ቅድስናን ሰላምን ዘውርድ ምህልላ ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.