2013-08-06 15:07:32

ግብጺ፦ መዕለቢ ዘይረኸበ ሕዝባዊ ናዕቢ


RealAudioMP3 ኣብ ግብጺ ዝረአይ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ መዕለቢ ከምዘይረኸበ ክምልክተ እንከሎ ጽባሕ ዕለት 7 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ምዝዛም ጾም ራማዳን ምኽንያት ዓቢ ሕዝባዊ ናዕቢ ክካይድ ምዃኑ እክምልክት፣ ብሓቂ እቲ ተኸስቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው መፍትሒ ንኽርከብ ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል፣ ርእሰ ብሔር ሞርሲ ካብ ስልጣን ካብ ዝኣለየሉ ዕለት ንነጀው ዕለት 3 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝሓንጸጾ መርሓ መገዲ ሰላም ኣብ ግብሪ ከይውዕል የሰናኽል ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሕዝባዊ ኣደባባይ በቶም ካብ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ዝተኣልዩ ሞርሲ ደገፍትን ተቛወምትን ብዘካይድዎ ሰላማዊ ሰልፍ ዝተኸበ ኮይኑ ከምዘሎን፣ ቅድሚ ትማሊ ለይቲ ናይ ምዕራብን የዕራብ ሃገራት ልኡካን ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ናይ እስላማዊ ሕውነት ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ካልኣይ መራሒ ክሃይራት ኤል ሳተር ከምዝበጽሑን እቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ሃገራት ዓረብ ልኡኻት ነቲ ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት መፍትሒ ንኽረክብ ይጽዕሩ ከምዘለዉን ክልተ ናይ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ናይ ረፓብሊክ ፖለትካዊ ሰልፍን ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ ካይሮ ምስ ናይ ግብጺ ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ምስ ላዕለዎት ኣባላት ተቓወምቲ ክራኸቡ ምዃኖም ይንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝሕተም ኢንዲፐንደንት እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ነበር ርእሰ ብሔር ሞርሲ ካብ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ክወርዱን እቲ ስልጣን ብጊዚያውነት ዝመርሑ ንዘለዎ ኤ በብላዊ ኣፍልጦ እንተድኣ ሂቦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጽኦምን ካብ ግብጺ ወጻኢ ኣብ ስደት ክነብሩ ዝብል ኣማራጺ መገዲ ኣብ ፍጻሜ የብጽሕ ኣሎ ዝብል ዜና ከምዘቕረበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.