2013-08-06 15:12:21

ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፦ ጽኣት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት


RealAudioMP3 በቲ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ግርጭት ምኽንያት ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት በይኖም ብዘይ ወለዳቶም ናብ ጎረቤት ሃገር ኡጋንዳ ይስደዱ ከምዘለዉ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ መዕቆቢ ስደተይናታት ዜጋታት ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝተመልአ እውን ከምዘይኮነ እዩ ዝንገር።
እቲ ኣብ ኮንጐ ዝረአይ ዘሎ ግጭት ኣብ ምስራቓዊ ከባቢ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ካማንጎ ብናይ ኡጋንዳ ደባይ ተዋጋእቲ ዝድገፉ ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ምስ ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብዘካይድዎ ዘለዎ ውግእ ምኽንያት 55 ሚእታዊ ብዘይ ወለዶዳቶም ብዝተመዛበሉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሽፈን ልዕሊ 66 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተመዛበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝተፈላለይ ናይ ሰብኣዊ ጸገማት ዘለዎ ምዃኑን ልዕሊ 4,500 ዝግመቱ ሕጻናት በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ብስገዳድ ክቱባት ሓይሊ ደባይ ተዋጋእቲ ኮይኖም ከምዘለዉን ካብዚኣቶም 2 ሺሕ ዝግመቱ ኣብ ሰሜናዊ ኪቩ ዝርከቡ ከምዝኾኑን ናይ ኡጋንዳ ቀይሕ መስቀል 37 ሺሕ ዝተመዛበሉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ስደተይናታት ከምዘለዉን ካብዚኣቶም 122 ጥራሕ ብዘይ ወለዳቶምን ኣባላት ቤተሰቦምን ዝተመዛበሉ ምዃኖም አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.