2013-08-03 16:03:14

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን መግለጺ


RealAudioMP3 ኣብ ማሕበር ኣሓው ፍራንቸስካውያን ዘንጽሕት ድንግል ማርያም ብዛዕባ ስርዓት ቅዳሴ ዝምልከት ተፈጢሩ ንዝነበረ ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍልዩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዝወሰንዎ ኣጠቓቕማ ተራን ፍልዩን ስርዓተ ቅዳሴ ሕጊ ብምኽባር ናይቲ ማሕበር ኣሓው ፍራንቸስካውያን ዘንጽሕት ድንግል ማርያም ሊጡርጊያውን ገዳማውን ሕይወትን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ምሕደራኡ ዝከታተል ፍልዩ ሓዋርያዊ ድርገት ከምዘቖሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ ነቲ ናይቲ ማሕበር ኣብ ኣጠቓቕማ ስርዓት ቅዳሴ ብዝምልከት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምውጋድን ንሓዋሩ ከይህሉ ዝመርሕ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ዘጽደቕዎ ውሳኔ ዓቢ ግደ ዘለዎ ከምዝኾነነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ውሳኔ ብምስዓብ ዝወሰድዎ ውሳኔ እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.