2013-08-01 15:32:33

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ተግባር ሓልዮ ተቛም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ


RealAudioMP3 እቲ Ior ብዝብል ኣህጽሮተ ቃል ዝፍለጥ Istituto per le Opere di Religione-ናይ ሃይማኖት ተግብር ሓልዮ ተቛም ቅድስቲ መንበር ካብ ትማሊ ዕለት 31 ሐምለ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምዝከፈተ እንክምልከት፣ እቲ ተቛም ዝኽተሎ ግልጽነት ዝብል ሸቶ መሰረት www.ior.va ብዝብል ኣድራሻ ዝተደርሰ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቶም ናይቲ ተቛም ሊቀ መንበር ኤርንስት ቮን ፍረይበርግ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት እዚ ተቛም ቅድስቲ መንበር ብማነይቫል ዝፍለጥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ሃብቲ ዘይሕጋውነቱ ንምኻዋል ዝግበር ጻዕርን እቲ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሕጋዊ መደብ ኤኮኖም ንምውፋር ዝግበር ገበን ዝቆጻጻር ማሕበር ዝሓንጸጾ መምርሕታት ምሉእ ብምሉእ ዘኽብር ከይዲ ከረጋግጽ ምዃኑ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ዘኪሮም፣ ስለዚህ እቲ ግልጸት ዝብል ኣሰራርሓ ሎሚ ከምቲ ቅድም ዘኽብር እውን እንተኾነ ካብቲ ናይ ቀደም ኣስራርሓኡ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ምስ እዋናዊ ምዕባለ ብዝመዓራረይ ከይዲ ይትግብሮ ከምዘሎ ገሊጺም እቲ ተቛም ናይ ገዛእ ራእሱ ወግዓዊ መርበብ ሓበረታ ክህልዎ ዝተሓሰበ መደብ እነሆ ሎሚ ኣብ ግብሪ ውዕሊሉ ኣሎ ኢሎም።
ኣብቲ ናይ ዮር መርበብ ሓበሬታ እቲ ናይቲ ተቛም ኣገልግሎትን ዓማዊልን ታሪኻዊ ኣመሰራርታኡን እቲ ተቛም ዘጠናቕቖ ዘሎ ናይ ህዳሴ ከይድታቱን ከምኡ እውን ናይቲ ተቛም ቀንዲ ዕላማኡን ዘነጽር ገጻት ዘጠቓለለ ኮይኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዝድግፍን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጴጥሮሳዊ ተልእኾ መሠረት ነቲ ንሶም ዝህብዎ መምርሒ እናተግበረ ናቶም ውሳኔ ዘኽብርን ብውሳኔኦም ዝሕደስ ተቛም እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.