2013-07-30 16:01:19

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዕለት 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ኮፓካባና ገምገም ባሕሪ ልዕሊ 3 ሚሊዮን መንእሰያት 1,500 ብፁዓን ጳጳሳትን 15 ሺሕ ካህናትን ናይ ብራዚል ኣረጀንቲናን ቦሊቪያን ሱሪናመን ኣርእሰተ ብሔራን ዝተሳተፍሉ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርቶ ፒየርማሪኒ እንክሕብሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “ዝተፈተኹም መንእሰያት እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፖላንድ ከተማ ክራኮቪያ ክካየድ እዩ፣ ኣማላድነት ማርያም ናብቲ ሕጉስ እምነትን ፍቕሪ ክርስቶስን እነብዕለሉ መበል 29 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ከተሰንየናን መንፈስ ቅዱስ ብብርሃኑ ክመርሓና ንጸልይ፣ ድሕሪ እዚ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስ ክርስቶስ ብልግሲ ክንነብር ዘተባብዔንን ፍርሒ ካባና ዝገሰጸን እዩ። ኩሉ ፍጥረት ሰብ ምስ ጐይታ መታን ክራኸብ ካብዚ ወጺእና ብትብዓትን ልግስን ንጐዓዝ፣ ኢየሱስ ኣብ ተልእኾኡ ክንሓበር ንኽንስዕቦ ይጽውዓና ብዘይ ፍርሓት ንምግልጋልን ኩሉ ሕዝቢ ደቀ መዛሙር መታን ክኾውን ናብ ሕዝቢ ኪዱ፣ እዚ ትእዛዝ ኢየሱስ ናይ ምልካውነትን ስልጣንን ፍቓድ ዘይኮነስ ሓይሊ ፍቕሪ እዩ። ናብ ኩሎም ብጾትኩምን መሳትኹምን እቲ ወንጌል ናይ ኩሉ ምዃኑ ዝስተማቐርኩምዎ ተመክሮ ኣካፍሉን መስክሩን” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።
“ኣይትፍርሑ ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ከባብን ኣብቲ ናይ ህላዌ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን እቲ ንኹሉ ዘናድን እቲ ናይ ምሕረቱን ፍቕሩን ምዉቕ ሓልዮት ክስምዖምን ክነብሩን መታን ልኡኻት ኩኑ” ምስ በሉ፦ ኣብዚ ተልእኾ ጐይታ ቀቅድመና እናኸደ ዝመርሓና እዩ እሞ ብዘይ ፍርሓት ወንጌል ንመሳትኹም ከተበስሩ ሰጉሙ። ኢየሱስ ንበይንና ኣይሓድገናን ምሳና ኮይኑ ዝስጉምን ዝመርሓናን ዝድግፈናን እዩ፣ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ማሕበረሰብ ከቑሙ ጸወዖም ኣብ ገዛእ ርእሶም ክተርፉ ዘይኮነስ ናብ ኩሉ ክፉት ዝኾነን ናብ ኩሉ ዝነቅል ማሕበረሰብ ከቑሙ ይጽውዖምን የጽንዖምን ስለዚህ ንስኻትኩም እውን ኣብኡን ኣብቲ ናቱ ፍቕርን ምሕረትን ተኣሚንኩም ከተገልግሉ ኪዱ፣ ቅድም ቀዳድም እቲ ኣባና ዘሎ ንኣይነትን ኣነነትን ሲዒርኩም እቲ ፍቕርን ምሕረትን ዝኾነ ወንጌል ኣበስሩ፣ ኣገዳስነት ኣስፍሆተ ወንጌል ሓብሩ” ከምዝመሉ ፒየርማሪኒ ገሊጾም።
“ወንጌል ምብሳር እቲ መንፈስ ክፍኣትን ዓመጽን ዝግስጽን ዘምክንን ሓይሊ እግዚኣብሔር ምቕላሕ ማለት እዩ። ሓድሽ ዓለም ንምርግጋጽ እቲ ዝፈላልይ ኣነነትን ንኣይነትን ዘዕንው እቲ ምፍልላይን ጽልእን ዘወግድን እዩ። ኢየሱስ ኣባኹም እምነት ኣለዎ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣባኹም እምነት ኣለዋ ር.ሊ.ጳ. ኣባኻትኩም እምነት ኣለዎም” ምስ በሉ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዘዕረግዎ ቅዳሴ እቲ ወንጌላዊ ልኡክነት ተልእኾ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ንዝተዋጽኦ 10 መንእሰያት ኣረኪቦም ሓንቲ ስድራ እቲ ዝተጸንሰ ድቂ ክግመት ዘይከኣል ስንክልና ዘለዎ ሕጻንኮይኑ ዝውለድ ምዃኑ ዝተሓበረት ክነሳ ጽንሲ ምንጻል ኣይፋል ብምባል ናይ ሕይወት ባህሊ ዝምስከረት ተቐቢሎም ስላምታ ኣቕሪቦምን ባሪኾምን ምስ ኣብቕዑ እቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.