2013-07-30 16:11:40

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ጸብጻብ


RealAudioMP3 ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ መዛዘሚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሪዮ፣ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳማይ ላቲን ኣመሪካዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝኾኑ ዘኪሮም፣ ዘለዎም ናይ ምርኻብ ዓሚዩቕ ባህልን ተውህቦን ዝድነቕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ስልጣናዊ መልእኽቶምን ምዕዳኖምን ስብከቶምን ሰማዒ እዝንን ልብን ረኺቡ ብሓቂ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለም መሰረት ሕዳሴ ክኸውን ናይ ብዙሓት ተስፋ ምዃኑን መንእሰይ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ዝንበር እምበር ተነጺሉን መገልገሊ ኮይኑ ዝጽቀጥ ክኸውን ከምዘይግባእን ሃብትን ተስፋን ምዃኑ ዝሓበረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ኔሩ ኢሎም። መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰይ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ዝምልከት እዩ። ንኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሕድስን ብሉጽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ክስዕቦ ዝግብኦ መገዲ ዘነጸረ እውን እዩ ኒሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.