2013-07-25 15:53:08

ንናይ መንእስሰያት ክቡር ዋጋን መጻእን ወፍሪ


RealAudioMP3 ኣብ ብራዚል ናይ ሳን ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሽረደር ብዛዕባ እቲ ንመካየድን መሳለጥን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ዝወጸ ሃብቲ ገንዘብ ኣመልኪቶም ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ዝወጸ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ መንእሰይ ክቡር ዋጋን መጻእን ወፍሪ እዩ። ስለዚህ ውጽኢቱ ዝዓዘዘን ልዑልን ከምዝኸውን እምነትና ኣሎና። ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝተኣከቡ መንእሰያት እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ይሕይል፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ሕብረሰብ እውን እዩ ዝሕይል፣ መንእሰይ ክህነጽን ኣብ ሰናይ ክምራሕን እንከሎ ሕብረተሰብ እውን እዩ ዝሕይልን ዝህነጽን ኢሎም።
ከይዲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እምነት ክርስቲያን ብዑምቀት ንምርዳእን ናይ ሕይወት ቀንዲ ተመክሮ ክኸውን ዝመርሕ እዋን እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ዝካየድ ብምዃኑ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስ ጐይታን ቤተ ክርስቲያኑን ምስታ ኣብ መንእሰይ እትንበር መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ንምርኻብን ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህሉው ኩነት ንምርኻብ ዝግበር መንፈሳውን ሰብኣውን ንግደት እዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ተልእኾ ዳግማይ ወይ ድማ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ይግለጽን ይነቓቓሕን። ቤተ ክርስቲያን እቲ ውዕዉዕ ሓይሊ ሓድሽ ወለዶ የድልያ እዩ። ኣብ ተልእኾ ወንጌል እዚ ውዕዉዕ ሓይሊ ክዋሳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን፣ መንእሰይ ኣብ ዝነብሮ ሕይወትን ጸዋዕታኡን ምስ ቤተ ክርስቲያን መታን ክሓብር ዘተባብዖ ኩነት እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ መንእሰይ ናይ ሕጉስ እምነት ተመክሮ ገይሩን ነቢሩን ነዚ ዝነበሮ እምነት ወንጌል ብምብሳርን መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ከስፍሕ ዝነቓቕሓሉ እዋን እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቓልን ሕይወትን ኣገልግሎት ወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን ብትሕትናን ብድኽነት እውን ክንበር ከምዘለዎ የተባብዑ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓለፋን ህርፋንን ኩሉ ናጻ ምዃን ንኣስፍሆተ ወንጌል መሰረትን ናይ ዝእምነት እምነት መሰኻኽር ንምዃን ብጸጋ ኣምላኽ ዘብቕዕ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ እዩ ዝምስክሩልና ዘለዉ ምስ ሕዝቢ ንሕዝቢ እምበር እምነትን ወንጌልን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እናጠመትካ ዝምስክር ከምዘይኮነ ድማ ብቓልን ሕይወትን የስተምህሩና ኣለዉ። ወንጌላዊ ሕይወት ድማ እዚ እዩ ኢሎም። ወንጌላዊ ሕይወት ኣብ ኩሉ መዳይ ክሕደስ ዘተባብዑ ኣብነት ምዃኖም ገሊጾም።
ምስ እዚ ኩሉ ኣተሓሒዝካ እምበኣር እቲ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝፈሰሰ ሃብቲ ገንዘብ ሸቶ ንናይ መንእሰይ ኩቡር ዋጋን መጻእን ዝተዋፈረ ሃብቲ ገንዘብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዙሓት መንእሰያት ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ንምስታፍ ዘድሊ ኩሉ ወጻኢ ባዕሎም ዝሸፈኑ ክምዝኾኑን ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ድማ ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ብዝለገሰኦ ሓገዝ ዝተሸፈነ ከምዝኮነ እውን አዘኻኺሮም፣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ መላእ ብራዚል ብእትርከብ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢሉ ኣብ መላእ ብራዚል ዝንበር ጥራሕ ዘይኮነስ ካቶሊካዊነት ትርጉም ዝንበሮን ኣብ መላእ ዓለም እውን ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢሉ ዝንበር ዘሎ ቅዱስ ኩነት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.