2013-07-25 15:49:31

መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ናይቲ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሱታፌን ብዛዕባ እቲ ብናይ ሪዮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ተምፐስታ ኣብ ኮፓካባና ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ወግዓዊ መኽፈቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ እንክምልክት፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንገዛእ ርእሱ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍልይ ዝበለ ኣገዳሲ ቅዱስ ኩነት ከምዝኾነን፣ ቁርን ዝናምን ኣውን እንተነበረ ኣብቲ ዝዓረገ ናይ ወግዓዊ መኽፈቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መስዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዝግመት መንእሰይ ምእመን ከምእተሳተፈን፣ ዝተራእየ ውዕዉዕ ምዉቕ ሱታፌን ዘደንቕ ከምዝነበረን ብሓቂ ተስፈይና ሃዋሁ ዝተንጸባረቐሉ ኩነት እዩ ኔሩ ምስ በሉ፣ ኣብ ብራዚል እዋን ክረምቲ ብምዃኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣፓረሲዳ ዝገብርዎ ጉዕዞ ብመኪና ምዃኑ ተሪፉ ብነፈሪት ዝፍጸም ከምዝኾነን፣ ዕለት 25 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ምስቶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝሳተፉ ምስ ዘለዎ መንእሰያት ኣርጀንቲና ኣብ ካቴድራል ሪዮ ክራኸቡ እዮም ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.