2013-07-23 15:45:40

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ሪዮ


RealAudioMP3 ካብቶም ኣብ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ንምቕራብ ካብ እተረኽቡ ዓበይቲ ናይ መንግስትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላት ሓደ ናይ ሪዮ ደ ጃነይሮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዥዋው ተመፐስታ ከምዝኾኑ እንክምልከት፣ ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፦ ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ንዝተዋጽኡ ተሳተፊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ብእምነት ንምጽናዕ እዩ፣ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስን ንቤተ ክርስቲያኑን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እሙናት ኮይንና እንፍጽሞ ጉዕዞ ምሳኦም ሓቢርና በቲ ንሶም ዝህቡና ስልጣናዊ ምዕዳንን ስብከትን ኣስተምህሮን ተመሪሕና እንሕድሰሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ናይ ቅዱስ ኣቦና ሱታፌ ዓቢ ጸጋ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ናይ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ 180 ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ይሳተፉ ከምዘለዉን 55 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝድመጸሉ ብሓቂ ሕቡራት ዓለም መንሰያት ዝንበረሉ እዋን እዩ። እምነት ክንበርን መገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስዓብን እቲ እነብረሉ ዘሎና ዓለም ብሉጽ መታን ክኸውን ቅዱስ ኣቦና በቲ ዝህቡዎ ምዕዳን ክመርሑና ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ብቓልን ሕይወተን ዝህብዎ ምስክርነት ኣቢልና እምነትና ሓዲስና ናይቲ ሕብረተሰብ ልቢ ሓድሽ ልቢ ክኸውን ዝበለጸ ሓድሽ ሰብኣውነት ንምርግጋጽ ዘብቕዓና ጸጋ እንቕበለሉ ቅዱስ እዋን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.