2013-07-23 15:36:42

ናይ ተለግራም መልእኽቲ


RealAudioMP3 ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ናይ ኢጣልያ ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ናይ ተለግራም መልእኽት ልውውጥ ከምእተኻየደ ክምልከት እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ቅድሚ ምንቃሎም ናብ ናይ ኢጣሊያ ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፦ “ነቶም ካብ መላእ ሃገራታ ዓለም ንዝተዋጽኡ መንሰእሰያት ናይ ተስፋን ናይ ሰላምን መጋበሪያ ክኾኑ መታን ንምትብባዕ ሓቂነ ናብ ብራዚል ኣብቲ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ንኽሳተፍ ኣብ ምንቃለይ ንኣኹም ክቡር ርእሰ ብሔርን ሕዝቢ ኢጣሊያን ምዉዕቕ ሰላምታይ ብምቕራብ ቅሳነትን እማኔ ኣብ መጻኢ ክህሉ ውዕዉዕ ምንዮተይ ንመላእ ኢጣሊያ እገልጽ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ርእሰ ብሔር ናፖሊቲኖ ብወገኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፦ “እቲሓድሽ ውዕዉዕ ቅዱስነቶም ዘበገስዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ብዙሓት ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝሳተፉ መንእሰያት ኣእምሮን ልብን ኣስተንፍሶ ከምዝኸውን እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ብናይ ሓድነትን ክፉትን ተስፈይናን መንፈስ ነቲ ናይ እዋናዊ ሕብረተሰብ ዝተጋርዶ ተነቃፍነትን ስንኩፍነትን ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ነዚ ባህሊ ገጢሙ ክሰግሮ መታን ጻዕዊትን ድጋፍን ከምዝኸውን እምነተይ እዩ። እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንስእሰያት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ መንእስያት ባህልታቶምን ልምድታቶም ብንምጽጻር ብሓባር ናይ ዘተ ባህሊ ከደንፍዑ ድጋፍ እዩ” ቢሎም ቅዱስነቶም ነኣኹም ዘሎን ዓሚይቕ ኣድናቖተይን ግዳሰን እሕድስ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ነቶን ብነፋሪት ናይ በረራ ኣየር ዶባተን ዘቋረጹለን ሃገራት ንናይ ኣልጀሪያ ርእሰ ብሔር ኣብደላዚዝ ቡተፍሊካን ንናይ ማውሪታኒያ ርእሰ ብሔር ሞሃመድ ኦውልድ ኣብደል ኣዚዝን ንናይ ሰነጋል ርእሰ ብሔር ማክይ ሳል ብዘተሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ነዘን ሃገራትን ሕዝበንን እግዚኣብሔር መለኮታዊ ቡራኬኡ ክዕድል ከምዝጽልዩ ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.