2013-07-23 15:47:11

ሱታፌ ወለንተይናታት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


RealAudioMP3 ኣብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ነቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ኩለ መዳያዊ ደገፍ ብምቕራብ ዘገልግሉ ልዕሊ 60 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ወለንተይናታት ከምዘለዉ እንክምልከት፣ እዞም ወለንተይናታት መንእሰያት ነቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ኣገዳሲ ሓበሬታን መርሃ ግብሪ ዓለም ሓቆፍ መልዓልቲ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብምትርጓም ከምዝዓደሉን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝቐርቡ ኣስተምህሮታትን ምስክርነትን ከምኡ እውን ብዓቢዩ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ምዕዳንን ስብከትን ኣስተምህሮን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተርጒይሞም ዘስምዑ ከምዝኾኑ ተመልኪቱ ኣሎ።
ብኻልእ መዳይ እውን እቲ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ በቢ ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝትርጉሙ እውን ምዃኖም ብዛዕባ ሱታፌ ወለንተይናታት ብዝብምልከት ዝተውሃበ መግለጺ ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.