2013-07-19 16:56:55

ዘደመና/ዘጊሜ 2005ዓ.ም. (07/21/2013)


መዝሙር፡ “ክርስቶስ ንጉሥ እዩ መሓሪ እዩ፥ ንዘራኢ ዘርኢ ይህቦ ንእኽሊ ንመግቢ የብቅዖ፥ ንመስኪን ካብ ምድሪ የተንሥኦ፥ ንሥልጣኑ ሓደኳ አይምንዝዖን፥ ንጻድቃኑ ታሕጓስ ይእዝዘሎም፥ ሰንበት ንዕረፍት ሰርዐ፥ ገባር ሕይወት አብ ዓዓመት ክረምቲ ዝኸፍት እዩ”።
ንባባት፡ 2ቆሮ 9፡5~ፍ፥ ያዕ 3፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡18~26፥ ማቴ 7፡21~ፍ
ምስባክ፡ ሐወጽካ ለምድር ወአርወይካ፥ ወአብዛህካ ለብዕላ፥ ፈለገ እግዚአብሔር ምሉዕ ማያት። “ንምድሪ በጻሕካያን አርወኻያን፥ ሃብታ ኸአ አብዛሕካዮ፥ ፈለግ እግዚአብሔር ማይ ዝመልአ እዩ” መዝ. 65፡9።
ሰብ ባህሪ አምላኽ ተኻፊሉ አብ ሓጎስ አምላኽ ክነብር እዩ ተፈጢሩ እንተ ኾነ ባዕሉ ብዝመረጾን ሰይጣን ብዝመርሖን ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ሓዲጉ አብ ጥፍአት ክነብር መሪጹ። ንኽፍአት ንሞት ደፊሩ አትይዎ። ንሓቂ ብጸልማት ንሓጎስ ብሓዘን ንፍቕሪ ብጽልኢ ተኪእዋ ዝነብር ውሑድ አይኮነን። ናይ ሎሚ ወንጌልን ንባባትናን ነዚ የስተምህረና። ምአ አምላኽ ዘሎና ርክብ ሓቀኛ ክኸውን፥ እምነትና ክነብሮ እንከሎና ጥራሕ እዩ ሕይወትና ሓቀኛ ሕይወት ይነብር ክንብሎ እንኽእል።
ካብቶም ነብያት ጸጉሪ በጊዕ ዝተኸድኑ ተኻሉ ተጠንቀቝ ይብለና። ብደገ ክንርእዮም ከሎና አምሳል ኢየሱስ ሕያውነቱን ፍቕሩን ዝሓዙ ይመስሉ እንተኾነ ንእምነት ዓሚጾም አብ ጥቕሞም ዘውዕሉ እዮም። አብዚ ዘሎናዮ እዋን ነዚ አገባብ ተጠቒሞም ንብዙሓት ዘጋግዩ ብተለቪዥን ከምኡ ብስብከቶም ንብዙሓት ዘጋግዩ ናይ ዘመና ሜላ መሃብተሚ ኮይኑ አሎ። ብስም ኢየሱስ “ንኢየሱስ ረኺበዮ” “ተቐቢለዮ” ወዘት ዝብል ጥዑም ቃላት እናተጠቐምካ ንብዙሓት የወሃን ምትላል ካብ እምነቶም ምምንዛዕ ናይ እዋና ሕማም ቤተ ክርስትያን ኮይኑ አሎ። ብፍላይ ንአና ብዝምልከት ንብዙሓት መንእሰያትና አብ መገዲ ጉዕዞ ስደት አብቲ ተሸጊሮሙሉ ዘለዉ እዋን ብቐሊል ሓገዝ ዝደልዩሉ እዋን ሓጋዚ አብዘይብሎም እዋን ከም ዝሕግዝዎም አምሲሎም አብ ዝገደደ ክሕደት እምነትን ካብ አምላኽ ክመዝርሕቑ ገረሞም ከም ዘለዉ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ነዚኦም ብዝርኢ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት አጠንቂቝና እዩ። ብስም ኢየሱስ ንብዙሓት ካብ እምነቶም መንጢሎም ገንዘቦም ሓዳሮም ግዙአቶም ገሮም አይብዓል አይስራሕ ዝገበርዎም ንርኢ አሎና። ዕሽር ሃባ እናተባህለ ብቐጥታ ገንዘቦም አብ ማሕፉዳኦም ከምዝአቱ ዝገብርዎም ውሑዳት አይኮኑ። አስተውዕሉ ይብለና ኢየሱስ።
ከመይ ገርና ክነለልዮም ንኽእል? ብፍሪኦም፥ ብኹሉ ጉዕዞ ሕይወቶምን ጠባያቶምን እምበር በቲ ዝብልዎን በቲ እንገብሮ ዝብልዎን ክትፈልጥዎም ቀሊል አይኮነን ይብለና። ነቲ ቅኑዕ ካብቲ ሓሶት ክትፈልዮ ቀሊል አይኮነን ግን ኩሉ ጊዜ እቲ ሓቂ ክኽወል አይክእልን እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ዝብለና ሕማቕ ኦም ጽቡቅ ፍረ ክፈሪ አይክእልን እዩ ወይ ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ክፈሪ አይክአልን እዩ። አብ ገለ እዋን አብ ሕይወትና እንተ ርኤና አብ ቅድሚ ሰባት ከም ጥዑያት ንፉዓት ኮና ክንርአ ክንፍለጥ ኢና እንደሊ አብ ውሽጥና ዘሎ ድኽመት ክፍአት ክፍለጥ አይንደልን ኢና። እዚ ድኹም ባህርን ኩሉ ጊዜ ምስተረባረበና እዩ። አነ ዝብል ወሪሱና ንአምላኽን ንከማና ዝበሉ ሰባትን ከም ሓንቲ ከይቆጸርና ንነብር አሎና። እንኸዶ መንገዲ እንዘርኦ ግብር ርኢና ክንክእል ይግብአና።
አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ቅኑዕ ምዃን አብ ኩሉ ግሉጽ ካብ ምዃን ካብኡ ዝበለጸ ጸጋ የለን፥ እንተ ኾነ አብ ግብሪ ክትገብሮ ቀሊል አይኮነን። ነፍስወከፍና ነቲ ሓቀኛ ኩነትና ዝኽውል እንኽደኖ ካባ/ባርኖስ አሎና። ብዙሓት ካባና ከምቲ አብ መጽሓፍ John Powell ዘሎ “Why Am I afraid to Tell you Who I am? ዝብል ዝመሳሰል ሕይወት ኢና እነሕልፍ። ሰባት ድኽመትና ዓቕምና፥ ደረጃ ፍልጠትና ኮታስ ውሽጣዊ ኩነትና ክፈልጡ አይንደልን ኢና። ሰባት ክንእዱና ዘይብልና ከም ዘሎና ክንመስል፥ ዘይንፈልጦ ከም እንፈልጦ ኮና ክንርአ ኢና እንደሊ። አብ ገለ ሰባት ዝርአ ከአ ቅኑዓት ክመስሉ ምስቲ ናይ ትሕትና ምልክት ክመስል ምስ ሓደ ኃጢአቱ ግሉጽ ወይ ብኹሉ ዝፍለጥ ክመሳሰሉ ይደልዩ፥ ከምኡ ሕይወቶም ምስቲ ብክፍአቱ ዝተአመነ ከቀራርቡ ይፍትኑ። እዚ ንብዙሓት ቆሞሳትን ናይ ሃይማኖት ሓለፍቲ ከመልክት ይኽእል። ብግዳማዊ ሕይወት ጥዑይ ክትመስል ምድላይ ብውሽጥኻ ግን ካልእ ምዃን ንሃይማኖት ይቐትሎ። ሎሚ አብዚ ሰንበት እሙናት አመንቲ ክንከውን እሞ ነቲ አብ ውሽጥና ዘሎ ጥራሕ ክንግደስ እምበር እቲ ግዳማዊስ ዋንኡ ከምዘልኦ ክንፈልጥ ይሕብረና አሎ።
ኢየሱስ ብምቕጻል ናይ ሓደ እሙን ተኸታሊ ክለብሶ ዘለዎ ሕይወት ይነግረና። ሰብ በቲ ግዳማዊ ነገራት ጥራሕ ክፍረድ ከምዘይብሉ ይነግረና። ንአብነት ጎይታይ ጎይታይ ምባል ጥራሕ እኹል አይኮነን። እዚ ብምባል አብ አምላኽ አየቕርበናን እዩ። ተአምራታት ምግባር ንአጋንንቲ ምውጻእ፥ ብስም ኢየሱስ ዝተፈላለየ ተምአራታት ምግባር እኹሉ አይኮነን። ሓቀኛ ሓዋርያ ዝብሃል ብምልኡ ምስ አምላኽ ብልቡ ብነፍሱን ብምሉእ አእምርኡን ዝወሃሃድ እዩ። ከምዚ ዝአመሰለ ሰብ ንቃላት ኢየሱስ ዝሰምዕ እሞ ንኻልእ ክሰብኮ ኢሉ አብ ልቡ ሒዙ ዝኸይድ እዩ። ንአምላኽ ምስማዕ ክንብል እንከሎና ብዙሕ ኢና እነስምዕ ገለ ካብቲ ዘስምዖ ክንጠቅስ እንተ ኾና፡
    ኢየሱስ እንታይ ከምዝብለና ዘሎ አስተውዒልና ምኽአል። ልብኻ ቀልብኻ አብኡ ገርካ ክትሰምዕ ምስንዳው። ልብና አብ ካልእ እንከሎ ክንሰምዕ ከቢድ እዩ። ብምሉእ ነቲ ዝብሃል ዘሎ ብምሉኡ ክንሰምዖ ይግብአና። “አፋ ምሳይ ልባ ምስ ደበሳይ” ከይከውን እቲ ነገር ንማለት እዩ። ዘስተውዕል ክፈልጥ ክምለስ ክንሳሕ አይጽግሞን እዩ። በዚ እዩ ዘስተውዕል ልቢ ሃበኒ ጎይታይ ኢልና እንጽሊ።
    ነቲ ዝተባህለ ምርዳእ የድሊ። ከይተረደአና ክንስምዕ ንኽእል ኢና። አብ ገለ እዋን ከአ ነቲ እንሰምዖ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ጥራሕ ክንሰምዖ ንደሊ እሞ ዘይናቱ መገዲ ነትሕዞ። ነቲ አምላኽ ዝብሎ ክንርዳእ ክንፈልጥ አድላዪ እዩ። ነዚ እትገልጸልና ቤተ ክርስትያን እያ። አብ ገለ እዋን ክእለትና ፍልጠትና ከጋግየና ይኽእል እዩ። ምስጢር ቃል አምላኽ ንምግላጽ ነቶም አምላኽ ዝገለጸሎም ጥራሕ እዩ ተዋሂቡ እምበር ንዝኾነ ከም ድላዩ ዝገልጾ አይኮነን። አብ ታሪክ ብዙሓት ንቃል አምላኽ ባዕሎም ክርድእዎን ክገልጽዎን ስለ ዝደለዩ አብ ክምለስዎ ዘይክእሉ ጌጋ ወዲቖም። ክንፈልጥ ዝገልጸልና የድልየና ብባዕልና ጥራሕ እንፈጥሮ አፍልጦ ጎደሎ እዩ።
    ነቲ ዝተረዳእካዮን ዝሰማዕካዮን ተቐቢልካ ምስ ሕይወትካ ምውህሃድ የድሊ። ምስማዕ ምርዳእ ቀሊል እዩ እንተ ኾነ ምስ ሕይወትካ ክተወሃህዶ ክትቅበሎ አሎካ። ቆልዑት ነዚ ኩሉ ጊዜ ይገብርዎ እዮም። ይሰምዑኻ ይርድኡኻ ግን አይገብርዎን፥ አብ ቃል አምላኽ ከአ ንሕና ከምኡ ንገብር። ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ ከም መግቢ ክንውሃሃዶ እንተ ከኣልና ክንቅየር ከቢድ አይኮነ። እቲ ጸገም አብ ሕይወትና ክነወሃህዶ ምስ ዘይንኽእል እዩ።
    ነቲ ዝሰማዕናዮን ዝተረዳእናዮን ምስ ሕይወትና ምስ አወሃሃድናዮ ሽዑ ብአኡ ንምራሕን በቲ ንሱ ዝብሎ ሕይወትና ንመርሕ። አባና ካልእ ነገር የለን ነቲ ቃል አምላኽ ምሳና አወሃሂድና ንነብር ሽዑ ንአና ዝረአ ንኢየሱስ ይርኢ። እዚ እዩ አብተን ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ንብዙሓት አብ እምነት ዝሰሓቦም። አብ ሕይወቶም ንክርስቶስ ለቢሶሞ ካልኦት ከአ ክርእይዎ ክኢሎም። እዚ እዩ ናይ እዋና ዘምን ዝደልዮ ዘሎ። እምነተይ በቲ ዝዛረቦ ዝብሎ ዝሓስቦ ካልኦት ክርእይዎ ክኢሎም አለዉ ክንብል ይግባእ።

ነዚ ኹሉ አብ ዕለታዊ ሕይወት ተግባራዊ ምስ ገበርናዮ ሽዑ ናይ ብሓቂ ሓዋርያት ክርስቶስ ክንብሃል ንኽእል። ሕይወትና አብዚ ጥራሕ ክንምስርቶ ከሎና ኢና አብ ሓቀኛ ሕይወት ንነብር አሎና፥ እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስ ኢና ክንብል እንኽእል። “አነ ሕይወትን ሓቅን መገድን እየ ኢሉና ክርስቶስ”፥ ምስኡ ክንጉዓዝ ምስኡ ክነብር እሉ።
ብግዳም ክርስትያን እየ ምባል ብቃል ጥራሕ ወይ ብግዳማዊ ነገራት ጥራሕ ክርስትያን ኮንካ ምንባር ከምቲ ቤቱ አብ ሑጻ ዝሰርሕ እዩ ዝምሰል። ሓንሳብ ፈተና ወይ ዘጋጊ ምስ መጸ አብ ውሽጢ መሰርት ስለ ዘይተሃንጸ ብቐሊል ክወድቕ ክኽሕድ ንመገዲ ጸጋም ክጉዓዝ ቀሊል እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንርእዮ ዘሎና እዩ ሓደ ሰብ አብ ናይ ዓለም ነገራት ጥራሕ አተኲሩ ዝነብር ብቐሊል ክጋገን ካብ አምላኽ ክርሕቕን ይኽእል። ስለዚ እቲ ምርጫ ከምቲ አብ ከውሒ አብ ጽኑዕ ቦታ ቤቱ ዝሰርሐ ንኹን። ጽኑዕ መሰረት ስለ ዝገበረሉ ዝኾነ ሓይሊ መጺኡ ከፍርሶ አይከአለን። ንሕይወቱ በቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ዝመርሕ፥ አብ ሓውን ፍቕርን ሕይወቱ ዝመርሕ ሰብ ብዝኾነ ክጋገ ክወድቕ አይክእልን እዩ።
እሞ እምነተይ አብ እንታይ እዩ ተመስሪቱ ዘሎ? እስከ ሕልናና ንሕተት። ሰብ ሎሚ ከቢድዎ ዘሎ ሕልና አጥፊኡ አብ ዝነፈሰ ይነፍስ አሎ። ንመገዲ ጸጋም ክጉዓዝ ንሓዉ/ሓፍቱ ክጠልም ከዋርድ ቕጭጭ ዘይብሎ ኮይኑ። እዚ ኹሉ እምነቱ ምስ ዘንግዐ ዝመጽእ እዩ። ቤተ ክርስትያን ክንዕወት ኢላ ዓመተ እምነት አዊጃትልና አላ እሞ እንታይ ንገብር አሎና፥ንጥቀመሉ ዘሎና፥ ከም ዝርአ ጌና ዘይተሰቕረና እዩ ዝመስል። አሕዋተይ ንኽፍአት ንጽልኢ ንሓመታ ቀቢርና ሎሚ አብ ክርስቶስ ንመለስ እሞ ሓዲስ ሕይወት አብ መሰርት ሓዋርያትን ጻድቃንን ተመስሪትና ንመድሕና ተቐበለኒ ንበሎ።
ቅ. ማቴዎስ ኢየሱስ ነዚ ዓቢ ትምህርቲ ምስሃበ ብዙሕ ህዝቢ ብትምህርቱ ከምዝተደነቕ ክገልጽ ኢሉ ከም መማህራኖም ዘይኮነ ከም ብዓል ስልጣን እዩ ምሂርዎም ይብለና። ከም ጸሓፍቶም ነቲ ሕጊ ዝትርጉሙ ዘይኮነስ ብስሙ እዩ ምሂርዎም። አብዚ ንአና ብዝምልከት ናይ ነፍስወከፍና እምነት ዓቢ ተገዳስነት አለዎ። ብስም ክርስትያን ኮነ ክነብር ዘይኮነስ ንእምነትና ክነብሮ እዩ ዝድለ ዘሎ። ስለዚ እምነትና ከመሎ ክንብል አሎና። እምነተይ ከመይ እንበሮ አሎኹ ኢልና ሕልናን ክንሓትት እዋኑ እዩ።
ኦ ኢየሱስ አምላኸይ አባኻ መሰረት ገረ ክጉዓዝ ሓግዘኒ፥ ክቕየር ክሕደስ ድለት አሎኒ እንተ ኾነ ዓቕሚ ይውሕደኒ አሎ እሞ ብቤተ ክርስትያንካ ገርካ ምስጢር ድሕነተይ ክትገልጸለይ ዝሰምዕ እዝኒ ዘስተውዕል ልቢ ክትህበኒ እልምነካ አሎኹ። ኦ ማርያም አደይ ካብ መጀመርያ ሕይወትኪ አብ ድላይ አምላኽ ዝሰረትኪ ከማኽን አስርክን ክኽተል ሓግዝኒ ንወድኺ ለምንለይ ንበላ።
ብሩኽ ክራማት ንኹልና!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.