2013-07-18 10:43:54

ካህነ ክርስቶስ ነተን ጽምዋ ዝወሓጠንን ርሒቀን ዝርከባ አባጊዕን ክጓሲ አለዎ፣


ሥልጣነ ጴጥሮስ ካብ ዚሕዙ ዳርጋ አርባዕተ ወርሒ ክገብሩ ቀሪቦም ዘለው ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ መንነት ካህን አተኵሮም ካብ ዝሃብዎ ብዙሕ አስተምህሮታት ካህናት ብትሕትና አብ አገልግሎት መጓሲኦም ክኾኑ ከምዘለዎም የመልክቱ፣ ከምቲ ጐ.ኢ.ክ አብ ወንጌል ማቴዎስ 10ይ ምዕራፍ 12 ሓዋርያት ምስ መረጸ “ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሃቡ። ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።” ቢሉ ዝ አዘዞም ቅዱስነቶም እውን ነዚ መሠረት ብምግባር ብ ዕለት 28 ሚያዝያ አብ ጸሎተ ሓሙስ ዝሃብዎ ስብከት ንጓሶት ሽታ ናይተን ዝጓስየን አባጊዕ እምበር ካልእ ቅብእን ሽቱን ከዘይድሊ አዘኻኺሮም ነሮም፣ ሕያዋይ ካህን ብቀዳምነት ብሕዝቡ ኢዩ ኪቅባእ ዘለዎ እዚ ቅብ ኢ እዚ ከአ እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሕዝቡ ዘፍሥሶ ቅብኢ ኢዩ፣ እውን ቢሎም፣
“ሕዝብና ብቅብ ኢ ሓጐስ እንተደአ ተቀቢ ኡ ተስተው ዕሎ ኢኻ፣ ን አብነት ካብ ቅዳሴ ክሰናበት ከሎ አብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ዘሐጉስ ብሥራት ወንጌል ዝተቀበሎ ሓጐስ እንተደአ አንጸባሪቁ እቲ ቅዱስ ቅብኢ ዝኾነ ክርስቶስ ንኹሉ መሊ እዎ ነቶም ጓሶት አባቴ አብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ! እዚ ጸገምዚ ስለዘሎኒ ጸልዩለይ! አባ ባርኹኑ! ክብሉ እንተኽ ኢሎም ብሓቂ ምልክ አት ቅብ አት ክርሶት ኢዩ፣ እዚ ቅብ ኢ እዚ ከአ ክሳብ ዘፈር ክዳኑ በጺሑ ማለት ኢዩ፣ ካህን ካብ ገዛእ ር እሱ ውጽ እ ቢሉ ካብ መንጐኛ ምዃን ባዕሉ ተዋሳኢ ኮይኑ ካል አ ክርስቶስ ይኸውን ቢሎም ነሮም፣ ካህናት ሰብ ው ዕለት ዘይኮነስ ካል አነ ክርስቶስ ኮይኖም ነቲ ዝተዋህቦም ሓደራ ክፍጽሙ ከምዘለዎም ከአ ከምዚ ቢሎም አዘኻኺሮም ነሮም፣
“ሰብ ው ዕለት ዘይኮነስ ሓቀኛ ጓሶት ኢኹም፣ መንጐኛታት እምበር መበጻጻሕቲ አይኮንኩምን፣ ወትሩ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ አብነት አብ ቅድሜኹም ይኹን፣ ንሱ ከገልግል ነቲ ዝጠፍኤ ክደልን ከድሕንን እምበር ከገልግልዎ ከምዘይመጸ ዘክሩ” ቢሎም ነሮም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.