2013-07-18 10:50:00

ኦ ኮኸብ ባሕሪ ዝኾንኪ ማርያም ጸግዕን ቅሳነትን ክንረክብ እንደገና ናባኺ ንምዕቈብ አሎና፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ቀቅድሚ ምዝዛም ሐዋርያዊ ምብጻሕ ስደተኛታት አብ ላምፐዱሳ ናብታ ኮኸብ ባሕሪ ቢሎም ባሕረኛታት ናይቲ ከባቢ ጸሎትን ምሕጽንታን ዘዕርጉላ ማርያም ስደተኛታት ዚአክል ምሕብሓብን ሓልዮትን ክረኽቡ ከም ኡ ከአ እቶም ካብዞም ግዜን ሰብን ጠሊምዎም ዘሎ ስደተኛታት መኽሰብ ክረኽቡ ብሕይወት ሰባት ዝሽቅጡ ስ ሱ ዓት ነጋዶ ናብ ልቦሞ ክምለሱ ከምዚ ዚስዕብ ክብሉ ዓሚቍ ጸሎት አዕሪጎም፣
“ኦ ኮኸብ ባሕሪ ዝኾንኪ ማርያም ጸግዕን ቅሳነትን ክንረክብ እንደገና ናባኺ ንምዕቈብ አሎና፣ ናይ ስደተኛታትን ሰበኽ ሳግምን ተከላኻሊት ዝኾንኪ አደ እግዚአብሔርን አደናን ማርያም ነቲ ለዋህ ቈላሕታኺኒ ናብቶም ለይትን መዓልትን ነቲ አጨናቂ ሓደጋታት ባሕሪ ዝጓነፎም ምለሲ፣ ብናይ ወላዲት ኃልዮት ንኩሎም ደቂ ሰባት ሓግዚ ምናዳ ከአ ነቶም ካብ መበቈላዊ ዓዶምን መሬቶምን ዝሓሸ ሕይወትን ተስፋን ንክረኽረቡ ዝሃድሙ ርድኢ፣ እቲ ርክብ አብ ሓደስትን ከበድትን ናይ ባርነትን ር እሰ ምትሓትን ኩነታት ከይቅ የር ደግፍና፣ አደ ምሕረት ዝኾንኪ እኖና ን አና ብን ር እሰይ ይጥ ዓመኒ ዓዊርና አብ ገዛእ ር እስና ተሓጺርና ብፍርሒ ተአሲርና ንዘሎና ምሕረት ለምንልና፣ ነቶም ነዚ ኩነታት እዚ መዝሚዞም ክጥቀሙ ንዝደልዩ ከአ ናብ ልቦም ምለስዮም፣
“ጸግዒ ሓጢአተኛታት ዝኮንኪ ማርያም አብ ልቢ እቶም ውግእን ወረ ውግእን ጽል እን ድኽነትን ዘሳውሩ ነዞም ተከላኻሊ ዘይብሎም ተአፈፍቲ አኅዋትን አኃትን ንንግድን በለጽን ዝጥቀሙን ለውጢ አውርዲ፣ ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ነዞም ስደተኛታት ዝቅበሉን ዝድግፉን ባርኺ፣ እቲ ካብ አምላኽ ተቀቢሎም ንካል ኦት ዘውፍዮ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ከአ ዘር ኢ ናይ ሕውነታዊ ምት እስ ሳርን ወጋሕታ ናይ ሓዲስ ሰላማዊ ዓለምን ይኹነልና፣ አሜን እንክብሉ ዓሚቍ ጸሎት አ ዕሪጎም፣
ቅዱስነቶም አብ ላምፐዱሳ አብ ዝ አተውሉ እዋን ብመዝሙር ዝተቀበልዎም ስደተኛታ ደቂ ሃገርና ነሮም፤ አምላኽ ሰላምን ፍቅርን ሂቡ ንኽባርኽ ከአ ከምዚ ክብሉ ዘሚሮም፣ ቅዱስነቶም ንዝኽሪ እቶም አብ ባሕሪ ዝሃለቁ ሕቋፍ ዕንባባ አብ ባሕሪ አውሪዶም ጸሎት አ ዕሪጎም ሰላምታ ምስ አቅረቡ ካብቶም አብ ኡ ዝርከቡ ስደተኛታት ከአ ነዚ ዚስ ዕብ ሰላምታን ምሕጽንታን ምስጋናን አቅሪቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.