2013-07-18 10:39:27

ብዘይ መስቀል ክርስትና ናብ ዕላማኡ ክበጽሕ አይክእልን፣


አብዚ ሳምንቲ እዚ ካብ ዝንበብ ቃል ወንጌል ክርስቶስ ንተኸተልቱ “መስቀሉ ተሰኪሙ ዘይክተለኒ ንዓይ ዝግባእ አይኮነን” እንክብል ብዛዕባ መስቀል ዘስተምሃሮ ይርከቦ፣ እዚ መስቀል እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ከም ወትሩ ንነፍሲ ወከፍ ካህን ይኹን ም እመን ናይ ግድን ከምዝኾነ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ዝተፈላለየ ግዝያት አምሂሮም ነሮም፣ ወረ ሓደ ጊዜስ ብዘይ መስቀል ዚጓዓዝ ክርስትና አብ ፍርቂ መንገዲ ዝቆመ ክርስትና ኢዩ፣ አይንየው አይነጀው ንማለት ነቶም ንየ ነጀ ዝብሉ ላንጋ ላንጋ ገዲፍካ፣
ቅዱስነቶም አዳዕዲዖም ዝበልዎ ነገር እንተሎ ቤተ ክርስያን ክንብል ከሎና መስቀል ኢና ነስም ዕ እዚ ከአ አብ ጽሩይ ሶፋ ኮፍ ቢልካ ከይትደክም ከይትረስሕ ስኽፍኽፍ ምባል ዘይኮነ አጻቢ ዕትኻ ብሓመድ ናይቲ መስቀል ዝትከለሉ ቦታ መሊኡ አ እዳውካ ብናይ ፍቅሪ ሥራሕ መንጕዲ ክርከብ አለዎ፣ ነቲ አብ አስሓይታ አብ መብ ል ዕ ማል ዝተወልደን አብ ቀራንዮ ዝተሰቅለን ክርስቶስ ምዝካር ከምዘድሊ አብ ቅድስት ማርታ አብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ዝሓለፈ 29 ግንቦት አብ ዝሰበኽዎ ስብከት ከምዚ ቢሎም ነሮም፣
“አብ ቤተ ክርስትያን ምናልባት መሲሉካ ብ ዓወት ምስካር ንኩሉ ጠጠው የብሎ፤ ምናዳኸአ ክርስትያን ተዓዊተ ኢየ ብማለት ክሕበን አብ ዝጀመረሉ ኩሉ ቆይሙ ማለት ኢዩ፣ ተዓዊተ ኢየ በሃሊት ቤተ ክርስትያን አብ ፍርቂ መንገዲ ዝቆመት ቤተ ክርስትያን ኢዩ፣ ካብ ሰማዕትነት እትሃድም ቤተ ክርስትያን አይግድን ምኽንያቱ ንቤተ ክርስትያን ጕዕዞ መስቀላ ንክትቅጽል ዘኽ እልዋ ሰማዕታት ኢዮም፣ ክት ዕወት ጥራይ እትሓስብ ቤተ ክርስትያን ንሕጊ ኢየሱስ ዘንጊዓቶ አላ ማለት ኢዩ ምኽንያቱ ዓወት ናይ ጐይታ በመለኻኽታ እዚ ዓለም እዚ ፍሽለት ውድቀት ኢዩ እዚ ከአ ነገረ መስቀል ኢዩ፣ ስለዚ ነዚ ናይ ህቡብነትን ዓወትን መንፈስ ነርሕቆ እዚ ከአ አብ ኩልና ዘሎ ፈተና ኢዩ፣ ጕዳይ መስቀል ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ነይሁድ ዕንቅፋት ንጽርአውያን ከአ ዕሽኘጥ ኢዩ፣
አብ ዝሓለፈ ዕለተ ሆሳዕና አብ ዘቅረብዎ ስብከት ቅድሚኦም ንዝነበሩ ር.ሊ.ጳ ብምጥቃስ ንጳጳሳት ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣
“ብርግጽ ንስኹም መሳፍንቲ ሰበሥልጣን ኢኹም ኮይኑ ግን ናይቲ ዝተሰቅለ ክርስቶስ ንጉሥ መሳፍንቲ ኢኹም፣ ዘውዲ ናይ ክርስቶስ መስቀል ኢዩ፣ ስለምንታይ ኢየሱስ ንመስቀል ንር እሱ ተቀቢልዎ እንተበልና ንኩሉ ክፍ አትን ርስሓትና ሓጢአትን ናይ ዓለም ናትና ናይ ኩልና ሓጢአት እውን ከይተረፈ ብምሽኻም ብደሙ ይሓጽቦ ብምሕረቱ የጽርዮ ብፍቅሪ እግዚአብሔር የንጽሖ፣ እቲ ኢየሱስ አብ ዙፋን መስቀል ኮይኑ ንኩልና ዘወፈየልና ጽቡቅ ነገርከስ እዚ ኢዩ፣ ብፍቅሪ ዝሓቈፍካዮ መስቀል ክርስቶስ ብምንም ተአምር ሓዘን አይምጽ እን ሓጐስ እንተዘይኮይኑ እዚ ሓጐስ እዚ ከአ ከምቲ ንሱ አብ ዕለተ ሞቱ ዝገበሮ ቍሩብ ነገር ብምግባርን ዝደሓንካ ናይ ምዃን ሓጐስን ኢዩ” ቢሎም ነሮም፣
ነዚ ስግንጢር ዝኾነ ሓሳብ ማለት ነቲ መስቀል ሃንጐፋይ ቢሉ ዝተቀበሎን ዝሓቈፎን ዝተሸከሞን ተጻይ ናይቲ ብርቱዕ ስቃይ ዝኾነ ሓጐስ ይረክብ ንዝብል ክገልጹ ከአ ንተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ተመካርያንን ተመካርያትን ብዕለት 7 ሓምለ አብ ዝገበርዎ ስብከት ከምዚ ቢሎም ነሮም፣
“ሐዋርያዊ አገልግሎትን ስብከተ ወንጌልን በሲሉ ዓቢዩ ክንብሎ እንኽ እል በቲ እትረኽቦ ፍረ ወይ ዓወት አይኮነን ዝምዘን እንታይ ደአ በመለኻኽታ ደቂ ሰባት ፍሽለት ከጋጥም ከሎ ኢዩ እዚ ማለት ከአ አብ አተሓሳስባ ክርስቶስ አቲና ካብ ገዛእ ርእስናን አተሓሳስባናን ወጺ እና ክንውፈን ስነ ሞጎት ፍቅሪ ክንክተል ከሎናን ኢዩ፣ መስቀል ኢዩ ወትሩ መስቀል ክርስቶስ ንመስቀል ምስ ክርስቶስ ክንቅበሎ አሎና ሓንሳብ ሓንሳብ ንመስቀል ብዘይ ክርስቶስ ይህቡና እዚ አይፋል ክንብሎ አሎና ንናይ መስቀል ብስለትን ፍረን ዘውሕሶ ክርስቶስ ኢዩ ከማኡ ከአ ዋሕስ ተል እኮናን ፈርያማነቱን ክርስቶስ ኢዩ” ቢሎም ነሮም፣
እዚ ምናልባት ብሓሳብ ጥራይ እምበር ብግብሪ ዘይትርጐም ከይመስል ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘስተምሃርዎ ቤተ ክርስትያንን ኩሎም ቅዱሳንን ንክልተ ሺሕ ዓመት ዝመስከረዎ ቋንቋ መስቀል ክርስቶስ ቋንቋ ፍቅርን ምሕረትን ይቅረታን ምዃኑ ብ ዕለት 30 መጋቢት አብ ዝመርሕዎ ፍኖተ መስቀል ከምዚ ቢሎም ነሮም፣
“እግዚአብሔር እናፈቀረና ኢዩ ዚመርሓና፣ ፍቅሩ እንተደአ ተቀቢለ ድሒነ ኢየ!ፍቅሩ እንተዘይጠቀቢለ ድሮ ተዀኒነ ኢየ! እዚ ከአ ካብ ኡ አይኮነን ከመይ እግዚአብሔር ወላ ንሓደ አይኵንን ኢዩ ፍቅርን ድሕነትን ጥራይ ኢዩ ዚህብ፣ ቃል መስቀል ነቲ ቍጽርን ስፍርን ስኢኑ ዘሎ እሞ ኸአ ወትሩ ከየዕረፈ ዝፈታተነና ክፍአተ ግብሪ ናይ ዓለምና መልሲ ኢዩ” ቢሎም ነሮም፣
ንመንእሰያት እውን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብ ዕለተ ሆሳዕና ማለት 24 መጋቢት ተመሳሳሊ መልእኽቲ አመሓልሊፎም ነሮም፣“ክርስቶስ ክሳብ መስቀል ዘፍቅር ንጉሥ ኢዩ፣ ን አና ከአ ንከነገልግልና ንኸነፍቅርን ይምህረና፣ ንስኹም መንእሰያት ከአ ብመስቀል አይትሕፈሩ! እኳ ደአ ሕቈፍዎ! ከመይ ንርእስኻ ብምውፋይ ካብ ገዛእ ር እስኻ ብምውጻእ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ክት ዕወት ከምዝከአል ንሱ ምሂሩና ኢዩ፣ እቲ ሓቀኛ ሓጐስ ከአ አብ ኡ ኢዩ ዝርከብ፣ ነዙይ አብ ጕዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ዘሎ መስቀልከስ ንስኹም መን እሰያት ናብ ኩሉ ዓለም አብጽሕዎ፤ አብ ኩሉ መንገድታት አብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም አብጽሕዎ፣ ነዙይ እትገብርዎ ከአ ነቲ ጐይታ “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ መሓሩ ንኩሎም ከአ አርድ እተይ ግበርዎም” ንዝብበሎ ጸዋዕታ አዎንታዊ መልሲ ብምሃብ ኢኹም አብ ግብሪ እተው ዕልዎ፣ ስለዝኾነ ከአ ናይ ሎምዘመን ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት መሪሕ ሓሳብ እዚ ጻውዒት እዚ ኢዩ” ቢሎም ከምዝነበሩ ይዝከር፣







All the contents on this site are copyrighted ©.