2013-07-13 11:39:52

ጴጥሮስ ወጳውሎስ


“ሰላም እብል ክልኤተ ብርሃናተ፥ በዓውደ ንጉሥ ኔሮን እለ ፈጸሙ ሩጸተ፥ ጳውሎስ ወጴጥሮስ እንዘ ይጸውሩ ጸበርተ፥ አሓዱ በመስቀል ተሰቅለ ቍልቍሊተ፥ ወአሐዱ ተመትረ ክሣዶ ክብርተ”።
ንባባት፡2ጥሜ 4፡6~18፥ 2ጴጥ 1፡12~19፥ ግ.ሓ. 12፡`~12፥ ማቴ 16፡13~19
ስብከት፡ወበኅቤየሰ ፈድፋደ ክቡራን አዕርክቲከ እግዚኦ፥ ወደድፈደ ጸንዑ እምቀደምቶሙ እኄቆሙ ወእምኆፃ ይበዝኁ” መዝ 139፡17~18።
    ድምፆም ናብ ኩላ ምድሪ፥ ቃላቶም ድማ ኽሳብ ኵላ ዓለም በጽሐ። መዝ 19፡4

ሎሚ ፍሉይ ሓደ ካብ ብዓላት ቤተ ክርስትያን ነብዕል አሎና። ናይ ክልተ ብአዕማድ ቤተ ክርስትያን ዝፍለጡ ጴጥሮስን ጳውሎስን። አብዞም ክልተ ሓዋርያት ምቛም መንግስቲ አምላኽን ንተልእኮ ክርስቶስ አብ ኩሉ ዓለም ከብጽሑ ብምሉእ ተወፋይነት ዝፈጸሙ ኢና እንርኢ። ጴጥሮስ ንቤተ ክርስትያን ካብ መንጎ መጓሰ እስራኤል አተንሲእዋ፥ ጳውሎስ ከአ ንመጸዋዕታ አምላኽ አብ ኩሉ ዓለም አብጺሕዎ። ክልቲኦም በብናቶም መገዲ ንሓንቲ ስድራ አምላኽ አብ ሓደ መአዲ ከም እትጽመድ ገሮም። ነፍስወከፎም ክልተ ዝተፈላለየ መገዲ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን አብ ዓለም ይገልጹ።
ጴጥሮስ ናይ ቤተ ክርስትያን ሰላም ቅሳነት ይውክል። ንሱ ካብ መጀመርያ ነቲ ትውፊት ቤተ ክርስትያን አብ ካልኦት ዓቂቡን አመሓላሊፉን። እዚ ትውፊት ዘየቋርጽን ነቲ ኩሉ ዓምዲ እምነት ዘመሓላልፍን ዝዕቅብን እዩ። እዚ ምዕቃብ ትውፊት ንሓድነት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ተራ አበርኪቱ፥ አብ ኩሉ ዓለም ሓደ መልክዕን እምነትን ለቢሱ ክበጽሕ ሓጊዙ።
ሎሚ ጴጥሮስ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተወኪሉ ይርከብ፥ ንሶም ምልክት ሓድነትን ቀጻልንትን እዮም። ብዙይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ አብ ብዙሓት ካብ ቤተ ክርስትያን ዝተፈንጨሉ ዝርአ ዘሎ ምምቓላት ከይተፈናጨለት አብ ምሉእ ዓለም ሓንቲ ኮይና ትነብር አላ። ብዙሓት ካልኦት ክርስትያን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወይ ጴጥሮስ ተራ አብ ሓድነት ቤተክርስትያን ክርእዩ ክኢሎም አለዉ፥ በዚ ኸአ ከመይ ገርካ ሓድነት ኩሉም ክርስትያን ክፍጠር ከምዝክአል የናድዩ አለዉ። ጵጥሮስ እምብአር ምልክት ናይ ሓድነትን ቀጻልነት ትውፊትን እዩ።
ጳውሎስ ብአንጻሩ ንኻልእ ተራ ቤተክርስትያን ይውክል፥ ነቢያውን ሓዋርያውን ተልእኮ። እዚ ክፍሊ ቤተ ክርስትያን አብቲ ዶባት ወይ መጨረሽታ ወሰናስን ኮይኑ ነቲ ዶባት እናጠሓሰት ንተልእኮአ አብ ኩሉ ዘግፍሕ እዩ፥ ቤተ ክርስትያን ብጆግራፊካዊ ዶባት ተሓጺራ ከይትተርፍ አብ ኩሉ ተልእኮአ ከም እተብጽሕ ዝገብር እዩ። ጳውሎስ ወካሊ ናይ ኩሎም ንተልእኮ ክርስትና አብ ኩሉ ዘብጺሑ ንብርሃን ክርስቶስ ክልብሱ ዝሕግዙ ልኡኻት ዝውክል እዩ። እዚአ ቤተ ክርስትያን እያ ኩሉ ጊዜ ክትሕደስን ክትሕድስን እትነብር። ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ክአ በቲ አብ ከባቢአ ንዘሎ ብምዕዛብን አካሉ ብምዃንን እዩ ዝመጽእ። ዓለምና ከም እንርእዮ ዘሎና እናቐየረት እያ ካብ እዋን ናብ እዋን ሓዲስ ለውጢ ንርኢ አሎና። ሓዲስ ተክኖሎጂ ጥራሕ ዘይኮነ ሓደስቲ ሓሳባት እውን ይርአዩን ይመጽኡን አለዉ። አብዚ እዋን እምብአር ሕመረት እምነትና ብሓዲስ አገባብን አገባብራን ክግለጽ እዋኑ እዩ። ሓደ ምሁር ትምህርተ መሎኮት ከም ዝበሎ “ዓለም እያ ናይ ቤተ ክርስትያን አጀንዳ እተሰንዱ” ይብል። እዚ ክብሃል እንከሎ ቤተ ክርስትያን ነቲ ናይ ዓለም መገዲ ክተጽድቕ አልአ ማለት አይኮነን፥ ብአንጻሩ እዩ። ናይ ቤተ ክርስትያን ስብከተ ወንጌል ምስቲ ህዝቢ ዝምልሶ ወይ ህዝቢ ዝብሎ ክሰማማዕ አለዎ። አብ ገለ እውን ነቲ ዝአረገ አገባብራን መገድን ጥራሕ ምሓዝ ጕድአቱ ይበዝሕ። ቤተ ክርስትያን ግልጽቲ ክትከውን እንተ ኾይና፥ ትርጉም ብዘለዎ እናነገረት ክትቅጽል እንተ ኾይና ጥራሕ እያ ነዛ እትጎዪ ዘላ ዓለም ክትቅይራ እትኽእል። በብእዋኑ ንርእሳ እናሓደሰት ነቲ ዘሎ ሓዲስ ፍልጠትን አገባብራን ክጥቀመሉ ይግባእ። ከምቲ ጉባኤ ቫቲካን ካልአይ ዝብሎ “ ቤተ ክርስትያን ናይ እዋና ምልክታትት አንቢባ ክትክእል አለዋ” ይብል። እተመሓላልፎ መልእኽቲ፥ እትጥቀሞ ቋንቋ፥ ናይ ውሽጣ አሰራርዓ፥ መልእኽታ እተመሓላልፈሉ መገዲ፥ ምስ ዓለም አብ እትገብሮ ዘተ ኩሉ ምስ ግዚኡ ዝኸይድ ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ ተሓድሶን ተቐባልነት ስብከተ ወንጌል ዝመጽእ። ዓለም ንኹሉ ቤተ ክርስትያን እትብሎ አይትቕበሎን ትኸውን ግን ክትርድኦን ብአኡ ክትተባባዕን አለዋ።
ሓደስቲ ብድሆታት ናይ ዘመና፡
እዛ ምቅይያር ጥራሕ ዝመልኣ ዓለም ሓደስቲ ብድሆታት ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንታይ ምዃኑ ተቕርበልና። እዛ ተለዋዋጢት ዓለም ሓደስቲ ግድላት፥ ሓደሲ መልክዕ ድኽነትን ዘይፍትሕን፥ ምዝመዛን ፍልልያትን፥ ነጻነት ዘይምህላውን ናይ ሰላም ስእነትን ኩሉ ግድላት እያ እተምጽእ ዘላ።
እምብአር ሓዲስ አገባብ ስብከትን ምስክርነት ንሓቅነት ወንጌልን፥ ንፍቕርን፥ ንፍትሕን፥ ንሰላምን ክህሉ አለዎ። አብዚ ነቢያዊ ተራ ቤተ ክርስትያን አብ መሰረት ትውፊትን ቀጻልነቱን ዝተመስረተት ዓቢ ተራ ክትጻወት ይክአል። አብዚ ኽልተ ነገራት ክነስተውዕለሉን ክነጽጎን ዝግብአና አሎ፥ አብ ዝሓለፈ ነገራትን ታሪኽን ጥራሕ አተኲርካ ንዘሎ ሓዲስ ነገር ምንጻግ ወይ ንዝሓለፈ ባህልን ትውፊትን ጨሪሽካ ሓዲግካ አብ ሓደስቲ ነገራት መሰረት ዘይብሎም ምትኳር። ብዙሓት ካባና ጸገም ምስ ተጓነፎም ወይ አብቲ ዝሓለፈን ዝአረገን ባህልን ጥራሕ የተኩሩ እሞ ጭውዝበሉ አኽረርቲ ይኾኑ ወይ ከአ ነቲ ዝነበረ ኩሉ ሓዲጎም አብ ሓዲስ ይአትዉ። እዚ ክልቲኡ ንቤተክርስትያን ይኹን ንሕብረተሰብ ጥቅሚ የብሉን።
አብ ጉዕዞና አምላኽ ምሳና አሎ፡
ናይ ሎሚ ንባባትና ህላዌ አምላኽ አብ ኩሉ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ይገልጹልና። ናይ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ከም መስሕን ክርስቶስን መድኅንን ምእማን አብ ናይ እታ ዝምስርታ ቤተ ክርስትያን መሰርት ከምዝኸውን ገርዎ። ብጴጥሮስ ገሩ ንቤተ ክርስትያኑ ዋሕስ ብዝኾነ ዓንቃፊ ሓይሊ ከምዘይትስዓር አረጋጊጽዋ። ንጴጥሮስ ከም ወኪሉ መጠን ምሉእ ውክልናን ስልጣንን ከምቲ ንሱ ካብ ሰማያዊ አብኡ ዝተዋህቦ “መፋትሕ መንግስቱ” ሂብዎ። አብ ዝሓለፈ ዘመናትን ወላ እውን አብ ዘመና እንተ ረኤና ብዙሓት ንቤተ ክርስትያን ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍእዋ ካብ ውሽጣን ካብ ወጻእን ፈቲኖም እንተኾነ ሳላ እቲ ኢየሱስ ዝሃባ ተስፋን ጸጋን አይጠፍአትን ብአንጻሩ እኳ በዚሓን አብ ኩሉ በጺሓን ትርከብ። ክሳብ አብቲ ንሱ ዝሃባ መምርሒ ብእምነት ጸኒዓ ክሳብ ዝቐጸለት እሞ እሞ ነቶም ካብ አምላኽ ዝመጹን ዝውሃቡን መምርሒታት እቶም ወድሰብ ብልቡ ኩሉ ጊዜ ዝምነዮም ስለ ዝኾኑ አይክትጠፍእን እያ። ሓቅን ፍቕርን ብዝኾነ ሓይሊ ክጽቀጣ አይክአልን እዩ።
ንዝክአል ነገር ጥራሕ ምግባር፡
አብ ግ.ሓ. ከም እነንብቦ ጴጥሮስ ንመልእኽቲ ክርስቶስ አብ ቤተ መቕደስ አብ ባይቶ አብ ኩሉ ስለ ዝሰበኸ አብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ። ከምኡ ጳውሎስ አብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ዝተአስረ “ቃል አምላኽ ክእሰር አይክአልን” እዩ ዝብል መንፈስ አሕዲሩ ንኹሉ ጸበባ ተቐቢሉ። ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስወጸ አብቲ ንሱ ክገብሮ ዝኽእል ናይ እቲ ዘፍቅሮ መምህሩ መልእክቲ ክሰብኽ አብ ኩሉ ወፊሩ። ናይ ጴጥሮስ ተአምራታዊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእ አምሳል ናይ እቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዝገብሮ ሓለዋ እዩ። አብ ጊዜ ፋሲካ አይሁድ ምፍጻሙ ፍሉይ ምልክት አልኦ ማለት አብቲ ኢየሱስ ዝተታሕዘሉን ዝተሳቐየሉን እዋን ብምዃኑ ፍሉይ ትእምርቲ አልኦ።
ብጽቡቕ ዝሓለፈ መውዕል/ሕይወት፡
አብ ቀዳመይቲ ንባብ ጳውሎስ እናአምስገን ሕይወቱ ከመይ ገሩ አብ አገልግሎት ጎይታ ከም ዘሕለፈ ይነግረና። “ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ፥ ጕያይ ወዲአ እየ፥ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ” (2ጢመ 4፡6~8) ይብል። ኩላትና አብ መወዳእታ ሕይወትና ነዘን ቃላት ጳውሎስ ክንብለ እንተ ንኽእል ክንደይ መተዓወትና። ጳውሎስ አምላኽ አብቲ ጊዜ ጸበባን ስደትን መከራን ከመይ ገሩ ከምዝሓለዎ ክዛረብ እንከሎ፥ “እቲ ወንጌል ብምልአት ብአይ ምእንቲ ክስበኽ ኵሎም አሕዛብውን ምእንቲ ክሰምዕዎ ግና ጎይታ ምሳይ ኮይኑ አበርትዓኒ ካብ አፍ እነበሳውን አናገፈኒ” (ኁ 17) ይብል። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ከምዝሕልዎ ይፈልጥ ግዚኡ ምስአኸለ ኸአ ከምዝ ዝጽውዖ ይፈልጥ እዩ።
ፍቕሪ ጳውሎስ ንኢየሱስ ክንርእዮ ክአሎና ብኽልተ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል፥ ሓደ ብሕይወቱ ክጸንሕ እሞ ንመንግስቲ አምላኽ አብ ኩሉ ከብጽሕ ክሰብኽ ህርፋንን ጽምእን ከም ዘልኦ ይርአ፥ ብኻልእ መገዲ ኸአ አብ ሓጺር እዋን ክመውት እሞ ምስ ኢየሱስ ምስቲ ዘፍቅሮ ጎይትኡ ሓቢሩ ክነብር ዝደሊ ይመስል። አብ ሓደ እዋን ከምዝበሎ “ንአይ ሕይወት ምስ ክርስቶስ እዩ ምማት ዓወት ወይ መኽሰብ እዩ” ይብል። ብኽልቲኡ መገዲ ንሱ ምስ ዘፍቅሮ ጎይትኡ እዩ ዘሎ።
ነዚ በዓል ክነብዕል ከሎና አብቲ ን2000 ዓመት ተዓቂቡ ዝመጸና ትውፊትን እምነትን ጸኒዕናን እናነበርና ግን ከአ አድላዪ ለውጥን ከምኡ ንዘሎ ኩነታት ካብ እምነት ብዘየርሕቐና መገዲ ምስ እምነትና ክነውሃሃድ እናጸዓርና ንንበር። ከምዚ ክንገብር እንከሎና መልእኽቲ ክርስቶስ ሕያው ኮይኑ ውጺኢት ብዘለዎ መገዲ አብቶም ጽምእን ጥመትን ንሓቂ ንፍቕሪ ንዘመናት ክቅይሮም ዘይከአለ ክመሓላለፍ እዩ።
ሎሚ ምእንቲ መላእ ቤተ ክርስትያን ክንጽሊ ይግብአና፥ ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሓድነት አቦ ንኹሎም ክርስትያን ክኾኑ ክንጽሊ ይግብአና፥ ምእንቲ አብ እምነቶም ጸኒዖም እንከለዉ ሓደስቲ መገድታት እናረኸቡ ንጸግማት ህዝበ እግዚአብሔር ዝሕግዙ፥ ምእንቲ እቶም እምነቶም ክነብርዎ ጸገም ዝጓነፎም ንጸሊ፥ ምእንቲ ቍምስናን ብፍሉይ አብ እምነት አቦታትና እሙናት ክንከውን እሞ ሓቀኛታት ሓዋርያዊ መንፈስ ሃልይና ንክርስቶስ ፍረ ብዘለዎ አብ መንጎ እቶም ምሳና ዝነብሩ ክንሰብኮ ንጸሊ።
ብኻልእ አዘራርባ እንታይ ዓይነት መርኃ ግብር እዩ አብ ከባቢና ዘሎ ሕብረተሰብ ንቤተክርስትያና ንቍምስና ዘቕርበልና ዘሎ። በቲ ዘሎ ኩነታት ካብ ቤተ ክርስትያን ክንርሕቕ ዘይኮነ ብዝያዳ መጋበሪ ድኅነትና ክንገብሮ እሞ አብ ምምስካር ክርስቶስ ክሕግዘና ንጠቐመሉ።
ጴጥሮስን ጳውሎስን ከም ኩልና ጉድለት ድኽመት ነርዎም እዩ ክልቲኦም ካብ ክርስቶስ ዝረሓቑሉ እዋን ነርዎም እዩ እንተኾነ አብቲ ዝወደቕዎ አይተረፉን አብ ክርስቶስ ተመሊሶም ክልቲኦም ብደሞም ንኢየሱስ መስኪሮሞ። ደሞም ንቤተ ክርስትያን አጽኒዕዋ አብ ኩሉ ከምእትበጽሕ ገርዋ። ሎሚ ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን ሰብኽቲ ወንጌል ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ሞት እውን ንእምነትና ክንውፈ ከምዘሎና ክንሓስብ ይግባእ። ደም ሰማዕታት እዩ ማይ ሕይወት ኮይኑ ንቤተ ክርስትያን ዘዕብያን ዘደልድላን እሞ ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን እምነትና ሕያው ንግበሮ።
አዕማድ ቤተ ክርስትያን ጴጥሮስን ጳውሎስን አሰርኩም ክንክተል ነቲ እተፍቅርዎ ጎይታኹም ጽንዓት ክህበና ክንምስክሮ ከብርሃልና ለምኑልና ንበሎም።
ብሩኽ ዓውደ ዓመት ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.