2013-07-10 12:12:24

ዜና ዕረፍት


ጥቀ ክቡር አባ ገብርኤል እስጢፋኖስ አብ መበል 85 ዓመት ዕድመኦም ትማል ሰሉስ 09.07.2013 ብሕማም አብ አሥመራ ዓሪፎም፣ ነፍሰ ኄር አባ ገብርኤል አብ ረድዮ ቫቲካን ክፍሊ ትግርኛን አምሓርኛን ኃላፊ ኮይኖም ንሾመንተ ዓመታት ዘገልገሉ ኮይኖም ብ23 ጥሪ 1928 ዓም አብ ሽናራ ኤጳርቅና ከረን ተወልዱ፣ ካብ ምስጉናት ሥድራ እስጢፋኖስ ህያቡ በዓል ደቂ ሸሓይን ተመርጻ አሚነ በዓልቲ መለዛናይን ተወልዱ፣ ካብ ሾመንተ አሕዋት ካልአይ ነበሩ፣ ስድራ ቤቶም ንአገልግሎት አምላኽ ስለ ዘወፈዩዎም አብ ክልል ኪዳነ ምሕረት አሥመራ ብመንፈሳውን ማኅበራውን ትምህርቲ ተዀስኵሶም ከምዝዓብዩ ገበሩ፣ ዘመናዊ መባእታ ትምህርቲ ጣልያን ክሳብ 5ይ ክፍሊ አብ ናይ አሥመራ ቤት ትምህርቲ ቪቶርዮ አማኑኤል 3ይ ተማህሩ፣
ብ1943 ዓምፈ ናብ ዘርአ ክህነት ከረን አተው፣ አብኡ ናይ ካልአይ ደረጃ ትምህርቶምን ትምህርቲ ፍልስፍናን ንባበ መለኮትን ተማህሩ፣ ብ8 ታሕሣስ 1949 ዓምፈ ምስ ክልተ ብጾቶም ትምህርቲ ዪኒቨርሲቲ ንምቅጻል ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን ተላእኩ፣
ብ23 ኅዳር 1956 ዓምፈ ብኢድ ብፁዕ አቡነ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ አብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፣
ካብ 1958 ክሳብ 1962 ዓምፈ ናይ ሕጊ ቆኖናን ሲቪላዊ ሕግን ናይ ዶክተረይት መዓርግ አመስከሩ፣ ብ12 ስነ 1962 ዓምፈ ናይ ሰበኻ አሥመራ ጳጳስ ናይ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ብፁዕ አቡነ አብርሃ ፍራንስዋ ወግዓዊ ጸሓፌ ትእዛዝ ተሾሙ፣
ብ7 ጥሪ 1963 ዓምፈ ካብ ሮማ ነሥመራ ተመሊሶም ብንኡድ ተወፋይነት ግብረ ክህነቶም አሰላሰሉ፣ ብወርሒ መጋቢት 1974 ዓምፈ ናይ ሕገ ቆነና ዓለም ለኻዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ኮሚሽን አባል ተሾይሞም ንብዙሕ እዋን አገልገሉ፣
አባ ገብርኤል ካብቲ ንወትሩ ብአድናቆት ዚዝከሩሉ ጕዳይ ሓደ ምዕባለ ትምህርቲ ቍምስናታት ሰበኻ አሥመራ ኢዩ፣ ናይ ብፁዕ አቡነ አብርሃ የማናይ ኢድ ኮይኖም ብዙኅ እናተወናጨፉ ከቢድ መሥዋዕቲ ዝኸፈሉ ካህን ኢዮም፣
ከም ናይ ጳጳስ አሥመራ ጸሓፌ ትእዛዝ መጠን አብ ጕዳይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብነታዊ ተልእኮኦም ከምዘወፈዩ ብቐረባ ዝፈልጥዎም ሰባት ይምስክሩ፣
ብምኽንያት ሽምግልናን ዋሕዲ ጥ ዕናን ነሥመራ ክሳብ ዚምለሱ ንሾመንተ ዓመታት ናይ ረድዮ ቫቲካን ክፍሊ አምሓርኛን ትግርኛን ኃላፊ ኮይኖም አገልግሎቶም አወፈዩ፣
አምላኽ ን ዓኦም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንቤተሰቦምን ንፈተውቶምን አብነቶም ንዚኽተሉ ቤተ ክህነትን ጽንዓት ይሃብ፣ አሜን፣
አባ ቡሩኽ ወልደጋብር
ገዳም ቫልቪሾም ዘሲታውያን
ላቲና ኢጣልያ
10 ሓምለ 2013 ዓምፈ








All the contents on this site are copyrighted ©.