2013-07-10 09:58:18

ምብጻሕ ር ሊ ጳ ፍራንቸስኮ ደሴት ላምፐዱሳ ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ አብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዞና ሲቺልያ አብ ደሴት ላፐዱሳ ሐጺር ግን ክአ ዉዕዉዕን ዓቢ ትሕዝቶ ዝሐዘለን ምብጻሕ አካይዶም ። ዝሐለፈ ወርሒ መጋቢት ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ዝስየሙ ቫቲካን ክወጹ እዚ ናይ ትማሊ ናይ መጀመርያ ግዚኦም ኢዩ ኔሩ ።
ፓፓ ፍራንቸስኮ ደሴት ላምፐዱሳ ምስ አተዉ አብ ሲቺልያ ናይ ከተማ አግሪጀንቶ ብጹዕ አቡነ ፍራንቸስኮ ሞንተ ነግሮ ከንቲባ ጁሰፒና ኒኮሊኒ ብዙሐት ውሉደ ክህነት አፍሪቃውያን ስደተኛታትን ተቀማጦ ደሴት ላምፐዱሳን ብጠቃዒትን ብዕልልታን ብሐጎስን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎሞም ።
ፓፓ ፍራንቸስኮ ደሴት ላፐዱሳ ዝበጽሕሉ ምኽንያት ቅድሚ ዓሰርተ ሐሙሽተ ዓመታት ጀሚሩ ብዝተፈላለየ ፖሊትካውን ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ምኽንያት ሀገሮም ወለዶምን ስድርኦምን ንብረቶምን ጠንጥኒኖም ማእከላይ ባሕሪ አቋሪጾም ደቡባዊ ጣልያን ክሊ ሲቺልያ ክአትዉ ዝሀቀኑ በሽሐት ዝቁጸሩ አፍሪቃውያን አብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝተረፉ ክፍለጥ እንከሎ ፡ ምእንቲ”ቶም ሕይወቶም ዝስአኑ መሳኪን አፍሪቃውያን ክጽልዩን ምስቶም ዕድሎም አጸቢቂሎም ብድሐን ዝአተዉ ንኽራከቡን ከምኡ ክአ ሕልና ሰባት ንምቅስቃን ነቶም ሰብአዊ ረድኤት ዝገብሩን ምስቶም ስደተኛታት ዝተሐባበሩን ንምምስጋን ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።
ቅዱስ አቦናርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ቅድሚ ደሴት ላምፐዱሳ ምብጽሖም አብ ገምገም ባሕሪ ምእንቲ”ቶም አብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ አፍሪቃውያን ስደተኛታት ሕቁፍቲ ዕምባባ አብ ባሕሪ አቀሚጦም እግዚአብሔር አብ መንግስተ ሰማያቱ ክቅበሎም ጸልዮም ። ዝሐለፈ ዓመት 2012 ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብስንኩፋት ጀልባታት ላምፐዱሳ ክአትዉ ዝፈተኑ 500 ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑአብ ዝሕለፈ 15 ዓመታት አብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ አፍሪቃውያን ብ18 ሺሕ ከም ዝግመቱ ይምልከት ። አብዚ ግዜ”ዚ ካብ ሰሜናዊ አፍሪቃ ካብ ሊብያ ቱኒስያ ጣልያን ዝአትዉ ስደተኛታት ቁጽሮም እናውሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕለፈ ረቡዕ ለይቲ ልዕሊ 210 ስደተኛታት አብ ማእከላይ ባሕሪ ንሕደጋ ተቃሊዖም ብባሕረኛታት ሞልታ ከም ዝድሐኑ ትማሊ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደሴት ላምፐዱሳ ምእታዎም 165 አፍሪቃውያን ስደተኛታት ደሴት ላምፐዱሳ ከም ዝአተዉ ይምልከት ።
ደሴት ላምፐዱሳ ካብ ቱኒሲያ ብ113 ኪሎሜትር ከም ዝርሕቅ ክምለክት ከሎ ጠባይ አየር ጽቡቅ እንተኾይኑ ብቀላሉ ናብታ አፍሪቃን ኤውሮጳን ተዳውብ ንደሴት ላምፐዱሳ ብቀሊሉ ክብጻሕ ከም ዝካአል ይፍለጥ ትክእል ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ትማሊ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ደሴት ላምፐዱሳ ዝገበርዎ ምብጻሕ ናይ ጣልያን መራኸቢ ብዙኀን አቅሊቦምሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ ። አብ ጣልያን ዳይረክተር ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ክሪስቶፈር ሃይን ከም ዝገለጽዎ ምብጻሕ ፓፓ ፍራንቸስኮ ደሴት ላምፐዱሳ ጉዳይ ስደተኛታት አፍሪቃውያን ኤውሮጳ ሐቆፍ ትኩረት ክረኽብ ዝሕግዝን ሰባት አብ ልዕሊ ስደተኛታት ርሕራሔን ከርእዩ ንክተሐባበሩ ዝደፋፍእ ስለ ዝኾነ አዝዩ አገዳሲ ኢዩ።ናይ ዩኒሰፍ ጣልያን አብ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ንሕጽናት ዝቆመ ትካል ዋና ሐላፊ ጂያኮሞ ጐረራ ብወገኖም በምእት ዝቁጸሩ ሕጽናትን ነፍሰ ፆር ደቀንስትዮን አብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝተረፉ አዘኻኺሮም ፡ ነቶም ሕይወቶም ዝስአኑን ነቶም ዘለዉን ሰብአዊ ክብሮም መሊሱ ዝህብ ከም ዝኾነ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ደሴት ላምፐዱሳ ዝገብርዎ ምብጻሕ ንመለስ እሞ ፡ አብታ ደሴት ናብቲ አረና ዝጽዋዕ ቅርዓት ስፖርት ተጓዒዞም ብ15 ሺሕ ዝግመት ህዝቢ አብ ዝተረኽበሉ ብፓፓሳት ካህናትን ሲቺልያ ተሰንዮም መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም። ፓፓ ፍራንቸስኮ ስብከቶም ክጅምሩ እንከለዉ ስለምንታይ ደሴት ላምፐዱሳ ክበጽሑ ከም ዝደለዩ ከብርሁ እንከለዉ ፡ አፍሪቃውያን ስደተናታት አብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝብል ዜና ክሰምዕ ከለኹ አብ ልበይ እሾክ ከም ዝወግአኒ ተሰሚዑኒ ጉዕዞ ተስፋ ጉዕዞ ሰላም ዝተሐስበ ጉዕዞ ሞት ምኻኙ ብዙሕ አሕዚኑኑ ኢሎም። ስብከቶም አተሐሒዞም ፡ ናብ ደሴት ላፐዱሳ መጺኤ ክጽሊ ምልክት ቅርበተይ ክገልጽ አብ ልዕሊ”ዚ ክአ ከምዚ ዓይነት መቅዘፍቲ እንደገና ምእንቲ ከይድገም ሕልናና ንምንቅቃሕ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ ። ተቀማጦ ደሴት ላምፐዱሳ ንከንቲባን ንሊቀ ጳጳስ አግሪጀንቶ ንብጹዕ ፍራንቸስኮ ሞንተ ነግሮ ክአ ነቲ ዝገብርዎ ሰብአዊ ረዲኤት አመስጊኖም።
ፓፓ ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ደሴት ላምፐዱሳን ከባብን ዝርከቡ አመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ነቲ ትማሊ ምሸት ዘተጀመረ ራማዳን ዘኪሮም ኩሉ ሰናይ ተመንዮምሎም። ናይ ዕለቱ ንባብ መጽሐፍ ቅዱስ አልዒሎም አብ ዝኾነ ይኹን ክፍላተ ግዜ ሕልና ሰብ ዘለዓዕል እግዚአብሔር ንቃኤል ሐውኻ አበይ አሎ ኢሉ ዘሐተቶ ዘኪሮም ሰብ ምስ ሐጥኤ ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ከም ዝሐስብ መአዝኑ ከም ዘጥፍእ ኩሉ ክቁጻጻር ዝኽእል ከም ዝመስሎ ፡ ሕልፍ ሐሊፉ ቦታ እግዚአብሔር ሀረር ከም ዝብል አገንዚቦም። ስብከቶም ብምትሕሐዝ ኩልና ንዓይ ወሲኹም እግዚአብሔር ዝፈጠሮ ነገር ክንዕቅብ አይክአልናን ነዛ ንነብረላ ዓለም ክንጥንቀቀላ አይክአልናን መአዝን ምስሐት እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና መቅዘፍቲ የኸትል እዮም ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ። ቀጺሎም እቲ እግዚአብሔር ንቃኤል ሐውኻ አቤል አበይ አሎ ኢሉ ዝሐተቶ ሕቶ ንኹልና ዝምልከት ኢዩ ጥዑማት ሕዝበ ክርስትያን ኢሎም። ስብከቶም ብምትሐሐዝ ፡ እቶም ናብዚ ዝስደዱ አሐትናን አሕዋትናን አፍሪቃውያን ካብ ሕማቅ ኩነታት ተአልዮም ሰላምን ቅስነትን ዝደልዩ ዝንበሩ እሞ ናይ ሞት መቅዘፍቲ ከጋጥሞም ከሎ ክንደይ የሕዝን ብማለት ክአ ሰቢኾም እቶም ብሕይወቶም ዝተረፉ ክአ መስተንግዶን ምትሕብባርን ተቀባልነትን ክስእኑ እንከለዉ አውያቶም ናብ ንእግዚአብሔር ከም ዝበጽሕ አገንዚቦም። ስብከቶም ብምትሕሐዝ ክአ ፡ ናይዞም አብ ባሕሪ ጢሒሎም ዝተረፉ አሐትናን አሕዋትናን መን ኢዩ ሐላፍነት ዝወስድ ኢሎም ይሐቱሞ ፡ ኩልና አነ አይኮንኩን እንድዒ ኢልና ንምልስ እግዚአብሔር ግን ደም ሐውኻ አበይ አሎ አውያቱ ናባይ በጺሑ ኢሉ ንኽልና ከም ዝሐተና ክንርዳእ ይግባእ ኢሎም ።አብዚ ዓለም”ዚ ናይዚ ጉዳይ”ዚ ሐላፍነት ዝወስድ የልቦን ምኽንያቱ ናይ ሕውነት ስምዒት ስለ ዘጥፋእና ቃል ፓፓ ፍራንቸስኮ ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብዚ ትማሊ ረፍዲ አብ ክሊ ሲቺልያ ደሴት ላምፐዱሳ አብ አረና ቅርዓት ስፖርት ዝፈጸምዎ ሥርተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት አተሐሒዞም ፡ አብዚ ሕጂ ንነብረሉ ዘለና መዋዕል ፡ ባህሊ ንዋታዊ ጸጋ ሀብቲ ስለ ዝሳዕረረ ሰብ ንርእሱ ጥራሕ ይሐስብ ናይ ካልኦት ስቃይ ሽግር አውያት አይሰምዕን ። እዚ ህሉው ዓለም ለኸ ኤኮኖምያዊ ጥምረት “ዚ ንሰብ ናብ ዓለም ለኻዊ ሸለልትነት ከም ዝወድቅ ጌርዎ ብማለት ሰቢኾም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስብከቶም አተሐሒዞም ፡ ነዞም አብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ አሐትና አሕዋትናን መን በኪሎም ፣ ተመኩሮ ወይ ክአ ባህሊ ብኽያት ዝረስዔ ሕብረተ ሰብ ስለ ዝኾና ባህሊ ሸለልትነትን ንዓይ ይጥዓመኒን ስለ ዝዓብለለና ቃል ፓፓ ፍራንቸስኮ ። አብ መወዳእታ ስብከቶም ክአ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሸለልትነትናን አብዚ ዓለም”ዚ ንዝርኤ ጭካኔን ክምሕረና ንጸሊ ኢሎም ንጠቀማጦ ደሴት ላምፐዱሳን ከባብን ንቤተ ክርስትያን ሲቺልያ አመስጊኖምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም በዚ ክአ ናይቲ ሥርዓተ ቅዳሴን ምብጻሕ ደሴት ላምፐዱሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፍጻሜ ኮይኑ ድሕሪ ቀትሪ ክአ ብሰላም ናብ መንበረ ሐዋርያ ተመሊሶም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ሐደ ዖማር ዝተባህለ ዜጋ ቱኒሲያ ብ2011 ማእከላይ ባሕሪ አቋሪጹ ደሴት ላምፐዱሳ ዝአተወ አብታ ደሴት ዝነብር መንእሰይ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዚምልከት ዘለዎ ትዕዝብቲ ተሐቲቱ ክምልስ እንከሎ ፡ አብ ገጽን አዕንትን ፓፓ ፍራንቸስኮ ካብ ቀደም ከም ትፍልጦምን ሐደ አነ ክርስትያን አይኮንኩን አስላማይ አይኮንኩን ንኹሉ ዝፍቅር ሰብ ኢየ ዝብል ስእሊ ርእየ ኢሎም ።
ካብ ፓፓ ፍራንቸስኮ እንታይ ተስፋ ትገብር ንዝብል ሕቶ ዖማር ክምልስ አንከሎ ብዙሕ ተስፋ አለኒ ምኽንያቱ እቲ ዘፍቅር ኩሉ ግዜ ስለዝዕወት ክብርን ሐኛናሰብ ንጹሕ ልቢን ነፍስን ዘለዎ ሰብ ይዕወት ፓፓ ፍራንቸስኮ ብዙሕ ነገር ክገብሩልና ኢዮም ተስፋ አለኒ ክብል ገሊጹ ።
ስለዚ ፓፓ ፍራንቸስኮ ንህዝበ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮኑስ ነስላም ከይተረፈ አድላይነቶም አዝዩ አድላዪ ኢዩ”ዶ ትብል ዖማር ብርግጽ ንሶም ከምዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ንጽበዮም ዝነበርና ካብ ሰመይ ዝተላእኩ መልአኽ ኢዮም ነዚ አብ ዓለም ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን ክገትኡ ድሕሪ ላምፐዱሳ ክአ ንአፍሪቃ ክኸዱ እምነት አለኒ ኢሉ መንእሰያ ዖማር ዜጋ ቱኒሲያ ።









All the contents on this site are copyrighted ©.