2013-07-09 15:55:19

ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ዘይመንግስታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ጨንፈር ወሃቢ ቃል ፍላቪዮ ዲ ጃኮሞ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላምፐዱዛ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ጸኣት ስደተይናታት ብኣሃዝ ዘይኮነስ ብሰብኣውነት ክምዘንን ክርአን ዝብል ናይ ኵሉ ሕሊና ዘነቓቕሕ ተግባር እዩ እንክብሉ ገሊጾም፣ ጸኣት ስደተይና ከም ወረራ መልክዕ ገርካ ናይ ምቕራቡን ምትንታኑን ጽልእን ፍልልይን ዘተባብዕ ሃላፊነት ጎደል ዝኾነ ከይዲ ፖለቲካ ዝእርምን ሰብ ሰብ ኣምበር ቍጽሪ ኣይኮነን ዝበለ ተግባር እዩ።
ቁጽሮም ክንድዚ ዝኾኑ ስደተይናታት ብጉዕዞ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ኢጣሊያ ኣትዮም እናበልካ ልሙድ ዝኾነ ኣገላልጻ ዓቢይ ጌጋ ምዃኑ ዘቓልሔን እቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ክጽናዕን መፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ጻዕሪ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክተግህ ዘተባብዕን እዩ። ካብ ድኽነትን ካብ ምልካዊ ስርዓትን ገዛእ ርእስኻ ንኽተድሕን ትስደድ እምበር፣ ምእንቲ ስደት ኢልካ ኣይትስደድን፣ ስለዚህ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ማእከላዊ ስፍራ ክረክብ ዓለም ስደት ከም ቅቡል ጌርካ ካብ ምሕሳብ ዝለማመዶ ዘሎ ጉጉይ ባህሊ ከላቐቕ ዘተሓሳስብ እውን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.