2013-07-09 15:48:20

ካብ ላምፔዱሳ ጻውዒት ስልጣነን ሕቶ ሰብኣውነትን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ክሳብ ትማሊ ዕለት 8 ሐምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ላምፔዱዛ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑን ብዓይነቱ ብመልእኽቱን ፍልይ ዝበለ ምዃኑን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዝገበሩ ናይ ማዛራ ደ ቫሎ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሞጎቨሮ ጻውዒት ስልጣነን ሕቶ ሰብኣውነትን” ዝተቓልሓሉ ታሪኻዊ ምብጻሕ እንክብሉ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ዓለም ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክዝረብ እንክብሎ ትሕቲ ሰብኣውነት እናተገመተ ዝደጋገም በኣሃዝ ናይ ምግላጽ ልምዲ ዝጻረርን ዝእርምን ናብቲ ሰብኣውነት ክትኮር ዘተሓሳሰበ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ ኢሎም።
እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ላምፔዱዛ ባሕሪ መዲትራኒያንን ከምኡ እውን እታ ደሴት ንገዛእ ርእሳ ከም መርገም ጌርካ ናይ ምርኣይን ምዝራብን ዝምባለ ክልወጥ ዝገበረን፣ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝዛረብ ነቢያዊ ድምጺ እዩ። እቲ ምብጻሕ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ብፍላይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንኽትነጽሕን ኣብቲ ቀንዲ ተልእኾኣ ከተተኵር ዘተሓሳስብ ስልጣናዊ ጻውዒትን ዓለም እውን እንተኾነ ኣብ ሰብኣውነት ክስረት ዝዕድም እዩ። ስለዚህ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ “ጻውዒት ስልጣነን ሕቶ ሰብኣውነትን” ዝተቓልሓሉ እዩ ምስ በሉ፣ እቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወን ኣብ ቅድሚ እቲ ተስፋን እንገዳን ዝሓትት ናይ ኣሕዋትን ኣሓኣትን ስቓይ ዓይንኻ ምኽዳንን ሕቖኻ ምሃብን ዘለማምድ ኢሰብኣውነት ባህሊ ክውገድ ዝተሓደሰ ሰብኣውነት ክጸንዕ ዝጨርሐ ቅዱስ ተግባር እዩ ኢሎም።
ድኽነት ብርግጽ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሱታፌ ከይህሉ ዝድርኽ እዩ። እቲ ፈላላይ መንደቕ ኣብ መንጎ ድኽነትን ሃብትን ዘሎን እቲ ሓደ ስኡን እንተድኣ ኮይኑ እቲ ዘለዎ ካብቲ ብድኽነት ዝተጠቕዐ ክሃድምን ግጹ ክኽውልን ኣብ ንኣይነት ተማእኪሉ ክነብር ዝድርኽ እዩ። እዚ ድማ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ዘረጋግጽ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ካብዚ ሓጢኣት’ዚ ክንነጽሕ ጻውዒት ዘቕረብሉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ።
ኣነ ካብቲ ሰብኣውነት ሽግርን ስቓይን ዝረኣየሉ ቦታ ርሒቐ እየ ዝነበር ስለዚህ ኣነ እንታይ ክገብር እኽእል እናተብሃለ ዝንዛሕ ሸለልተይና ባህሊ ናይቲ ዓውለማዊ ዘይተገዳስነት ባህሊ መሠረት እዩ። ስለዚህ ርህሩህ ሳምራዊ ክንከውን ብቓልን ብሕይወትን ዘተባብዔ ሓዋርያዊ ምብጻኽ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ልብን ሕሊናን ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ዘነቓቕሕ ነቢያዊ ተልእኾ እዩ፣ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ስቓይ ኣብ ቅድሚ እቲ ብዝተፈላለየ ስቓይ ካብዚ ዓለም ኣብ ቅድሚ ብሞት ዝተፈለየ ዘይምሕዛንን ዘይምንባዕን ኣዚዩ እቲ ዝዓበየ ስቓይ እዩ። ከምቲ እግዚኣብሔር ንቃኤል ሓውኻ ኣቤል ኣበይ ኣሎ እክብል ዘቕረቦ ሕቶ ዳግም ዘቃልሔ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከይኑ መን እዩ ነቶም ካብ ስቓይን መከራን ገዛእ ርእሶም ነኸናግፉ ዝስደዱ ዜጋታት ኣብቲ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ዝሓስብ በቲ ሓደጋ ልቡ ዝትንከፍን መን እዩ፣ መን’ከ እዩ ዝበኸየን ዝሓዘነን ዝብል ሕቶ ዘቕረበ ነቢያዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.