2013-07-09 15:51:57

ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላምፐዱዛ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመርኵይዞም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ እዳራሽ ዝተሳተፉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ዘቕረብዎ ሕቶ መሠረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላምፐዱዛ፣ ታሪኻውን ፍሉይን ክትግምቶ እውን ዘይከኣል ኩነት” እዩ እንክብሉ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላምፐዱዛ ዝተገብረሎም ምዉቅን ልባውን ኣቀባብላ ብሓቂ ልቦም ከምዘንከፎምን እቶም ናይታ ደሴት ተቐማጦ ዘለዎም ናይ ምእንጋድ ባህሊ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ኣብነት እዩ፣ እሞ ፈጺሞም ከየምክንዎ ዘተሓሳሰበን፣ ዘደነቐን ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ ነቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት መዲትራኒያን ባሕሪ ዝጠፍኡን ዝጠሓሉም ዝሓለቑን ዘይምሕዛንን ዘይምብካይን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። “መን እዩ ምእንታኦም ዝበኸየን ዝሓዘነን” ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ድማ ኩሉ ኣብ ምትሕብባርን ኣብ ሓቀይና ግብረ ሰናይን ክተግህ ዘተባብዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይቲ ዝሳቐይ ስቓይ ስቓይካ ገሪካ ምፍቓርን ምድጋፍን ዝብል እዩ ኢሎም።
እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሕሊና ቤተ ክርስቲያንን ዓለም እውን ዘነቓቕሔን ኮይኑ ቅዱስነቶም እቲ ኣብኡ ዘቕረብዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ኣብ ግዜ ሕማማትን ናይ ንስሓን እዋን ናይ ዝልበስ ናይ ቅዳሴ ልብሲ ለቢሶም ዘዕረገዎ ብምዃኑ ድማ ትርጉም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ንምርዳኡ ዘሸግር ኣይኰነን። እታ ኣብ ኣግሪጀንቶ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እተቕርቦ ሰብኣውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ዝነኣደን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ሕሊና ዘነቓቕሔ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ቤት ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ከምዝኣተወን መላእ ዓለም እውን ከምእተዛረበን፣ ከምዘዛረበን ብዝተፈላለየ መልክዕ እውን ትንታኔ ዝተወሃበሉ ኩነት ኰይኑ እዩ ዘሎ። ኣብ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ምድላዋት ዝተገብረሉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ። ስለዚህ እቲ ዝተግበረ ምቕርራባት ኩሉ ናይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ሸቶ ክወቕዕ ገይሩ እዩ። ነቶም ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ብዝተፈላለየ መገድን ሓላፍነትን ኣስተዋጽኦ ነዘበርከቱ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘመስገኑ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም።
እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኵሉ ሓላፍነት ዘተሓሳስብን ንኹሉ ከከም ሓላፍነቱ ዘነቓቕሕን እዩ። ስለዚህ ናይ ኵሉን ናይ መላእ ዓለም መንግስታትን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕሊና ዘነቓቕሕ ኮይኑን ናይ ወቐሳ ምልክት ዘይኮነስ ሰብ ሰብ ክኸውን ከም ሰብ ክነብርን ከም ሰብ ክሓስብን ሰብኣዊነቱ ክነብር ዝብል እዩ። ምእንጋድን ምድጋፍን ናይ ኵሉ ሓላፍነትን ጸዋዕታ ሰብኣውነት ምዃኑ ዘነጸረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ ኔሩ ኢሎም።
ኣብ ላምፐዱዛ ዝርከቡን ናብ ላምፐዱዛ ብጉዕዞ ባሕሪ ኣቢሎም ዝኣትዉ ስደተይናታት፣ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እዮም፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ትማሊ ነቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝርከቡ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ስደተይናታት ሰናይ ምጅማር ጾም ረመዳን ዝድምዕ ዘስምዕዎ ቃል ብሓቂ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ እውን እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓበር ዘተ ቅዱስ ኣቦና ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቡዌነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ዝነብርዎ ዝነበረ ሰናይ ባህሊ እዩ እክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ነተን ስደተይናታት ዝበገሱለን ሃገራት ሕሊና እውን ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.