2013-07-06 15:41:32

ልበ ንጹሕን ውዕዉዕ ፍቕርን


RealAudioMP3 ምስ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ዝእወጀሎም እቶም በዓል ንጹሕ ልብን ውዕዉዕ ፍቕርን ተባሂሎም ዝግለጹ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ጉዳይ ኣመልኪቶም እቶም ናይዞም ዓቢይ ርህሩህ ተባሂሎም ዝግለጹ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ሎሪስ ፍራንቸስኮ ካፖቪላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበረዎ ቃለ ምልልስ፦ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ቅዱስና ክእወጀሎም ብሓቂ ደስ ዘብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ርህርሁን ሕያዋይን ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 መላእ ሕይወቶም ንጹሕን ኣፍቃርን ልቢ እግዚኣብሔር ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩ እዮም። ኵላትና ንቕድስናን ንዘለዓለማዊ ሕይወትን ዝተጸዋዕና ኢና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኩላትና ናይቲ ክደልየና ዝመጽእ እግዚኣብሔር መጋበሪያ ምሕረቱን ፍቕሩን ኢና” ከምዝበልዎን እዚ ድማ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ብቓልን ሕይወትን ዝተነብረ ዓቢይ ተመክሮ እዩ ኢሎም።
እቲ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ጽቡቕ ድላይን ውሳኔን ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መበል 50 ዓመቱ ኣብ ዝተበዓለሉ ዓመት ቅድስና ክእወጀሎም ብሓቂ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ተኣምር እዩ።
ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዘስተምሃሩና ብትሕትናን ብልግስናን ክንጓዓዝ ይግብኣና፣ እዚ ድማ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ክንዘራረብ ዝበልዎ ቃል እዩ። ውሳኔ ብርሃን ኣሕዛብ ንቕድስና ዝተጸዋዕና ምዃናን ውሳኔ ቃለ እግዚኣብሔር ድማ ቅድሚ ናይ ሰብ ቃል ቃል ኣምላኽ ጽን ክንብልን፣ ውሳኔ ቅዱሳት ምስጢራት ድማ ጸሎትን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ውሳኔ ሃሴትን ተስፋን ድማ ኣብቲ ዝደኸመን ዝሳቐይን ዓለም ሓጎስን ተስፋን እናነበርና ከነበስር ዝተጸዋዕና ምዃና ተነጺሩልና ኣሎ። እዚ ዅሉ ኣብ ሕይወት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዝረኣኽዎ ዓሚይቕ መንፈሳዊ ተመክሮ እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.