Home Archivio
2013-07-04 16:23:33
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ2013 ዓ.ም.
ናይቲ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዝኾነ ዓቢይ መስቀልን ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱስ ምስሊ ኣብቲ ለብዘበን መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዕለት 23 ሓምለ ክሳብ ዕለት 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝካየደላ ከተማ ሪዮ ዕለት 6 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ክበጽሕ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ እንክሕብር፣ እቲ ቅዱስ ምልክት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ሪዮ ክፍለ ከተማ ሳንታ ክሩዝ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲያን በጺሑ ኣብኡ ብናይ ሪዮ ሊቀ ጳጳሳት ብብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ተምፐስታ ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ከምዝኾነን ኣብቲ ቅዳሴ ናይ ሪዮ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን መንፈሳዊ ማሕበራት ክሳተፉ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ብራዚልን ካብ ከባቢ ላቲን ኣመሪካ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ውሩያትን ዓበይትን ማሕበር ምዘምራንን ሙዚቀይናታትን ምርኢት መንፈሳዊ መዛሙር ክቐርብ ከምዝኾነን እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዑደት ፈጺሙን ኣብ ብራዚል እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ዑደት ፈጺሙ ኣብ ሪዮ ክበጽሕ ከምዝኾነን ዑደት ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መንፈሳዊ ትእምርቲ ንገዛእ ርእሱ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ተምፐስታ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.