2013-07-04 16:39:19

ትርኢት ስፖለቶ፦ “ምሕረት ኣብ ዝርከበሉ ዝምዕብል ሃገር ይርአ”


RealAudioMP3 እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ስፖለቶ ርክብ ክልተ ዓለማት ብዝብል ጭርሖ ዝምራሕ ዝፍለጥ ትርኢት ስፖለቶ ለብዘበን ዕለት 28 ሰነ 2013 ዓ.ም. ከምእተጀመረ እንክዝከር እዚ ክሳብ ዕለት 14 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝቕጽል ትርኢት ስፖለቶ ዕለት 7 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ስብከት ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ መደብ ክካይድ ከምዝኾነን፣ እዚ መደብ’ዚ ኣብ ቅዱስ ዶመኒኮ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ኰይኑ፣ እዚ መደብ ስብከት ብናይ ምሕረት ስነ መንፈሳውነት ዝምራሕ ኰይኑ፣ ናይ እዋናዊ ሰብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሕይወት ዝድሕስስ እውን ኰይኑ ከምዝካየድ ናይቲ ትርኢት ስፖለቶ መግለጺ ይሕብር።
ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካምፖባሶን ቦያኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በርጋንቲኒ፦ ይቕረ ምባል ዓቢይ መስዋዕትነት ዝሓትት ገድለ መንፈሳዊ ሕይወት ምዃኑን እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዶመኒኮ ዝካየድ መደብ ነዚ ዘነጽር ከምዝኸውን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ይቕረ ምባል እታ ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ሕይወት ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ እንከሎ ዝደገሞን ዝነበሮን ቃልን ሕይወትን እዩ። ወንጌል ናይ ምሕረት ወንጌል ኢዩ። እዚ ድማ ኢየሱስ ዘስተምሃሮን ዝነበሮን ኩነት ምዃኑ ገሊጾም፣ ናይ ሓደ ክርስቲያን ዕብየት መምዘኒ ድማ ናይ ምምሓርን ይቕር ናይ ምባልን ምፍቃርን ብቕዓቱ እዩ። ስለዚህ ናይ ጸረ ሰላምን ናይ ዓመጽን ውግእን መጋበርያ ዘይምዃኑ ዝብል እዩ ኢሎም፣ ንኣብነት ሕይወት ታሪኽ ኣባ ብፁዕ ፒኖ ፑሊየዚ ብናይ ገበን ጉጅለታት ኢድ ናይ እምነት ሰማእትነት እንክቕበሉ ኦ ኣቦይ ይቕረ በለሎም ዝበሉዎ ኣብነት ናይቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት እንክነብሩ ይቕረ ምባልን ብሓጢኣትካ ምጥዓስን ዝብል መንፈሳውነት ዝገለጽ እዩ። ክርስቲያን ይቕረ ክብል እንከሎ ብሓጢኣቱ እውን እዩ ዝጠዓስ፣ ክትምሕርን ይቕረ ክትብል እንከለኻ እቲ ይቕረታኻ ዝቕበል ንኽልወጥ ዘተባብዕ እውን እዩ ስለዚ ብሓጢኣት ናይ ምጥዓስ መንፈሳውነት እውን ዘነጽር እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ኣብ ቅዱስ ዶመኒኮ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ መደብ ኣብዚ ዘማእከለ ከምዝኸውን ኣረዲኦም።
ዝተጎዳእካን ዝተተንከፍካን እውን እንተኾንካ ይቕረ ትብል፣ ዝተወጋእካ እውን እንተኾንካ ይቕረ ትብል ኮይኑ ግን እቲ ዘጓነፈካ ስቓይ በሰላ ሓዲጉ እዩ ዝሓልፍ፣ እቲ በሰላ ቅርሕንትን ሕነ ፍዳን ነኸተነቓቕሕ ዘይኮነስ ብብርሃንን ጸጋን ዝለግስ ተመክሮ ክኸውን ዘለዎ፣ እዚ ድማ ናብ ሰላማዊ ሕይወት ይመርሕ ምስ በሉ ሰላም ኣብ ምድሪ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ሓጢኣት እምበር ሓጢኣተይና ክንጸልእ ዝግብኣና ከምዘይኮነ ተስተምህረና ኢሎም።
ምምሓር ወይ ድማ ይቕረ ምባል ብሓቂ ዓቢይ ገድሊ ዝሓትት እምበር ቀሊል ኣይኮነን፣ ግዜ ዘድልዮ ገድሊ ቅድስና እዩ። ኣብዚ መንፈሳዊ ከይዲ ዘሰንየካ ኣበ ነፍሲ እውን የድልየካ፣ ምሕረትን ይቕረ ምባልን እቲ ዝዓበየ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ክብሪ እዩ። እቲ ዓቢይ ዓወት ንጸላኢኻ ከተንበርክኽ ወይ ድማ ክተጥፍእን ክትስዕርን እንከለኻ ዘይኮነስ ኢድካ ክትዝርግሓሉ እንከለኻ እዩ። እዚ እዩ ድማ ናይ ጸላኢኻ ልቢ ዝትንክፍን ዝልወጥን ስለዚህ እቲ መደብ ነዚ ዘነጽር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.