2013-07-04 16:15:33

መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምሕዝነት ኣህዛብ፦ “ሕጹጽ ኩነት ሰብኣውነት”


RealAudioMP3 እቲ ብሰናይ ተበግሶ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ኣቡነ ጁሳኒን ብኣኦም ዝተመስረተን “Comunione e liberazione-ሱታፌን ሓርነትን” እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከባቢ ከተማ ሮማ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ዝካይዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምሕዝነት ኣህዛብ ብምቕጻል ለብዘበን ካብ ዕለት 18 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 24 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፣ ጉዳይ ኤኮኖምን ስራሕን ሥነ ትያትርን ብጠቕላላ ስነ ባህል ጉዳይ መሰረት ብዝገበረ “Emergenza uomo-ሕጹጽ ኩነት ወዲ ሰብ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ክካይድ ምዃኑ ናይቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ጉባኤ ሪሚኒ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ስተፋኖ ፒኪ ሰርሞሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ እቲ “Emergenza uomo-ሕጹጽ ኩነት ወዲ ሰብ” ዘርእስቱ ጉባኤ ሰናይ ዘበለ ኹሉ ዝድህስስ ኮይኑ በዚ ከይተሓጽረ ግን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ እዚ ድማ ሰብኣዊ ሕጹጽ ኩነት፣ ድላይ ወዲ ሰብን፣ እቲ ዘይደጋገምን ፍልዩ ዝኾነን ድላይ ህላዌነትን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ምዃንን ናይቲ ሰብኣዊ ክዋነ ወሳኒ ናይ ዝኾነ ጭቡጥ ድላይ ዘለዎ ምዃኑን ብነጻነቱ ዝነብሮን ዝገልጾ መልሲ ዝህበሉ ደረት ሰገር ምዃን ዘማእከለ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ፖለቲካ ሥርዓትን ብኻልእ ምኽንያት ሰብኣዊ ነጻነት ኣብ ስግኣት ክወድቕ ጥራሕ እንከሎ ዘይኮነስ እቲ ውሕስ ዝኾነ ኮይኑ ግን ነቲ ልባውን ቀልባውን ባህጊ ሰብ ዘደንዝዝን ንጽገት ዘተኣታትው ኣግባብ ዴሞክራሲያዊ ነጻነት ዝብል ዘይሓቀይና ነጻነት ምኽንያት ሎሚ ወዲ ሰብ ኣብ ሕጹጽ ኩነት ዝነብር ኮይኑ ኣሎ፣ ስለዚህ እቲ ጉባኤ ነዚ ጉዳይ ብዑምቀት ብዝተፈላለዩ ማሕበራውን ሰብኣውን ስነ ፍልጠትን ጐድንታት ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብቲ ጉባኤ ወትሩ ኣብ ዘይውዳእ ሰብኣዊ ሕጹጽ ኩነት ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ቃል ምስክርነት ዝቐረበሉ ኮይኑ ብሓቂ ኣዚዩ ኣሸጋርን ኣስጋእን ዝኾነ በቢ ዕለቱ ናይ ዝነብርዎ ኩነት ተመክሮን ነቲ ሕጹጽ ኩነት ንምስናፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝምስከረሉ እውን እዩ። ናይ ተመክሮ ምልውዋጥን ምርኻብን እምበር ናይ ተዓዋትነትን ዘይተዓዋትነት ምስክርነት ዝቐረበሉን ነቲ ምስክርነት በዚ መልክዕ ዝመቓቕል ኣይኮነን፣ ሰብኣዊ ተመክሮ ዝምስከረሉ እዩ።
እቲ ጉባኤ ብጠቕላላ ኣብ ዓለም ዝንበርን ከም መርሕነት ንዝግለጽ ፖለቲካ ብድሆ እዩ፣ ስለዚህ ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ሕጹጽ ኩነት ካብ ዝተፈላለየ ከይዲ ፖለቲካ መልሲ ንምሃብ ዝግበር ጻዕሪን እቲ ጻዕሪ ብሓቂ ማእዝኑ ዝሰሓተ ወይ ድማ ብትኽክል ዝብድህ እዩ ዝብል ሕቶ ንዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሊቃውንትን ዘቐርብ ኮይኑ ናይቶም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሊቃውንትን ሱታፌ ነዚ ዘነጽር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.