2013-07-02 16:09:48

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ


RealAudioMP3 ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዋና ጸሓፍቲ፦ “ኣይትፍራሕ! ወንጌል ተጻይካ ዘይኮነስ ምእንታኻ እዩ…ናይ ወንጌል ተስፋ ዘደናግርን ዘታልልን ኣይኰነን” ዝብል ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳን ቃል ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሲንዶስ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተሓላለፍዎ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ዝሰፈረ ቃለ ምዕዳን ተመሪሑ ኣብ ፖላንድ ከተማ ቫርዛቪያ ዝተኻየደ መበል 41 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምእተዛዘመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይቲ ጉባኤ መርሕ ቃል ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓሳብ ምንባሩ ናይዚ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ፖላንድ ሊቀ መንበርን ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚካሊክን ከምኡ ኣውን ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዎጅቸኢክ ፖላክ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ እቲ ኣብ ቫርዛቪያ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከይዱን ፍጻሜታቱን ምስትውዓልን ምስትንታንን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ከምዝነበረ ከምዝሓበሩ የመልክት።
ሽሕ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ማእዘንካ ክተጥፍእ ዝደረኽ ባህላውን ማሕበራውን ለውጥታት ዝተኸስቱ እውን እንተኾነ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ምልክት እግዚኣብሔር ክትኸውን ዝተጸውዐት ብምዃና ድሕነትን ተስፋን ብምብሳር እቲ ዝረአይ ማእዘናክ ንምጥፋእ ሓደጋ ዘቃልዕ ኩነት ክወገድ ከምእትሓንጽ ኣብ ሮማንያ ናይ ግሪክ ስሮዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪርጊል በርሰአ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመሩሉ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኽዋን ኣንቶኒዮ ማርቲነዝ ካሚኖ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩለ መደያዊ ቅልውላው ብዕምቆት ምግንዛብ ከምዘድልን ብፍላይ ድማ ናይ ኩሉ ቅልውላው መንቀሊ መንፈሳዊ ቅልውላው እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ፣ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብዚ ኣንነብረሉ ዘሎና ዘመን ዘለዎ ኣገዳስነትን ምግንዛብን ምንቕቓሕን ብቕዓት ዘለዋ ከምዝኾነትን እቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ እምነት ኣግባብን ኣገላልጻኡን ዘጽር ከምዝኾነን ኣብዚ መዳይ እውን ሕንጸ እተቕርብ ምዃና እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምዘስመረሉን እዚ ሓሳብ ኣብቲ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሰፊሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.