2013-07-02 16:02:53

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ልቢ እግዚኣብሔር ንምትንካፍ ብትብዓትን ጽንዓትን ምጽላይ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ንጎሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ብራይን ፋረልን ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ተሓባበርቲ ካህናትን ተሰንዮም ኣብ ሃገረ ቫትካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘስዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ ልቢ እግዚኣብሔር ንምትንካፍ ብትብዓትን ጽንዓት ምጽላይ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘስምዑ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣብርሃም እምነት ኣብ ዝገልጽ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ኣመርኵይዞም፦ “ብዛዕባ ትብዓት ክንዛረብ እንተድኣ ኰይና ወትሩ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ትብዓት ክንሓስብ እዩ ዘሎና፣ እዚ ድማ ንዅሉ ወንጌል ኣበስር ዝብል እዩ። ብቐዳማይ ደረጃ ትብዓት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ዝብል ሓሳብ እዩ ከነስተንት ዝግብኣና። ናብ እግዚኣብሔር ብትብዓት ምኻድ ክንብል እንከለና ዘደንጽው ወይ ድማ ዘስሕቕ ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል፣ ኣብርሃም ምስ ጎይታ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ይዛረብ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኵሉ ብትብዓትን ጽንዓትን ይዛረብ፣ ምስ በሉ ቀጺሎም፦ “ንጐይታ በቲ ናቱ ብሉጽ ክብሪ ገርካ ንምእማን ምፍታን፣ እዚ ብሓቂ ደስ ዘብል እዩ። በቲ ናንትና ዘይኰነስ በቲ ናቱ ብሉጹ ክብሪ ናብኡ ምባል። ኣብርሃም ንልቢ እግዚኣብሔር ይትንክፍ፣ ኢየሱስ ድማ ነዚ እዩ ዝስተምሃረና፣ ኣቦይ ኩሉ ዘድልየኵም ይፈልጦ እዩ፣ እይትጨነቑ ኣብ ልዕሊ ቅኑዓትን ሓጢኣተይናታትን ዝናቡ የዝንም ጸሓዩ ይብርቕ፣ ኣብርሃም ኣነ ኣብዚ ቆይመ ምስ እግዚኣብሔር ክዝትይ እየ፣…ንእግዚኣብሔር በቲ ዘደንቕ ስርሓቱ ምምስጋን፣ ብምስጋና ምሳኡ ምዝራብን ምውዳስን፣ ንሱ ለዋህን ርህሩሕን መሓርን ኣቦ እዩ።”
“ሎሚ ኩላትና ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ኣባይ ስሙ ይባርኽ፣ ቢልና ንጸልይ፣ እቲ ንሱ ዝፈጸሞን ዝለገሶን ኩሉ ዘይምርሳዕ፣ ግድፈትናን ሓጢኣትናን ዝምሕር ኣቦን ኵሉ ሕማም ዝፍውስን፣ ካብ ዓዘቕቲ ሕይውት ዘድሕን ሰናይነቱን ምሕርረቱን ዘዘክሩና ተኣምራቱ ይፍጽም፣ በዝ ድማ እቲ ንኣኡ ክንሓቶን ክንብሎን ዝግብኣና ኩሉ ንግንዘብ፣ ንስኻ ምሕረትን መሓርን ኢኻ፣ ቢልና ከም ኣብርሃምን ሙሴን ናብኡ ብትብዓትን ጽንዓትን ንጸልይ፣ በቲ ካብ ልቢ ብዝፍልፍል ተባዕን ጽኑዕን ጸሎት ንቕድሚ ንበል” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.