2013-06-29 16:17:42

ብፁዕ ካርዲናል ዳማሰኖ ኣሲዚ፦ ኣብ ብራዚል ብሃሴት ቅዱስ ኣቦና ንጽበ


RealAudioMP3 ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ኣብ ብራዚል ናይ ኣፓረሲዳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳማሰኖ ኣሲዚ ቅድሚ ትማሊ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ዝካየድ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘማእከለ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዘካየዱ ክምልከት እንከሎ፣ ብፁነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ ደስ ዘብልን ኣነን ተሓባባሪየይ ጳጳስን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣፓረሲዳ ከምእንጽበዮም ምዝሓበርናዮም ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾምልናን እዮም፣ ኣፓሪሲዳ ኣብ 1980 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስን ከምኡ እውን ኣብ 2007 ዓ.ም. ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝተዓደለት ከተማ እያ፣ እነሆ ድማ ካብ ዕለት 24 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ብምኽንያት መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክተእንግድ ተዓዲላ ኣላ፣ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ 200 ክሳብ 300 ሺሕ መንእሰያት ክሳተፉ እውን ምዃኑ ጸብጻብ ናይ ምዝገባ ሰነድ ይሕብር ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኩነት መላእ ዓለም ብቐረባ ዝከታተሉን ብዛዕባ ብራዚል ህልው ኩነታት ዝከታተሉ እውን ምዃኖምን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት እውን ጠቒሶም መፍትሒ ክረክብ ከምዝጽልዩን ኩሉ ድማ በቢ ወገኑን ሓላፍነቱን ምእንቲ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ክተግህ ኣገዳስን ወሳኒን ምዃኑ ከምዘዘኻከሩ ብፁዕነቶም ሓቢሮም፣ ሕዝቢ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምፍቃርን ኣብ ምፍቃሩ ምዕባይን እምነት ምንባርን ዝብል ርግጸይናነት ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ከተሓሳስቡ ምዃኖም እምነትና እዩ ምስ በሉ ቀጺሎም እቲ ኣብ ኣፓረሲዳ ዝርከብ ቅዱስ ስፍራ ድሕሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ዓቢይ ተፈላጥነት ከምዝረኸበን ድማ ሓቢሮም ከተማ ሪዮ ደ ጃይነሮ ከም ኩለን ከተማታት ዝተፈላለዩ ጸገማት እውን እንተሃለዋ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ዝተፈላለዩ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽላል እምነት ንምርኻብን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድን ተሰናድያን ቅርብትን ኮይና ኣላ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ኣብ ሪዮ ደ ጃይነሮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ቅድስቲ መሬት 120 ክሳተፉ ምዃኖም እንክምልከት፣ እቶም ካብ ቅድስቲ መሬት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባበሪ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ሾማሊ ከምዝኾኑን እቶም መንሰያት ካብ ኢየሩሳሌምን ርማላሕን ጋሊለያን ዝተዋጽኡ ኮይኖም ነቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝተፈላለዩ ምስንዳዋት እውን የካይዱ ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቶም 120 መንእሰያት ዕለት 13 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ካብ ቅድስቲ መሬት ነቒሎም ኣብ ግዝኣት ሪዮ ደ ጃይነሮ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒተሮይ ኣብ ናይ ሰሙነ መዓልቲ ልኡካነ ወንጌል ዓውደ መጽናዕቲ ተሳቲፎም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክሳተፉ ናብ ሪዮ ክኸዱ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ሾማሊ ከምዝሓበሩ ዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ምስቶም መንእሰያት ናይ እስራኤል ፓትሪያርክ ተሓባበሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኩዞ እውን ሓቢሮም ከምዝነቕሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.