2013-06-29 16:04:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያን ወትር ኣብ ህላዌ እግዚኣብሔር ዝጓዕዝ ዕጉስን ዘይግታእን ይኹን


RealAudioMP3 ዕለት 28 ሰነ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ትማሊ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ክንክን ጥዕናን ሥነ ጥዕናን መምርሒ ሰራሕተይናታት ብናይ’ዚ መምርሒ ዋና ኣመሓዳሪ ዶክተር ፓትሪዚዮ ፖሊስካ ተሰንዮም ኣብ ዝተሳተፍሉ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣመርኵይዞም፦ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወት ሰብ ዝኣትወሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣግባብ ከምዘለዎን ወትሩ ዝረአይ እውን እንተዘይኮነ ትዕግስትና ዝሓትት ምዃኑ ኣብ ዘረጋግጽ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፣ ቀዳማይ ምንባብ ብዛዕባ እቲ ኣብ 99 ዓመት ዕድመኡ እግዚኣብሔር ኣቦ ክትከውን ኢኻ እንክብል ብዝኣትዎ ቃል ኪዳንን ተስፋን ናብ ሕይወቱን ቤቱን ዝኣተወም ከምኡ ኣውን ኣብ ምንባብ ወንጌል ኢየሱስ ናብ ሓደ ብሕማም ደዌ ዝተጠቕዐ ሰብኣይ ሕይወት ይኣትው፣ ኢየሱስ ናይዚ ሰብኣይ ጸሎት ይሰምዕ፣ እግዚኣብሔር ሕይወትናን ሕይወት ሕዝብን ዝትንክፈሉ መገዲ ይሓርይ፣ እቲ መገዲ ድማ መገዱ እምንበር መገድና ኣይኮነን፣ ተግባር እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ክግለጽ ዘኽተሎ ናይ ስምምዕ ስነ ስርዓት ከምዘይብሉ እንክትንትኑ፦ “እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ዝኣትወሉ ኣግባብ ናቱን ባዕሉ እዩ ዝሓርዮ። ኣብ ገለ ገለ እዋን ዘገምተይናን ትዕግስትና ዝፈታተን ይመስል፣ ትዕግስትና ኣብ ምጽንቃቕ ስግኣት እውን ንርከብ። ክንጽሊ ኣንከለና ጐይታ ኣብ ሕይወትና ዘይኣትውን ዘይምልስን ኰይኑ ይስምዓና፣ ገለ ገለ ኣዋን ድማ እቲ ጎይታ ዝኣተወልና ቃል ኣዚዩ ዓቢይ ብምዃኑ ንምእማኑ እውን የጸግመና፣ ልክዕ ከም ኣብርሃም ንኸውን፣ ካብ ዘይምእማን ዝነቐለ ፍሽኽታ ድማ ነርእይ፣ ኣብርሃም ነቲ ኣብ ገጹ ዝተራእየ ናይ ዘይምእማን ተጠራጣርነት መግለጺ ዝኾነ ፍሽኽታ ይኽውል፣ ‘ከመይ ገይሩ፣ በዓልቲ ቤተይ ኣብ 90 ዓመት ዕድመኣ ክትጸንስ ወዲ ድማ ክትህብኒ?’ ዝብል ቃል ዘስምዕ ተጠራጣሪ ፍሽኽታ እዩ’ ዘርእይ” ከምዝበሉ ነቲ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
“ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ዝጠራጠሩ፣ እግዚኣብሔር ክፍጽሞ ዘይከኣል እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ኰይኑ ግን እግዚኣብሔር ናቱ ግዜን ሰዓትን ኣለዎ። ምሳና ኣብ ዘለዎ ርክብ እውን ናቱ ጊዜ ዝኽተል እግዚኣብሔር እዩ። ኣንሕና ጥራሕ ኣይኮናን ትዕግስት እንገብር፣ ንሱ እውን ይጽበየናን የማዕድወናን እዩ። ንሱ ዕጉስ ኣምላኽ እዩ። ክሳብ መወዳእታ ሕይወትና ዝጽበየና ኣምላኽ እዩ። ምሳና ሓቢሩ ዝጐዓዝ፣ ኰይኑ ግን ብዙሕ ግዜ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤማሁስ ዝተራኣየ ኩነት ይኸውን፣ ኣብ ሕይወትና ዝሕወስ እዩ። እዚ ዝተረጋገጸ ክነሱ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምርኣዩ ንዝንግዕ፣ ትዕግስቲ ዝሓትት ጉዳይ እዩ። ኣቲ ምሳና ዝጐዓዝ ጐይታ በዓል ዓቕልን ትዕግስትን እዩ” ቢሎም “ኢየሱስ ኣብ መስቀል፣ ይፈታተንዎ ከምዝነበሩ ይርድኦ እዩ። ‘ካብ መስቀል ውረድ እስከ ንዓ’ ዝብል ብድሆ የቕርብሉ እዮም። እቲ ካብ መስቀል ናይ ምውርዳ ፈተና፣ ካብቲ መስቀል ዝዓበየ ፈተና እዩ። ኢየሱስ ግን ምሳና ትዕግስቲ ስለ ዘለዎ፣ ኣብ መስቀል ይተርፍ፣ ኣብ ሕይወትና ዝኣትወሉ መገድን ኣግባብን ናቱ ናይ ጐይታ እዩ። ከምቲ ንኣብርሃም ዝበሎ፦ ‘ኣብ ህላወይ ተጓዓዝ ጉድለት ዘይብሉ ኵን’ እዩ ዝብለና፣ እዚ ምሳኡ ዘይግታኡ ኮይና ኣብ ህላዌኡ ናይ ምጉዓዝ ጸጋ ንለምን፣ ወትሩ ኣብ ህላዌኡ ዝጒዓዙ ኣበር ዘይብሎም ንዅን” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝዘጠቓለሉ ጆሶቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.