2013-06-28 10:40:14

ሰንበት ዘአስተምህሮ 2005 ዓ.ም. ሰነ 23 2005 ዓ.ም (6/30/2013)


ኩልና ዕዱማት አምላኽ ኢና!
መዝሙር፡ ናክብር ሰንበቶ በጽድቅ . . . . ።
ንባባት፡ ፊሊጱ 4፡12~20፥ 3ዮሓ 1፡1~ፍ፥ ግ.ሓ. 14፡20~ፍ፥ ማቴ. 22፡1~14 (ሉቃ 14፡15~24)።
ምስባክ: አንተ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል፥ ርኁቀ መዓት ወብዙኅ ምሕረት ወጻድቅ፥ ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ። “ንስኻ ኦጎይታ መሓርን አጸባቕን ኢኻ፥ ካብ መቕጻዕቲ ርሑቕ ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ጻድቕን ኢኻ፥ አባይ ጠምት እሞ ምሓረኒ”።
ካብ አባ ገሪማ 17 ሰነ ክሳዕ ብአተ ክረምት 25 ሰነ ዘሎ አብ ስርዓት ሉጡርግያና ዘአስተምህሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙሩ፥
“ሰንበቱ ነኽብር ስርዓቱ አይንሕደግ ንአኡ ጥራሕ እዩ ሃሌ ሉያ፥ ጻድቕ እዩ አብ መንግስቱ ኸአ ጽድቂ ይፈርድ፥ ንግሆ ከም ዝወግሕ ይገብር ምስ ወግሔ ኸአ ምሕረቱ ይህበና፥ አምላኽና አምላኽ ድኅነት እዩ ዝስአኖ የብሉን፥ ቃሉ ሓቂ ነገራቱ ዝእመን እዩ” ይብል። እዚ መዝሙር አብ ወርኂ ኅዳር እውን ይዝመር እዩ።
ኩልና በዚ ብሩኽ ሰንበት ዕዱማት አምላኽ ኮና አብዚ ቤት አምላኽ ንርከብ አሎና። ወንጌል ማቴዎስ ብአምሳል መርዓ ገሩ አምላኽ ከምዝዕድም ይነግረና። ዓዳማይ አምላኽ ልኡኻት አምላኽ ዕድመ ዘብጽሑ አብ ኦሪት ነብያት አብ ሃዲስ ኪዳን ከአ አቡናት ካህናት ከምኡ ምእመናን ክኾኑ ይኽእሉ። ተዓደምቲ ኩልና ህዝበ እግዚአብሔር። ዕድመና ኸአ አብ መአድን ሓጎስን አምላኽ ምሕዋስ እዩ፥ አምላኽ እምብአር በብእዋኑ አብ ሓጎሱን አብ ጸግኡና ክንሳተፍ ኢሉ ብዝተፈላለየ መገዲ ይዕድመና።
አምላኽ ዝዕድመሉ መገዲ አብ ገለእዋን ምስቲ ናይ ሰብ አይከይድን እዩ፥ ንአብነት ንማርያም አደ ወዱ ክትከውን ዓዲምዋ አብ ምስጢር አምላኽ ክትአቱ ደልይዋ፥ ነብርሃም ካብ ዓዱ አብ ዓዲ ጓና ክኸይድ እሞ አብኡ አቦ ብዙሕ ህዝቢ ክኸውን ዓዲምዎ፥ ንዮሴፍ አብ ዓዲ ጓና አብ ግብጺ ንህዝበ እግዚአብሔር ከድሕን ልኢኽዎ፥ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ንዑ ስዓቡኒ እናበለ ክስዕብዎ ዓዲምዎም፥ ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና በበቲ ዘሎና ሕይወት ይዕድመና። ነቲ አምላኽ ሂቡና ዘሎ ዕድመ ክነኽብሮ እሞ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነውዕል እዩ ዕድመና።
አብ ባህልና ሓደ ሰብ ብኽብሪ ድሕሪ ዓዲሙና ዕድመ ነኽብር እንተዘይኮነ ተዓዲምና ክነብቅዕ እሞ ሕራይ ክመጽእ ኢልና እንተ ጠለምና ድሕሪኡ ዘሎ ቂምታን ጽልእን ኩልና ንፈልጦ እዩ ምንጋር አየድልን። አምላኽ ሰንበት ሰንበት ከምኡ አብ ዓበይቲ ብዓላት ምስኡ ክንውዕልን ክንሕጎስን ይዕድመና። አብ ሓጎስ አምላኽ ክትሳተፍ ዕዱም ምዃን በረኸት እዩ ዘብዝሕ።
ሓደ እዋን አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝመጸ ህዝቢ ንፋስ ዝመልአ ዝተነፍሐ (ባሉናት) ተዋሂቡ፥ አብ መንጎ ቅዳሴ እናሰምዑ አብ ልቦም ሓጎስ ምስተሰምዖም ጥራሕ ነቲ ባሉን ክፍንውዎ ተነጊሮም። አብ መንጎ ቅዳሴ ብዙሓት ነቲ ባሉን በብግዚኡ ይፍንዉ ነሮም። አብ መወዳእታ አብ ዝተገብረ ገምጋም መብዝሕትኦም ተሳተፍቲ ቅዳሴ ነቲ ዝተዋህቦም ባሉን ከይፈነውዎ ተረኺቦም። ቅዳሴ እናሰምዑ ልቦም ቀልቦም አብኡ ስለ ዘይገበሩ ክሳተፍዎ ስለ ዘይክአሉ አብ ልቦም ሓጎስ ክስምዖም አይከአለን ስለዚ ክሕጎሱ አይከአሉን። ሎሚ አብዚ ቤተክርስትያና እዚ ዝተዋህበ ባሉን ንነፍስወከፍና እንተ ዝውሃብ ክንደይ ካባና አብ መወዳእታ ቅዳሴ ዘይተፈነወ ባሉን ምተረኽቦም ይመስለኩም። ብዙሓት አብ መንጎና ቤት አምላኽ ገዛ ጸጥታን ምስትውዓልን ዘድልዮ ጥራሕ፥ ብዙሓት ከአ ዓይኖም ዓሚቶም ዝጽልዩሉ ጥራሕ ዝመስሎም አለዉ፥ ናይ ብዓል ምግባር ቦታ፥ ናይ ሓጎስ ቦታ ምዃኑ ዘይሓስቡ አለዉ። አብዚ ክንርከብ ከሎና ዕድመ አምላኽ አኽቢርና ናይ ሓጎሱን ብዓሉን ተሳተፍቲ ክንከውን ኢና መጺእና ዘሎና። አብ እነዕርጎ ቅዳሴ “እቶም አብ መአዲ ዝተዓደሙ ክንደይ ሕጉሳት” እዮም እናበልና ንጽሊ። አምላኽና አብ ድራር፥ አብ ሓጎሱ፥ አብ ብዓሉ፥ ይዕድመና። አብ መርዓ ተዓዲሙ ዘይ ሕጎስን ፍሽሕው ገጽ ዘየርኢ እንተ ዝርከብ እንታይ ምበልናዮ። አብ ሓጎስ አምላክ ክሳተፍ ዝመጸ ከይተሓጎሰ እንተ ተመልሰ ዝዓበየ ክሳራ እዩ። ሎሚ ዝድለ ዘሎ አምጺኡና ዘሎ ዕድመ አምላኽ ብምሉእ ተሳቲፍና አብ ገገዛና ክንምለስ እዩ።
ንአምላኽ ጊዚኡ ንሃቦ።
አብ ዝተነበና ወንጌል ሰለስተ ዓይነት ዕዱማት ከምዝነበሩ ይነግረና። መጀመርያ ጋንታ ዕድመ ተቐቢሎም እንተ ኾነ መዓልቲ መርዓ ምስ በጽሐ አይጠዓመናን ኢሎም አብ ውራዮም ዝኸዱ ዕዱማት። ካልአይ ጋንታ ልብሰ መርዓ ዘይተኸድኑ ዕዱማት፥ እዚኦም ዕድመ አኽቢሮም አብ መርዓ መጺኦም እንተ ኾነ ንመርዓ ዝኸውን ክዳን አይተኸድኑን በቲ ዝወዓልዎ ናይ ስራሕ ክዳኖም ገሮም መጺኦም እዚኦም እውን ነቲ ዕድመ ብዝግባእ አየኽበርዎን። ሳልሳይ ጋንታ ንዕድመ ብግቡእ አኽቢሮም ኩሉ ዝግባእ ልበሰ መርዓ ተኸዲኖም ዝመጽኡ ኩሉ ዝግባእ ምስንዳው ገሮም ክዳኖም አጸቢቆም አብ ቦታ መርዓ መጺኦም ነቲ ንጉሥ ዘሓጎስዎ።
ሓደ ዘየሓጉስ ነገር ናይ እቶም አብ መርዓ ዘይመጹ ሰባት ኃጢአተኛታት ዘይኮኑ ምዃኖም እዩ። አብ ዝኾነ ዓይነት ኃጢአት ዘይወደቝ እዮም። ሓደ አብ ግራቱ ወፊሩ፥ ሓደ አብ ንግዱ ከይዱ። ብርግጽ እዚ ዝሃብዎ ምኽንያት ዘኽስብን ጽቡቅ ስራሕን እዩ። ካብቲ ዝተላእኮም ዕድመ ናይ ግሎም ጉዳይ ዓዚዝዎም። ብዙሕ ጊዜ ካብ አምላኽ እንፍለ ኃጢአት ስለ ዘገበርና አይኮነን፥ በቲ መነባብሮና ስለ እንትሓዝ ዋኒና ስለ ዝበዝሓና እዩ። ብናይ ዓለም ነገር ተዋሒጥና ንአምላኽ ጊዜ ንስእነሉ። አርክበሉ ጌና ላዕልን ታሕትን ክንብል ንደቀይ ከዕቢ ገንዘብ ክእክብ እናበልና ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ የብላናን። እዚ አብ ቤት አምላኽ ከምኡ ጸሎት ከይንገብር ዓጊቱ ጅሆ ይሕዘና። አብ ስራሕካ ሸለል ዘይምባል ጽቡቅ ነገር እዩ፥ እንተ ኾነ አብ መአዲ አምላኽ ከይትሳተፍ ዝዓግተካ እንተ ኾነ ዕንቅፋት እዩ። አብዚ ዓዲ ዘሎና ፍሉይ ጸገም አሎና ሰባት 10~16 ስዓታት ክሰርሑ ሃጸፍጸፍ ክብሉ ንአምላኽ ጥራሕ ዘይኮነ ሕይወቶም ረሲዖም ዝነብሩ ውሑዳት አይኮኑን። ዝገደደ አብከምዚ ኵነታት እንከለዉ መዓልቲ አምላኽ ዝመጸቶም ውሑዳት አይኮኑን መስኪናይ መስኪነይቲ ሓንቲ መዓልቲ ከየዕረፈ/ት እናበልና ንዛረበሎም። ገለ እውን ንደቆም ዝኸውን ገንዘብ ክእክቡ ለይትን መዓልትን ሰሪሖም ደቆም አብ ዘይተደለ መገዲ ወዲቖም ዘይወጽእ ስቓይ ዝወረዶም ውሑዳት አይኮኑን፥ እምብአር አሕዋተይ ንአምላኽ ግዚኡ ንሃቦ ንርእስና ኸአ ግዜና ንውሰድ። ንአምላኽ ግዚኡ አሕዲግናዮ እንጉዓዝ ውሑዳት አይኮናን።
አበሃህላ አሎ “the good is the enemy of the best” “ጽቡቕ ነገርሲ ተጻይ ናይ እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ” እዚ ማለት ሓደ ንእሽቶይ ፍቡቕ ነገር ክንገብር ኢልና ንዝዓበየን ዝበለጸን ነገር ክንሓድግ ከሎና ማለት እዩ። እቶም አብ መአዲ አምላኽ ክመጽኡ ዘይከአሉ ብዘይ ምምጽኦም እንታይ ይጎድሎም ከምዘሎ እንተ ዝፈልጡ እቲ ከምዘይመጹ ገርዎም ዘሎ ጽቡቕ ኮይኑ ዝርአዮም ነቲ ዝበለጸ ጸጋ አምላኽ ከምዝኽልክሎም ዘሎ ምተረድኡ። ንአምላኽን ናብራ እዚ ዓለምን ሓዋዊሶሞ ይርከቡ። ብኻልእ እንተ ርአና እውን ገለ ሰባት ናይ ሰንበት ግብኦም ከማልኡ ኢሎም ኃጢአት ከይቍጸረሎም ኢሎም ዝመጹ ይህልዉ ይኾኑ ስርዓት ክፍጽሙ እዚኦም አብቲ ሓጎስ አምላኽን ምስጢሩን ሱታፌ የብሎምን፥ ብአካል አብቲ ቦታ ሓጎስ አለዉ እንተኾነ ልቦም ቀልቦም አብ ካልእ እዩ ዘሎ፥ እዚ ንብዙሓት ካባና ዘጸግመና እዩ። እቲ ዘገርም አብ ጊዜ ጸሎት አብ ጊዜ ቅዳሴ ልብና ቀልብና አብ ካልእ ይወፍር ብአፍና ብቓልና ኩሉ ጸሎት ንደግም እንተ ኾነ አብኡ የለናን። አብ ቅዳሴ እንመጽእ አብ ሓጎስ አምላኽን ማሕበር ክርስትያን ክንሳተፍ ኢና፥ አብ መአዲ ክርስቶስ ከይተሳተፍና ክንተርፍ እንከሎና አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዓቢ ጉድአት ነውርድ።
ማቴዎስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ሓደ ካብቶም ዝተዓደሙ ጊዜ ግዲ ስኢኑ ልብሲ መርዓ ከይተኸድነ ከምዝመጸ እሞ ብዓል መርዓ ዓርከይ እንታይ ድአ እዩ እዚ ኽዳንካ ዘንጊዕካ ከይትህሉ ወይስ ንዕድመይን ንእንታይነተይን ዘንጊዕካ እናበለ ከምዝሓተቶን እሞ ከምዝሰጎጎን ይነግረና። ኩልና ክመ እንፈልጦ መርዓ ክትኸይድ እንተ ኾንካ ልብሰ መርዓ ምልባስ ግድነት እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ኩሉ ጊዜ አብቲ እትኸዶ ጉዳይ ምስኡ ዝኸይድ ክዳን ክትክደን የድሊ። ናይ ሓዘን ናይ መርዓ ናይ ስራሕ ክዳውንቲ ፍሉጥ እዩ። ምስኡ ዘይከይድ እንተ ተከደንካ ጸገም አሎ ማለት እዩ። ሓደ እምብአር ናይ መርዓ ክዳን ከይተኸድነ አብ መርዓ እንተ መጸ ብአካል አብኡ አሎ ብመንፈስ ግን አብኡ የለን ማለት እዩ። አብ ብዓል እዩ ዘሎ እንተኾነ ነቲ ሓጎስ አይሳተፎን አሎ ማለት እዩ። ኢየሱስ ነዚ ዓይነት አገባብራ እዩ ዝጸልእ። ዘይምምጻእ ይሓይሽ መጺእካ ካብ ዘይምክፋል።
ኩልና አብ መርዓ አምላኽ ተዓዲምና ሰንበት ሰንበት ንመጽእ አሎና፥ እንተኾነ ምስ ኃጢአትና ከሎና ምስ ቂምታና ከሎና ንሓውና/ሓፍትና ጸሊእና ከሎና መጺእና እንተሎና ልብሰ መርዓ ከምዘይተኸድኑ ኢና። እሞ ደፊርና ነቲ አብ ልብና ልብሲ መርዓ ከይንኽደን ከልኪሉና ንዘሎ ቀንጢጥና አብ ምሉእ ሓጎስ አምላኽ ንእቶ። እዚ እዩ መልእኽቲ ናይ ሎሚ ወንጌል። ንኹሉ ምስ አምላኽ ሓደ ከይትኸውን ከዊሉካ ንዘሎ ስዒርካ ምስ አምላኽ ሓደ ምኻን።
ዕድመ አምላኽ ንኹሉ እዩ፡
እቲ ዕድመ ብነጻ ንኹሉ እዩ፥ እንተ ኾነ ኩሉ ክሳተፍ ዝደሊ ሓላፍነት ለቢሱ ከምቲ እቲ ንጉስ ዝደልዮ ኮይኑ ክቐርብ አለዎ። መንግስቲ አምላኽ ብነጻ ንኹልና እዩ ተዋሂቡ ዘሎ። እቶም አብቲ መንግስቲ አምላኽ ክንሳተፍ እንደሊ ካብ ዝኾነ አብቲ መንግስቲ ከይንሳተፍ ዝዓግተናን ዝኽልክለናን ነገራት ክንርሕቕ አሎና።
አብ ቅድሚ አምላኽ ኩልና ብሓደ ዓይኒ ኢና እንርአ፥ አምላኽ ንኹልና አብ መአዱ ክንሳተፍ ብኃጢአትና ክንሳሕ፥ ጉዕዞ ሕይወትና ክንሕሉ ይደሊ። ንአምላኽ ብጎኒ ሓዲግና አብ ዋኒና ጥራሕ እንተ አድሃብና ግን ነቲ ፍሉይ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ መጸዋዕታ ንነጽግ አሎና ማለት እዩ።
ዕዉታት አብ ዕድመ አምላኽ፡
ካብቶም አብ መርዓ ዝተዓደሙ ኩሉ አማሊኦም ብግቡእ ዝመጹ ነሮም። እዚኦም ጥራሕ እዮም ብምሉእ ናይ እቲ መርዓ ሓጎስ ዝተሳተፉ። እዚኦም እዮም እቶም ክንክተሎም አብነት ዝኾኑና። ንኹሉ አማሊእና ብነፍስን ብስጋን ተቐሪብና ክንመጽእ ከሎና ጥራሕ እዩ ምምጻእና ፍረ ዝህልዎ። አብ ገጽና አብ ዘረባና አብኩሉ ዝርአ ምልክት ምስንዳው ክነርኢ ይግባእ። አበይ እኸይድ አሎኹ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እሞ ዘድሊ ምስንዳው ክንገብር። ምምጻእ ጥራሕ እኹል አይኮነን።
ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እምብአር ነቶም ካብ መአዲ አምላኽ ንርእሶም አርሒቖም ዝነብሩ ክንደይ ዓቢ ሓጎስን በረኸትን ይሓልፎም ከምዘሎ ከዘክር እዩ። እቶም ዕድመ ተቐቢልና ክንመጽእ ፍቓደኛታት ኮና መጺእና ዘሎና ንጸጋ አምላኽ ብዙሕ ዋጋ ከይሃብና ከይንነብር ክንጥንቀቕ አሎና። ነፍስና እንጺሕና ዝጸበቕና ሰባት ክንከውን እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ኢልና ክንክእል። ከምቲ ጳውሎስ ሓዋርያ አብ መልእኽቱ አብ ሰብ ቆላስያስ 3፡14 ዝጸሓፎ ዘሎ እዩ፥ “አብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ግና ንዅለን አሲራ አብ ፍጻሜ እተብጽሔን ፍቕሪ እያ እሞ ልበስዋ” ዝበሎ፥ ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ ሓውናን አንጊስና አብ ቤት አምላኽን አብ መአዱን ክንመጽእ ከሎና ኩሉ ጊዜ ክነጽሕ ክንሕደስ እዩ እሞ ብምሉእ ልብና ንሳተፎ። አምላኽ ዕድሚኡ አኽቢርና ክንመጽእ ጸግኡ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.