2013-06-25 16:00:04

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ማሕበር ደቀ ባት ኣርጀንቲና


RealAudioMP3 ዕለት 24 ሰነ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብኣርጀንቲናዊ ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ኣዶልፎ ፐረዝ ኤስኵይቨል ምስ ዝተሰነዩ ደቀባት ኣርጀንትናውያን ማሕበረሰብ ከምእተራኸቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፍን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሶም እቲ ርክብ ኣብ ናይ ክንክንን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መላእ ደቀባት ላቲን ኣመሪካ ዘማእከለ ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ደቀባት ኣደዳ ዓመጽን ኣድልዎን ከምዝኾኑን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ምእንቲ እቶም ኣርጀንትናውያንን መላእ ላቲን ኣመሪካውያን ደቀባት ይጣበቑን መሰሎምን ሰብኣዊ ክብሮም እውን ክሕለወሎን የተሓሳስቡን ጻውዒት እውን የቕርቡን ከዝምነበሩ ክምልከት እንከሎ፣ ዓመጽን ምንዛዔ መሬቶምን ከባቢኦምን ዘጋጥሞም ኰይኖም ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክኾኑ እንከለዉ፣ እዚ ድማ ባህሎም ኣነባብሮኦምን ፍሉይ ዝገብሮም ዘበለ ኵሉ ዝሓክኽ ምላካዊ ባህልን ኤኮኖሚያዊ ከይድን ክቕበሉን ገዛእ ርእሶም ክሓኩ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግደዱ፣ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ልዕሊ 600 ሄክታር መሬቶም ተመንዚዖም ንመንበረ ጥበብ ፎርሞሳ ከምእተውሃበን፣ ክሳብ ሕጂ እውን ዘካትዕ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ደ ካሮሊስ ጸብጻብ ናይ ኣርጀንቲና ማሕበር ደቀባት ጠቒሶም የመልክቱ።
ኣብ 2010 ዓ.ም. ደቀባት ኣርጀንቲናውያን ዘለዓዓልዎ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ እቲ ሕቶኦም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ብዙሓት ኣቃልቦ ክረክብን ከምዝገበረን፣ እቲ ዘለዓዓልዎ ሰላማዊ ቃልሲ ምእንቲ መሰልን ክብንር ንምዕፋን ሓይሊ ጸጥታ ብዝወስድዎ ስጉምቲ ክልተ ኣባላት መራሕቲ ማሕበር ደቀባት ኣርጀንቲናን ሓደ ኣባል ሓይሊ ጸጥታን ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን፣ ካልኦት ብዙሓት ኣባላት ደቀባት ኣርጀንቲና ከምእተኣስሩ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ ብውሳኔ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ኪርኽነር መሠረት ዝወረዶም ጸቕጢ ደው ክብል መላእ ደቀባት ኣርጀንቲና ምግቢ ናይ ምቁራጽ ኣድማ ከምዘካየዱ እውን ዝዝከር ኰይኑ፣ ብዘይ ናይ ሓባር ውዕሊ ምፍርራም ኣብ ኣርጀንቲና ኩነት ደቀባት ክመሓየሽ ከምእተራእየን፣ ኮይኑ ግን ገና ብዝሕ ዝተርፎ ምዃኑን መሰል ክንክን ጥዕና ኣገልግሎትን ጽሩይ ዝስተ ማይ ቀረብን ትምህርትን ክረኽቡን ኣብ ገዛእ ሃገሮም መሰልን ሰብኣዊ ክብሮምን ዜግነትን ተነፊግዎም ንዝተፈላለየ ስቓይ ዝተቓልዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕለወሎም እቲ ብዓሌት ምኽንያት ቋንቋኦምን ባህሎም ንምጥፋእ ዝግበር ብፖለቲካ መሠረት ኣውን ጐስጓስ ዝግበረሉ ተግበርን ጻዕርን ተወጊዱ ባህላዊ መንነቶምን ቋንቆኦምን ዓቂቦም ናይ ምንባር መሰሎም ክሕልወሎም ዝግበር ጻዕርን ዝቐርብ ጻውዒትን ገና ቀጻሊ ምዃኑ ናይቶም ኣባላት ደቀባት ኣርጀንቲና መግለጺ ዝጠቐሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.