2013-06-22 16:04:10

ተክለ ሰብእነት ኢየሱስ ኣብ ቲዮሎጊያ ጆሰፍ ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16


RealAudioMP3 እቲ “ጆሴፍ ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16” እተሰምየ ቫቲካናዊ ማሕበር ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. “ተክለ ሰብእነት ኢየሱስ ኣብ ቲዮሎጊያ ጆሰፍ ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ክካይድ ከምዝኾነ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ “ወንጌላውያን፣ ታሪኽን ስነ ክርስቶስን ብርእየት ስነ ምርምርን መጽናዕትን ጆሰፍ ራትዚንገር” ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ እንግሊዛዊ ናይ ሥነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኣብ ሎንደን ናይ ኪንግ ተቛም ዋና ኣመሓዳሪ ሪቻርድ ብሪድጅን፣ ጀርመናዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ ጀርመን ረገንስበርግ ናይ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተቛም ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ናይ ዓንቀጸ እምነት ቲዮሎጊያ መምህር ፕሮፈሰር ክርስቲያን ሻለር ናይቲ ቫቲካናዊ ጆሰፍ ራትዚንገር ማሕበር ስነ ምርምር ሓልዮ ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ ናይቲ ጆሰፍ ራትዚንገር እተሰምየ ስልማት ተሰለምንቲ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ካብ ዕለት 24 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ፖላንድ 32 መናብርተ ጥበብን 400 ሊቃውንቲ “መንፈሳዊ ነጋዲ ሓቅን ሰላምን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘመያየጠ ናይ ቫቲካን ጆሴፍ ራትዚንገር ማሕበር ዘካየዶ ዓውደ መጽናዕቲ ስዒቢ ዝካይድ ምዃኑን እቲ ቀዳማይ ናይዚ ማሕበር ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃይነሮ “ሰብ ሰብ ክኸውን ዝገበር እንታይ ኰን ይኸውን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ 134 መናብርተ ጥበብ 700 ተመራመርትን ሊቃውንትን ዘሳተፈ ከምዝነበረ ናይዚ ማሕበር ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስኮቲ ከምዝሓበሩ ኣመልኪቱ።
ናይዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ኣስናዳኢ ኮሚቴ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዣን ልዊስ ብሩገስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኢየሱስ መንነት ኣብ ወንገላውያን ኣገላልጻ ስነ ትርጓሜ መሰረት ዝገብር” ኢዩ ኢሎም። ናይቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሮመራ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅድስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ድርሰታቶም ብፍላይ ድማ ኣብተን ዓበይቲ ድርሰታቶም ኢየሱስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘማእከለ ኣሞ እንታይነት ምዃን ክርስቲያን ብኢየሱስ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ዝብል ከምዝኾነ ዘነጽር እዩ። ብተወሳኺ ድማ ስነ መንፈሳዊነት ቲዮሎጊያ ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነዚ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ኵርናዕ ምርምር ዝርእይ ኰይኑ ኣብ ወንጌላውያን ዝግለጽ ኢየሱስ ዝምልከት ብምዃኑ ንናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ኣስተዋጽኦ ዝህልዎን ንናይ ቲዮሎግያን ስነ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ ሊቃወንቲ ዓቢይ ደገፍ ከምዝኸውን ርጉጽ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.