2013-06-22 15:51:49

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ልብና ዘድሕን ሃብቲ ከነዋህልል ጐይታ ይደግፈና


RealAudioMP3 “ጥቕሚ ኣልቦ ብዝኾነ ሃብቲ መገዱ ዝስሕት ልቢ ዘይኮነስ ምፍቃር ናይ ዝፈልጥ ልቢ ጸጋ እግዚኣብሔር ክዕድለና ንለምኖ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ስብከት ዕለት 21 ሰነ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምስ ናይ ጳጳሳዊ ሰነዳት ሕጊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ አልመይዳን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኢግናሲዮ ኣሬታን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ኣፓረሲዶ ጎንዛለስ ደ ኣልመዳ ብሓባራ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘስምዑ ነቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ናይ ሰነዳት ሕጊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ቤት ዕዮ ክፍሊ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተሓባበርትን ሰራሕተይናታትን ዝተሳተፍሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣመርኵይዞም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ብኢየሱስ ዝግለጽ ምዃን ናይ ሓደ ክርስቲያን ኣመክንዮ እዚ ድማ “ሃብትኻ ኣብ ዘለሉ ኣብኡ ልብኻ ኣሎ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝግለጽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፣ ክቡር ወይ ድማ ብሉጽ ነገር ምስ ሃብቲ ከነደናግሮ የብልናን፣ ሰለዚህ እቲ ስግኣት ከስዕበልና ዝኽእል ኵለንተናና ዘስድዕ ወይ ድማ ዘስሕት ብምዃኑ ክንሓድጐ እዩ ዝግብኣና” ቢሎም “ሃብቲ ዝጸዓነት መኪና ዘይኮነስ ካብዚ ዓለም ዝዓረፈ ሰብ እተሳፍር ናይ ቀብሪ መኪና ዝዕጅብ ሕዝቢ ኢና እንርእይ፣ ስለዚ እቲ ማንም ካባና ክምንዝዖን ክወስዶን ዘይከኣሎ ምስና ሒዝናዮ እንጓዓዝ እቲ ክበዝሓልና ዝዓቖርናዮ ዘይኮነስ እቲ ንኻልኦት ዝሃብናዮ ሃብቲ እዩ። እቲ ንኻልኦት ዝሃብናዮ እዩ ክህልወና ዝግባእ፣ እዚ እዩ ድማ እቲ ሒዝናዮ እንጓዓዝ፣ ብሉጽነትና እዩ፣ እዚ ብሉጽነትና ድማ ኣባና ዘሎ ናይ ኢየሱስ ብሉጽነት እዩ። እቲ ናይ ኢየሱስ ብሉጽነት ድማ ፍቕር ግብረ ሠናይ ዝስዋእ ፍቕሪ ኣገልግሎትን ጥበብን ለውሃትን ሓልዮትን ርህራሄን ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ ሒዝናዮ እንጓዓዝ ብሉጽን ዓቢይ ሃብትን እዚኣቶም እያቶም” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ጐይታ ነቲ ብሉጽ ሃብቲ ከነናድይን ክንረኽቦን ዝድርኸና ሃንቀውታ ኣባና ዘሕደረልና ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንክረድኡ፦ “እቲ ሃብትና ንጐይታ ቐረባ እንተድኣ ዘይኰነ እቲ ብሉጽ ናብ ጐይታ ዘቕርበና ሃብቲ ንምድላይ ዝድርኸናን ህንጡያት ዝገብረና ባህርይ ነዚ ብሉጽ ሃብቲ ኣብ ምንዳይ እንተድኣ ዘየውዓልናዮ እሞ ነቲ ዘይብሉጽ ሃብቲ ኣብ ምድላይ እንተውዒልናዮ ጭንቀት ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ብዙሓት ድማ እዚ ዓይነት ሸቐልቀል እዩ ዘለዎም። እቲ ንምድላይ ንምእካብ ሃርገፍገፍ ትብክ ኩሉ ትእክብ፣ ልብኻ ግን ይደክም፣ ስለምታይ ልብና ጠሪሹ በዚ ነገር ኩሉ ምሉእ ስለ ዘይከውን እዩ። ገዛእ ርእስና ንሕተት ዝደኸመ ልቢ ድዩ ዘሎና፣ ሒደት ነገራት ከነጣጥሖ እንደልዮ፣ ኣብ ባንኪ ቤት ገንዘብ ምውህላል ዝብልን ካልኦትን…እቲ ሸበድበድካ ክህልወካ ንዘይከኣለካ ነገር ድዩ ወይ ድማ ነቲ ናይ ጐይታ ክቡር ዋጋ ንምንዳይ እዩ ዝድርኸካ? ስለዚህ እቲ ናይ ልባትና ሸበድበድ ቅኑዕ ሸበድበድ ክኸውን ምክንኻኑ የድሊ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ዓይኒ እቲ ኣብ ኣካል ዝንጸባረቕ ሰናይ ወይ ድማ ክፉእን ጸላምን ዝገበር ናይ ልቢ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ነገራት ናይ እንህቦ ፍርዳዊ ሚዛን ከምዝኾነ ስለዚህ ውግእን ጽልእን ዝወልድ ተሪር ልቢ፣ ኣብ ምድራዊ ሃብቲ ዝተጣብቀ ልቢ፣ ኣነነት ዝብል ልቢ፦ “ጐይታ ናብ ስጋዊ ልቢ ክልውጦን ምስቲ ኣብ ምዃንና ብኑባሬ ዘሎ ሰብኣዊ ሰናይ ሓንቀውታን እወታዊ ርባጸን ወትሩ ንጐይታ ኣብ ምድላይ ብኣኡ ክንርከብ ፈቓደይናታት ኰይና ንቕድሚት ክንብልን ጐይታ ባዕሉ ልባትና ይለውጦ፣ የድሕነናን፣ ካብቲ ምሳኡ ንኸይንራኸብ ዝድርኸና ሃብቲ የድሕነናን፣ በቲ ሓቀይና ሃብቲ ሚዛን መሠረት ክንፈርድን ክንፈልጥን እዚ ድማ ናይ ጐይታ ሓቅነት ክንፈልጥ ጐይታ ባዕሉ የብቕዓና፣ እቲ ሓቀይና ሃብቲ መታን ከነናድን በዚ መሠረት ድማ ናይ ብርሃን እምበር ናይ ጸልማት ሰባት ከይንኸውን ጐይታ ልባትና ይለውጠልና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.