2013-06-22 18:55:39

ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ 2005 ዓ.ም. (6/23/2013


መዝሙር፡ “ይፈተሳህ ሰማይ ወትትሐሰይ መድር. . . . . “ (ከም ናይ ትንሣኤ በል)።
“ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሓዋርያት ከመ ዘእሳት ወተናገሩ በነገረ ኵሉ በሓውርት”
ንባባት፡ 1ቆሮ 12፡3~13፥ 1ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 2፡1~11፥ ዮሓ 20፡19~23
ምስባክ: “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ንትፈሳሕ ወንትሃሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ” “እታ እግዚአብሔር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን” መዝ 118፡24።
ሎሚ ብዓለ ጴራቅሊጦስ ብዓል ልደት ቤተ ክርስትያን፥ ዘመነ ትንሣኤ ዝዛዝመሉ ማለት ምስጢረት ትንሣኤ ሕማምማት፥ ሞትን፥ ትንሣኤን፥ ዕርገትን ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ኢና እነብዕል ዘሎና። ዘጰራቅሊጦስ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ።
ወላእኳ ዓቢ ምስጢረ ትንሣኤ ሓደ ይኹን እምበር ንአስተንትኖን ንአና ክሕግዘና ብማለት አብ ሸውዓተ ሳምንቲ ዘርጊሕና ንዝክሮ። ከምቲ አብ ንባባትና ዘሎ ክልተ ዝተፈላለየ ፍጻሜታት ገርና ክንርእዮ የብልናን።
አብ ግ.ሓ. ከም እነንብቦ ብዙሕ ምልክታትን አምሳልትን ንረክብ። ሉቃስ ከነግረና እንከሎ ሓዋርያት አብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ድኅሪ ፋሲካ ዚውዕል በዓል አይሁድ ከብዕሉ ኩላቶም ኃቢሮም ብሓንሳብ እንከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም ይብለና። ብሓንሳብ ተአኪብና ክንጽሊ ከሎና አምላኽ ምሳና አሎ። ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ክእከቡ እንከለዉ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ ኢሉና እዩ። ስለዚ ብሓንሳብ ምዃን ፍሉይ ትርጉም አልኦ።
ሉቃስ ምውርድ መንፈስ ቅዱስ ክገልጽ እንከሎ ብዙሕ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምልክታት ገሩ እዩ ዘቕርበልና። መጀመርያ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ድምፂ መጸ ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልአ ይብል። አብ ቋንቋ ግሪኽ “መንፈስ” ዝብልን “ንፋስ” ዝብልን ቃል ሓደ እዩ ስለዚ ንፋስ ክብል እንከሎ ናይ አምላኽ መንፈስ እዩ ዘስምዕ። ድሕሪኡ “ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተመቓቒሉ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ” ይብል። እንደገና ህልዌ አምላኽ ዝገልጽ ምልክት ንርኢ። አብ ብሉይ ኪዳን ህላዌ አምላኽ ብአምሳል ሃልሃልታ ሓዊ ክግለጽ እንከሎ “ሙሴ ምስ አምላኽ ክዛረብ እንከሎ አብ በረኻ እሾኽ ቍጥቋጥ ከይነደደት ሃልሃል ክትብል ረአያ” ዝብል አብ ዘፅአት 3፡1~3 ነንብብ። እስራኤላውያን አብ ምድረበዳ ክጉዓዙ እንከለዉ ቀትሪ ብደመና ለይቲ ኸአ ብዓምደ እሳት ይመርሖም ክመዝነበረ እዚ ኸአ እግዚአብሔር አብ መንግኦም ከምዘሎ ዝገልጽ ነንብብ። ሓዋርያት እምብአር ኩሎም ብመነፍስ ቅዱስ መሊኦም። ናይ እዚ ምልክት ከአ ኩሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋ ክዛረቡ ምኽአሎም እዩ።
ሓዋርያት መነፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ቀልጢፎም ነቶም ህዝቢ ክዛረቡ እዮም ወጺኦም። አብቲ ጊዜ ኢየሩሳሌም ብዝተፈላለዩ አብ እምነት አይሁድ ዝተመልሱ ካብ ኩሉ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ዝመጽኡ መሊአ ነራ። እቶም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ ህዝቢ በቲ ዘረብኦም ተገሪሞም እዚኦምሲ ካብ ገሊላ ዘይኮኑን እዚ ኹሉ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ምዝራብ ካበይ አምጺኦሞ እናበሉ ተገሪሞም።
ትርጉም ናይ እዚ ብሩህ እዩ። ሓዋርያት ዝሰብክዎ ዝነበሩ ንምሉእ ዓለም ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። አብ ዘፍጥረት ከም እንነብቦ ደቂ ሰብ አብ ባቢሎን አብ ሰማይ ዝበጽሕ ግንቢ ክሰርሑ ጀሚሮም፥ እግዚአብሔር በዚ ተቆጢዑ ክረዳድእሉ ዘይኽእሉ ዝተፈላለየ ቋንቋ ፈጢሩ በተኖም፥ ደቂ ሰብ ብውሽጦም ተፈላለዩ። እዚ ናይ ባቢሎን ብመዓልቲ ጰራቅሊጦስ ተቐይሩ። ኩሎም በብቋንቍኦም ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖሞ፥ ሰባት አብ ትሕቲ አምላኽ ሓደ አካል ኮይኖም። መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ሓድነት ደቂ አምላኽ ገሊጻትልና።
አብ ናይ ሎሞ ወንጌል ፍልይ ብዝበለ አገላልጻ ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ይዛረብ። ምሽተ ትንሣኤ ሓዋርያት አብ ገዛ ብሓባር ማዕጾ ተዓጽዩ እንከሎ ከም ዝተፈጸመ ይነግረና። ሓዋርያት ካብ ሕጂ ሕጂ ይመጽኡና ኢሎም ተሸቕሪሮም ከምዝነበሩ፥ ጸላእቲ ኢየሱስ እውን ነዞም ተኸተልቲ ኢየሱስ ከይዓበዩ ከለዉ ከጥፍእዎም ከም ዝሓስቡ ስለ ዝፈልጡ ዝነበሩ ብፍርሓት ተዋሒቶም አብ ሓደ ገዛ እዮም ተአኪቦም ነሮም።
አብ ከምዚ ኩነታት እንከለዉ ኢየሱስ አብ ማእከሎም ተረኺቡ፥ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” እናበለ ሰላምታ አቕሪብሎም። እቲ ሰላምታ ከም ማንም ሰላምታ አይሁድ እዩ ነሩ እንተኾነ አብ ከምዚ ኩነት ንዘለዉ ፍሉይ ትርጉም አልኦ። ምሸት ሓሙስ አብ ድራር እንከለዉ ኢየሱስ ንአርድእቱ ፍሉይ ሰላሙ ከምዝህቦም አተስፍይዎም ነሩ። አብ ካልእ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ሰላምታ፥ ከምኡ ዝኾነ ካብኦም ክወስዶ ዘይክእል ሰላም ከምዝህቦም ነጊርዎም ነሩ።
ነዚ ሰላም እዩ አብዞም ብፍርሒ ተዋሖቶም ዝነበሩ ሰባት አምጺእዎ። ድሕርዚ ኢየሱስ ቍስሉ ነቲ አብ አእዳዉን ጎኑን ዝነበረ አርእይዎም። እቲ ዝተሰቕለ እሞ ዝተንሥአ ኢየሱስ ምዃኑ ግሉጽ ኮይንዎም። ፍርሓቶም ክገልጽዎ አብ ዝይክእሉ ሓጎስ ምስተቐየረ እንደገና ሰላም ተመነይሎም።
ካብኡ ተልእኮ ይህቦም። “ከምቲ አቦ ዝለአኸኒ እልእከኩም” አሎኹ። ተልእክኦም ልክዕ ከምቲ ናቱ እዩ። ነቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ክቕጽሉ እዩ ተልእኮኦም። “እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ኃጢአቶም ንዝኃፈግኩምሎም ኪኅደገሎም ንዘይኃደግኩምሎም ግና አይኪኅደገሎምን እዩ” (ዮሓ 20፡22~23) በሎም። ኡፍ ምባል ምልክት ሕይወት እዩ። አብ ታሪኽ ፍጥረት አምላኽ አብ ልዕሊ ማያት አስተንፈስ። አብ ልዕሊ ጭቃ ምስ አስተንፈሰ ቀዳማይ ፍጥረት ደቂ ሰብ ተፈጥረ። ሎሚ አብ ልዕሊ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ እናበለ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕይወት እናሃቦም አብ ልዕሊኦም እናአስተንፈሰ ሓዲስ ሕይወት ሂቡ፥ ሓደስቲ ፍጥረት ገርዎም። ቀጺሉ ናይ ሕድገት ኃጢአት ስልጣን ሂብዎም። እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ስልጣን ሰባት ካብ ገበን ነጻ ዝኾኑሉ ጥራሕ አይኮነ፥ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ሓዋርያት ንሰባት አብ አምላኽ ከምጽኡ፥ ነቶም ካብ አምላኽ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈልዩ ዕርቂ ከውህቡ፥ ምስቲ መጀመርታን መጨረሽታን ሕይወቶም ዝኾነ አምላኻ ከምዝዕረቑን ከምዝወሃሃዱን ይገብሩ። ከምኡ ነቶም ምስ አምላኽ ክዕረቑ ዘይተሰናደዉ ክውስኑ ስልጣን ተዋሂብዎም።
እዚ እዩ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ማለት ንሰባት አብ አምላኽ ምቕራብ። ቀንዲ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ንብዙሓት አብ ክርስትና ምእታው ወይ ቤተ ክርስትያን ምህናጽ አይኮነን ምስ አምላኽ ኮንካ አብ መንግስቲ አምላኽ ምዕያይ እዩ። አብ መንግስቲ አምላኽ ምዕያይ ማለት ከአ እግዚአብሔር ጎይታን ፈጣርን ምዃኑ ብኹሉ ከምዝፍለጥ ምግባር እሞ ሰባት ሕይወቶም ምስኡ ከምዝመርሑ ምግባር እዩ።
እዚ ተልእኮ እዩ ብኢየሱስ ንሓዋርያት ዝተዋህበ ከምኡ ንነፍስወከፍና ዝተዋህበ። ሰብ መጠን ቀልጢፉ ምስ አምላኽ ዝተዓርቀሉ መጠኑ ኸአ ካልኦት ከምዝዕረቝ ይገብር።
መልእኽቲ ጳውሎስ 1ቆሮንቶስ ዝተነበትና ብዛዕባ ህያባት አምላኽ ንነፍስ ወከፍና ዝተዋህበ ይዛረብ። ኩልና ንሓደ ዓይነት ብሓደ መገዲ አይኮናን ተጸዊዕና። “በብዓይነቱ አገልግሎት አሎ ጎይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ዝኾነ ተግባራት አሎ እቲ አብ ኵላቶም ኵሉ ዚገብር አምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ” (1ቆር 12፡5~6)።
ነፍስወከፍና ሓደ መወዳእታ ዓላማ ካብ ሓደ ምንጪ ዝወጸ አሎና፥ ግን ምስ ዝተፈላለየ ዓይነትን ጠባያትን ክእለትን ከምኡ አብ ከባቢና ዘሎ ኩነታትን ብምርአይ ንርእስና ክንርኢ ንኽእል እሞ ብዝተፈለ መገዲ አብ ዓላማና ንበጽሕ።
ጳውሎስ ምስ ሰውነት ሰብ እና አወዳደረ ብሓባር ብዝተፈላለየ መገዲ አብ ናይ ሓባር ዓላማ ንሰርሕ ይብለና። ዝተፈላለየ አካልት አሎ ዝተፈላለየ ግብሪ አልኦ ግን አብ ናይ ሓባር ዝዓበየ ነገር ዘተኮረ እዩ። ኩሉ አብቲ ዝለዓለ ምልአት ዝህብ እዩ ዘተኩር። እዚ እዩ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ሓንቲ ቍምስና ተልእኮ ክኸውን ዘለዎ። ኩልና ሓደ ኢና ዓለት ወገን ጾታ አይፈልየናን እዩ። ደቂ ሓደ ክርስቶስ ኮና ሓደ መንፈስ ሒዝና ንዓዪ።
አብዚ ብዓል ጰራቅሊጦስ ናይ መላእ ማሕበር ክርስትያን ምስረታን ተልእኮን ኢና ነብዕል ዘሎና። ብፍሉይ አምላኽ አባይ ዘልኦ ተልእኮን ክገብሮ ዝግብአኒ ፍሉይ ተራን ርእየ ክኽእል አሎኒ። አብ ምዕባይ ቤተ ክርስትያን አብ ስፍሓት ወንጌል ክገብሮ ብፍሉይ ንአይ ዝርኢ ከስተንትን አሎኒ። አብዚ ዘለኽዎ ናተይ እጃም ርእየ ኽኽእል ይግብአኒ። እዚ እዩ ሎሚ ብፍሉይ ከስተንትኖ ዝግብአኒ። ንአምላኽ ክንልአኽ ፍቓደኛታት ክንከውን ልብና ንኽፈት።
መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ መዓልቲ ተሓድሶን ንሓዲስ ተልእኮ ምስ ሓዲስ መንፈስ እትጅምሮ ስለ ዝኾነ ሎሚ ኦ መንፈስ ቅዱስ ፈጣሪና ክንሰምዓካ ክንልአኸካ ሓግዘና ከምቲ ንሓዋርያት ልቦም ከፊትካ ፍሉይ ፍቕሪ ከሕድሩ እሞ ክምስክሩኻ ዝሓገዝካ ሓግዘና አብ እምነትና ጸኒዕና ክንጉዓዝ ወትሩ ምሳና ኹን ኢልና ንለምኖ።
ርሑስ ብዓል ጰራቅሊጦስ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.