2013-06-22 16:07:42

ሰነድ ቆስጣንጢኖስ፦ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያንን ኅብረ ዓሌትን ዘተ


RealAudioMP3 ኣብ ሰርቢያ መበል 1700 ዝኽረ ዓመት ሰነድ ቆስጣንጢኖስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ዓሌት ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕን ምርግጋጽን ብዝብል መደብ ንምብዓል ዝተገብረ ምቅርራብ ኣብ ፍጻሜ ከምዝበጽሔ ኣብ ቤልግራድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኦርላንዶ ኣንቶኒኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም እቲ በዓል ነቲ ናይ ሓባር ዘተን ከይድን ናብ ሕብረት ዝብል ፍጻሜ ከብጽሕ ተስፋ ዝተነብሮን ከምዝኾነን፣ ኣብታ ቆስጣንጢኖስ ዝተወልደላ ከተማ ኒስ ዝበዓል መበል 1700 ዓመት ሰነድ ቆስጣንጢኖስ መላእ ኣቢያተ ክርስትይን ብላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕተን ኣቢለን ሓቢረን ከብዕላ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ከምዝነበረን፣ ኮይኑ ግን እቲ ናይቲ ከባቢ ስነ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካን ሃይማኖትን ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ በዓል ክርከብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ኣብ መንጐ ሰርቢያን ክሮኣዚያን ብስርዓት ኡስታሻ ብዝተፈጸመ ቅትለት ዝፈጥሮ ቅርሕንቲ ናይ ሮማ ጳጳስ ምሕረት ክሓትቱ ኣለዎም ዝብል ዘለዓዓሎ ሕቶ እቲ በቲ ስርዓት ዝተፈጸመ ገበን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝብል ዝስማዕ ዘረባ ከይፍጸም ከምዝገበሮን ዘኪሮም፣ ኰይኑ ግን ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብቲ ከባቢ ክበጽሑ ዝድግፉ ድማ ብዙሓት ተራእዮም እዮም። ዘይምርድዳእ ከይመጽእን ንውሕስነትን ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ምግምማዕ ምኽንያት ከይከውን ብዝብል በሳል ኣረኣእያ ምብጻሕ ጳጳስ ሮማ ይጽናሕ ከምእተባህለ እውን ሓቢሮም፣ እቲ በዓል ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሕብረት ዘይኮነ በቢ ውልቀን ከብዕለኦ ምቅርራባት ገይረን ከምዘለዋን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.