2013-06-22 16:10:38

ሰበኻ ሮማ፦ ጸሎት ምእንቲ ተመዛበልትን ስደተይናታትን


RealAudioMP3 ካብ 1988 ዓ.ም. ክሳብ እዚ እዋን’ዚኣ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ ስደት ልዕሊ 19 ሺሕ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እንከለዉ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንምዝካርን ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓሰበ ብሰበኻ ሮማ ዝተዳልዎ ጸሎተ ዋዜማ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘትራስተቨረ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምብትሕሓዝ ከም እተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ናይ ጸሎት መደብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ መልክዕ እውን ዝነበሮን በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ብቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደር ማእከል ኣስታሊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ማእከል ናይ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያን፣ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ማሕበርን፣ ናይ ኢጣሊያ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበርን ከምኡ እውን ናይ ኢጣሊያ ክርስቲያን ሰራሕተይናታት ማሕበር ዘዳለው ክኸውን እንከሎ ኣብቲ መደብ ጸሎት ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ብምስታፍ ዝተመርሔ ከምዝነበረ ሲር ናይ ዜና ገሊጹ፣ እቶም ተመዘበልትን ስደተይናታትን ንኽስደዱ ባህ ስለ ዝብሎም ዘይኮነስ ነዚ ሞት እውን ከጋጥም ዘኽእል ጉዕዞ ዝድርኾም ፖለቲካዊ ኤኮኖሚያዊ ሃይማኖታዊ ድዩ ዓሌታዊ ምኽንያት እዩ። ስለዚህ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሽግር ንምፍታሕ ተቐቢልካ ምእንጋድ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ጥቕማ ጥቕሚ ዝተላቀ ድላይ ፍትሓዊ ፖለቲካ መሠረት ነቲ ኣብቲ እቶም ስደተይናታት ዝነቕሉለን ሃገራት ዘሎ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ምፍታሕ ብዝብል ቀንዲ ዕላማን ተግባርን ክምራሕ ከምዘለዎ ኣብት ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደብ ከምተገልጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.