2013-06-21 09:49:39

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰበኻ ሮማ


RealAudioMP3 17 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘስምዕዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ናይ ሰበኻ ሮማ ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ” (ሮሜ.1.16) ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዘመሓላለፎ ወንጌል ሓይሊ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብዘረጋግጽ ቃል ኣምላኽን ተመክሮኡን ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምእተጀመረ እንክዝከር፣ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰበኻ ሮማ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ሰበኻ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይቲ ጉባኤ ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ መልእኽቲ መሠረት ገይሮም ስልጣናዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ጉባኤ ሰበኻ ሮማ ክልግሱ ምዃኖም ካብ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝነቐለ ምዃኑ እንክሕብሩ፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕንጸት ሓደስቲ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቁምስናታትን፣ ፍሉይ ቆላሕታ ንድኻታትን ንንኡሳንን፣ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ወንጌል ከበስሩ ብኸመይ ክተባብዑን ክህነጹን ከምዘለዎምን፣ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምን ኣብ ፖለቲካ ሕይወት ተራ ዓለማውያን ምእመና ኣብ ዝብል ሕሳብ ኣማእኪሎም ናይ ሰበኻ ሮማ ጳጳስ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ትማሊ ነቲ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበራዊ ናብራን ዓለማውያን ምእመናን ዝምልከት ዘረባ ከምዘስምዑ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዝከታተላ ዘለዋ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.