2013-06-19 09:09:12

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰበኻ ሮማ


RealAudioMP3 ዕለት 17 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘስምዕዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰበኻ ሮማ ከምእተጀመረ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ “ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ” (ሮሜ.1.16) ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዘመሓላለፎ ወንጌል ሓይሊ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብዘረጋግጽ ዝበሎ ቃል ኣምላኽን ተመክሮኡን ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰበኻ ሮማ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ሰበኻ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይቲ ጉባኤ ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ መልእኽቲ መሠረት ገይሮም ስልጣናዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ጉባኤ ሰበኻ ሮማ ክልግሱ ምዃኖም ዝሃብዎ ሓሳብ እዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ህንጡይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መግለጺ ዝኾነ “ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ” (ሮሜ.1.16) ዝብል ቃል ኣርእስቲ ናይቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክኸውን ዝተመርጸሉ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ናይቲ ጉባኤ ቀንዲ ዕላማ ነቲ ናይ ሰበኻ ሮም መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከይዲ ዝግምግም ኰይኑ ኣብ ዝቕጽል ክመሓየሽን ክቕጽልን ዝግበኦ ብምልላይን ከምኡ ድማ እቲ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ጸዋዕታ ዘቓልሕ ምዃኑ ሓቢሮም።
ሕይወት ክርስትና ማራኽን ውህበትን ውበትን ዘደንጽው ምስክርነት ዝረጋገጸሉ እውን እንተኾነ ጸገም ሽግር ኩሉ ዘጓንፎ እዩ፣ ብናይ ጎይታ ትዕግስቲ መሠረት ድማ ነቲ ዘጋጥም ኩሉ እናሰገረ ዝጓዕዝ ብምዃኑ ቀቢጸ ተስፋነት ኣናገሰጸ ናይ ወንጌላዊ ርህራሄን ምሕረትን ዝምስክር እዩ። ኩሉ ሓደ ኮይኑ ነሓድ ሕዱ እናተደጋገፈ ናይ ሓደ ሽግር ናይ ኵሉ ናይ ሓደ ሓጎስ ናይ ኵሉ ዝብል ኩሉ ሓደ ኮይኑ ዝንበረሉ ክርስትና ሱታፌን ውህደት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሮማ እዚ እያ እትምስክር ምስ በሉ እቲ ዘጋጥም ዝነበረን ሓድሽ ብዶሆ እዚ ድማ ባህላውን ናይ ሕይወትን ክቡራት ዋጋታትን ዝኣመሰሉ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝግጠም ኮይኑ ብቑዕ መልሲ ብብቑዕ ክርስትያናዊ ምስክርነት ዝብል እዩ። ስለዚህ መልሲ ኩሉ ድማ እቲ ድሕነት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዘቃልሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.